2018-04-13 17:20:00

ዓለምና ነጻነት እናበለ ይግዕር ኣሎ ኮይኑ ግን ኣብ ዝገደደ ዓዘቅቲ ባርነት ይጥሕል ኣሎ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሎሚ ንግሆ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ሰለስተ ዓይነት ኣብነታት ነጻነት ማለት ናይ ገማልያል ናይ ሓዋርያት ማለት ጴጥሮስ ዮሓንስን ብሳልሳይ ከኣ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓቢኡ ገሊጾም፣

ቅዱስነቶም ንስብከቶም ብሕቶ ይጅምርዎ፣ ኣነኸ ሓራ ድየ ወይስ ባርያ ናይ ሃረርታይን ሃብትን ግዝያዊ ኩነታትን እየ! ኢሎም ይሓቱ እሞ ትርጉም ሓቀኛ ነጻነት ኣብ ሕይወትካ ንክዓዪ ንእግዚአብሔር ቀዳማይ ቦታ ምሃብን ብታሕጓስ ምስዓቡን ኮይኑ እዚ ምስዓብዚ ግን ወላ ኣብ ሕሱም ስቃይ ኣብ እትርከበሉ ክኸውን ከምዘለዎ ኣመልኪቶም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ግሓ 5. 34-42 ኮይኑ ጉባኤ ሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይቲ ዓድን ተጋቢኦም ነቶም ትንሣኤ ሙታን ብዓቢ ታሕጓስ ዝሰብኩ ሓዋርያት ወላ እንተኣሰርዎም ብመልኣኽ ሓራ ወጺኦም ክሰብኩ ምስ ረኣዩ እንታይ ንግበር ኢሎም ዳግም ንጴጥሮስን ዮሓንስን ናብ መጋባእያ ምስ ጸውዕዎም ገማልያል ዝስሙ ፈሪሳዊ መምህር ሕጊ ንዑስከ ግልል ንበል ነቶም ክሱሳት ከኣ ደገ ኣጽንሕዎም ኢሉ እዚ ጉዳይዚ ካብ ሰብ እንተኾይኑ ከምቲ ቅድሚ ብልጭ ኢሎም ዝቅህሙ ባዕሎም ክጠፍኡ ስለዝኾነ እምብዛ ዘይምሽጋር ከምኡ እውን ካብ እግዚብሔር እንተኾይኑ ምስ እግዚኣብሔር ተዋጊእኩም ኣይትኽእልዎን ስለዚ ሓራ እንተገደፍክምዎም ይሓሽ ቢሉ ይመኽሮም ምኽሩ ሰሚዖም ከኣ ንሓዋርያት ጸዊዖም ኣፈራሪሖም ይሰድዎም፣

ቅዱስነቶም ንኩነታት ገማልያልን ሓዋርያትን ኣብ ቅድሜና ብምቅማጥ ንገዛእ ርእስና ክንግምግም ይሓቱ፣ ኩነታት ገማልያል ህድእ ኢሉ ብዝሑል መንፈስ ብዛዕባ ነጻነት ብምስልሳል ወይ ከምቶም ሓዋርያት ሽሕኳ ኣብ ትሕቲ ስቃይ እንተነበሩ ንኢየሱስ ብታሕጓስ ምስዓብ ወይ ከኣ ናይ ሃረርታናን ሕልምታትናን ባሮት ኮና ሃብትን ሽመትን ሓራ ዘውጽአና መሲሉና ንቃለስ! ወይውን ከምዚ ዓለምና ሓሚምዎ ዘሎ ሓሚምና ነጻነት እንበልካ ምግዓር በንጻሩ ከኣ ኣብ ዓዘቅቲ ባርነት ዝሽመም ኰና ኣሎና! እንክብሉ ሓፍ ዘይብል ሕቶታት የቅርቡ እሞ ትርጉም ሓርነትን ነጻነትን ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ፣

‘ኣብዚ ዘመነ ፋሲካ እነስተንትኖ ሓርነት ከስ ሓርነት ናይ ውሉድ እግዚብአብሔር ኮይኑ ነዚ ሓርነት እዚ ከኣ ኢየሱስ በቲ ናይ ድሕነት ተግባሩ ዳግም ኣልቢሱና እዩ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ንባባት እንተተመልከትና ሓርነት ለቢሱ ሓርነት ከልብስ ዝጽዕር ናይ ሕጊ ምሁር ገማልያል ኮይኑ ነቲ ጉባኤ ኣእሚኑ ንጴጥሮስን ዮሓንስን ነቲ መጻጉዕ ምስ ኣሕወዩ ተኣሲሮምሉ ካብ ዝነበርዎ ሓርነት ይህቦም፣ ሽሕኳ ከም በረድ ከትከት ብዝብል መንፈስ እንተኣሰላሰለ ሊቅነቱ ነቲ ጉባኤ ንከእምን ይሕግዞ እሞ ብግዜ ዘይፍታሕ የለን እሞ ነቲ ቀንዲ ግድሎም ግዜ ሥራሑ ሰለዘይሓድግ ባዕሉ ክፈትሖ እዩ ይብሎም ንሶም ከኣ ይቅበልዎ፣

ሓራ ዝኾነ ሰብ ግዜ ኣየፍርሆን፣ እግዚብሔር ጉዳዩ ክገብር የፍቅድ፣ ሓርነት ዝለበሰ ሰብ ዓቃል እዩ፣ ንኩሉ ብትዕግሥቲ ይጽበ፣ ገማልያል ዕብራዊ እዩ ነሩ! ክርስትያን ኣይነበረን! ኢየሱስ መድሓኒ ምዃኑ ይፈልጥ ኣይነበረን! ኮይኑ ግን ሓራ ሰብ እዩ ነሩ፣ ህድእ ኢሉ ከም ሰብ ይሓስብ ንጉባኤ የቅርቦ ይቅበልዎ ከኣ፣ ሓርነትከስ ኣይትህወኽን! ናብ ታሪኽ ምልስ እንተበልና ጲላጦስ እውን ከም በረድ ዝምዝሓሉ ሓንጐል ሒዙ ጽቡቅ ይሓስብ ነሩ፣ ኢየሱስ ንጹሕ ከምዝኾነ ