2018-04-17 17:34:00

ሓቀኛ ነቢይ ንመዓጹ ጋህ ኣቢሉ ዝኸፍትን ስለሓቂ ንኩሉ ድልው ዝኾነን ናይ ተስፋ ሰብ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ሓቀኛ ነቢይ ሕዝቢ ምስማዕ ምስ ኣበዮ ከልቅስ ዝኽእል እዩ፣ ቤተክርስትያንና ሎሚ ጥቅሚ ገዛእ ርእሶም ዘቀድሙን ናክልኦት ዘቈናጽቡን ምኒን እናበሉ ጸሓይ እትዓርቦምን ነቢያት ዘይኮነስ ንሓቂ ኣዳዕዲዖም ዝነግሩን ቀስቂሶም ቀሳቂሶም ንቅድሚት ንክትስጉም ዝኩርኩሑን ሓቀኛታት ነቢያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን የድልይዋ ኣለው’ እንክብሉ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ብዛዕባ ሰማዕትነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘተኮረ ሰፊሕ ስብከት ኣቅሪቦም፣ እዚ ናይ ትንቢት ጸዋዕታ ናይ ኩልና ክርስትያን ዘበልና ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ከምቲ ኣብ ዘመነ ቅዱስ እስጢፋኖስ ናይ እግዚብሔር ምዃኑ ንዘመልክት መንነትና ንከነሐይል ኩልና ሓቀኛ ነቢያት ንኹን ኢሎም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኮ ግጽው ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ብዛዕባ ሰማዕትነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ዝገልጽ ኮይኑ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ዝተዛረቦ ምናዳ ‘ኣቱም ህልኸኛታት ዘይግዙራት ልብን ኣእዛንን ንስኻትኩም እውን ከምቶም ኣቦታትኩም ንመንፈስ ቅዱስ ወትሩ ትቃወምዎ ኣሎኹም፣ ኣየና እዩኸ ካብ ነቢያት ኣቦታትኩም ዘየሳደድዎ! ንሳቶም ነቶም ምጽኣት ወዮ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ቐተልዎም፣ ንስኻትኩም እውን ሄዚ ኸሓድቱን ቀተልቱን ኮይንኩም ኣሎኹም። ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐበልኩምዎ ግናኸ ኣይሓሎኹምዎን!’ (ግሓ 7.51-53) ብማለት ዝገንሖም ክጻወርዎ ስለዘይከኣሉ በእማን ወጊሮም ቀተልዎ፣ ንሱ ግና ከም መምህሩ ክርስቶስ ስለኦም ምሕረት እናለመነ ነፍሱ ናብ እግዚብሔር ኣማዕቈበ ክብሪ ወዲ እግዚብሔር እናረኣየ ከኣ ናይ መጨረሻ ምስክርነቱ ብሕይወቱ ሃበ፣

እዘን ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕናየን ቃላት ከበድቲ እኳ እንተኾና እቲ ቀዳምይ ሰማዕት ናይ ቤተክርስትያን ንኩሉ ንሕዝብስ ይኹን ንዓበይቲ ዓድን ጸሓፍትን ብቀጥታ በደሎም ይነግሮም፣ ልቦም ተዓጽዩ ነሩ ክሰምዕዎ ኣይደለዩን ንታሪኽ ሕዝበ እስራኤል ከኣ ፈጺሞም ረሲዖሞ፣ ካብዚ ብቀጥታ ዝስዕብ ነቲ ዘይምቻኣካ ንምእላዩ ኢኻ ትቃለስ፣ ስለዝኾነ ከኣ ስለሓቂ ክትስደድ ናይ ግድን ይኸውን፣ ከምቲ ቀዳሞት ነቢያት ብኣቦታቶም ዝተሰዱኸስ ኣብዚ እውን ንቅዱስ እስጢፋኖስ ካብ ልቦም የውጽእዎ ምልክቱ ከኣ ካብታ ከተማ ንደገ ኣውጺኦም ብዳርባ እምኒ ይቀትልዎ፣ እዚ ኩነት እዚ ዳርጋ ሓባራዊ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ሓቂ ክልተ ነገር ጥራሕ እየን ዝግበራ ማለት እቲ ነቢይ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ዝዛረቦ ቃል ቀጥታ ልቢ ስለዝትንክፍ ወይ ልብኻ ከፊትካ ትቅበሎ ትድሕን ተድሕን ብግደኻ ነቢይ ትኸውን ወይውን እቲ ልቢ ከም እምኒ ይደርቅ ሕርቃንን ስደትን ይውላዕ፣ ሕይወት ሓደ ነቢይ ከኣ በዚ ይፍጸም፣

እቲ ኣብ ስደትን መከራን ዝርከብ ነቢይ ሕዝቡ ክሳብ ዝሰምዕዎ ይጭድር ይጭርሕ ይነብዕ እውን፣ ኮይኑ ግን እታ ብነቢያት ትንገር ሓቂ ኩርኳሕ ኰይና ድቃስ ስለ እትኸልኦም የግዲ የሳድድዎም እንክብሉ ምስ ገለጹ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና ክነስተንትን ከኣ ከምዚ እናበሉ ይዕድሙ፣

‘ሎሚ ከም ሎሚ ንዓይ ሓደ ነጊይ ዓው ኢሉ ነቲ ሓቂ ክገልጽ እንከሎ ፈተና ክኾነኒ ዝኽእል እንታይ እዩ! ምናዳ ኸኣ እዚ ነቢይ እዚ ዘረባ ጥራሕ ዘይኮነ ነታ ሓቂ ምስ ገደፍዋ ስለ ሕዝቡ ዝበኪ ነቢይ ምስ ኮነኸ! ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ምስ ኣጓነፎ ‘እዛ ዝተጠምዘዘትን ዘማዊትን ወለዶ እዚኣ’ እንክብል በቲ ሓደ ወገን ንዝወሃባ ጸጋ ዘይፈለጠት ወለዶ እንኪገንሕ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ዝተዋሃባ ጸጋ ሰኣን ምቅባል ናብ ጥፍዓት ተምርሕ ዝነበረት ኢየሩሳሌም ርእዩ ኣምሪሩ ከምዝበኸየላ ወንጌል ይነግረና፣ (ሉቃ 19.41) እቲ ዘጓንፈኒ ፈተነኸስ እዚ እዩ፣ ሓቀኛ ነቢይከስ ስለ ህዝቡ ክበኪ ዝኽእል ነቲ ክብሎ ዘለዎ ከኣ ዝኸበደ ይኽበድ ብቀጥታ ክብሎ ዝኽእል እዩ፣ ላንጋ ላንጋ ዘይኮነስ ብቀጥታ ነቲ ክበሃል ዘልዎ ዝብል እዩ።

እዚ ግን ወቀሳን ወይልኩም እናበልካ ምፍርራህን ዘይኮነ ሓደ ነቢይ መዓጹ ተስፋ ክኸፍት ክኽእል ኣለዎ፣

‘መዓጹ ክኸፍት ዝቈሰለ ሰራውር ከሕዊ ሕዝበ እግዚብሔር ንቅድሚት ንኽግስግስ ርክቡ ከጥዒ ኣለዎ፣ ኣብ ቤትጽሕፈት ኰፍ ኢልካ እዚ ጐደለ ነዚ መልእ ዝብል ዘይኮነ ናይ ተስፋ ሰብ እዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ምግናሕ ንመዓዝን ተስፋ ብምምልካት ከኣ ንመዓጹ ተስፋ ጋህ ኣቢሉ ክኸፍት ዝኽእል ክኸውን የድሊ፣ ሓቀኛ ነቢይ ሕይወቱ ኣብ ሓደጋ እንከላ ግቡኡ ዝፍጽም እዩ፣ ሎሚ ንቤተክርስትያና ዘድልይዋ ከኣ ከምዚኦም ዓይነት ነቢያት እዮም።  ከመይ ቤተክርስትያን ትንቢት የድልያ እዩ፣ እዚኦም ነቢያት እዚኦም ወትሩ ብሰማዕትነት እዮም ዝሞቱ፣ ከምቲ ጸሓፊ ቀዳመይ ዘመን ቤተክርስትያን ዝብሎ ከኣ ‘ደም ሰማዕታት ዘርኢ ክርስትያን እዩ፣

ቤተክርስትያን ነቢያት የድልይዋ፣ ኣስፍሕ እንተበሊዮ ከኣ ንሕና ኩልና ነቢያት ክንከውን ትደሊ፣ እዚዶ ከምዚዶ እናበሉ ዝሓምዩ ኣይኮኑን ዘድልይዋ፣ ንከምዚ ዝበለ ክፈርድን ክሓምን ንዝነብር ሰብ ምንም ከሐጉሶ ኣይክእልን፣ እዚ ነቢይ ኣይኮነን ክኸውን እውን ኣይክእልን፣ ነቢይሲ ዝጽሊ ንሕዝቡን ንእግዚአብሔርን ዝምልከት ሕዝቢ ክበኪ እንከሎ ቃንዛኡ ዝስምዖ ስለሕዝቡን ምስ ሕዝቡን ክበኪ ዝኽእል ኮይኑ ግን እዚ ጥራይ ዘይኮነ ንሓቂ ክዛረብ ክሳብ ሕይወቱ ዝህብ ክኸውን ኣለዎ፣ ሓደራ እምበር ቤተክርስትያን ሰኣን ነቢያት ካብቲ ንቅድሚት ዘገስግሳ ኣገልግሎት ትንቢት ከይጐድላ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 

 

ወትሩ ኣብ ጐድኒ እቶም ዝተሓቱ ድኻታት ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንካሪታስ ሰበኻታት ዓዲ ጣልያን

ኣብ ሃገረ ጣልያን ዝርከባ ናይ ሰበኸታት ማሕበር ግብረሠናይ ወይ ካሪታስ ጉባኤ የካይዳ ኣለዋ፣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ናይ ሃገረ ጣልያን ፕረሲደንት ማታረላን መልእኽቲ ከምዝሰደዱሎም እንክምልከት ር.ሊ.ጳ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ድኻታት ኮይኖም ክሕግዙ እንከዘኻኽሩ ፕረሲደንት ማታረላ ከኣ ክንዮ ግላዊ ድፍኢታት ሰጊሩ ንኩሉ ዘጠቃልል ሰብኣውነት ንምህናጽ ተጊህኩም ሥርሑ ኢሎምዎም፣ 

እዚ መበል 40 ሃገራዊ ጉባኤ ግብረሠናይ (ካሪታስ) ሰበኻታት ሃገረ ጣልያን ትማሊ ኣብ ኣባኖ ተርመ ዝበሃል ዞና ከተማ ፓዶቫ እዩ ጀሚሩ፣ እዚ ክሳብ ድሕሪ ጽባሕ ዕለት 19 ሚያዝያ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ጉባኤ ልዕሊ 600 ዋናታት ጸሓፍትን 220 ሠራሕተኛታት ግብረሠናይ (ካሪታስ) ሰበኻታትን ይሳተፍዎ ኣለው፣ መሪሕ ቃል ናይቲ ጉባኤ ድማ ‘ሓንቲ ብኩሉ እትተሓበበርን ንኩሉ እትካፈልን ማሕበረሰብ ወትሩ መንእሰይ እያ’ ዝብል እዩ፣

ብስም ር.ሊ.ጳ ነታ መልእኽቲ ዝጸሓፉ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን እንኽኾኑ ይድረስታኣ ድማ ናብ ዋና ጸሓፊ ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ግብረሠናይ (ካሪታስ) ሃገር ጣልያን ዝኾኑ ናይ ኣግሪጀንቶ ሊቀጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮ እዩ፣

ኣብቲ ተለግራም ቤተክርስትያን ሃገረ ጣልያን ሓቀኛ ፍረ ግብረሠናይን ምሕረትን ከምዝኾነ ምስ ገለጹ ነቶም ቀዳማይ ኣቦመንበር ናይ ሃገረጣልያን ካሪታስ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ነርቮን ንዓሰርተታት ዓመታት ዋና ኣመሓዳሪ ንዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ጁሰፐ ፓዚኒን ብምዝካር ‘እዞም ሰባት እዚኦም ብዘበርክትዎ ሓሳባቶምን ዝለዓለ ምስክርነት ሕይወትን ንቤተክርስትያን ሃገረ ጣልያን ሓቀኛ ፍረ ግብረሠናይን ምሕረትን ከም እትፈሪ ብምግባር ኣሃብቲሞምዋ’ ይብል፣

ሽሕኳ ሕመረት ናይዚ ጉባኤ መንእሰያት እንተኾኑ ቅዱስነቶም ግን ነቲ ዝሓለፈ ዕለት 19 ሕዳር 2017 ኣብ ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት ዝበልዎ ብምድጋም ‘ንመንግስተሰማይ ከም ፓስፖርት ዘገልግሉና ድኻታት እዮም’ ክብሉ ምስ ገለጹ ነቲ ሽዑ ዝጠቀስዎ 2ቆሮ 8.9 ‘ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡዎ ኢኻትኩም፣ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ክትህብትሙ ሃብታም ክንሱ ምእንታኻትኩም ክብል ደኸየ’ ዝብል ብምዝካር ከኣ ኣብ ድኻምነቶም ናይ ድሕነት ሓይሊ ከምዝርከብ ገሊጾም፣ ሽሕ’ኳ ኣብ ቅድሚ ዓለም ምንም እንተዘይብሎም መንገዲ መንግሥተሰማይ ዝኸፍቱልና እዞም ድኻታት እዚኦም እዮም፣ ስለዚ ንሕና ከም ቤተክርስትያን መጠን ክንግደሰሎም ክነገልግሎም ናይ ቅዱስ ወንጌል ግዴታ ኣሎና፣ ሃብትና ንሶም እዮም፣ ዝብላዕ እንጌራ ብምዕዳል ጥራይ ኣይኮነን ነዚ ምስክርነት እዚ እንህብ ከምቲ ጐይታ ዝገበሮ ምስኦም እንጌራ ብምቊራስ እውን እዩ፣ ከማኡውን ቃል ኣምላኽ ምሳኦም ብምክፋል፣ ንድኻታት ምፍቃር ማለት ተጻይ ድኽነት መንፈሳውስ ይኹን ንዋታዊ ድኽነት ምቅላስ እዩ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዝሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.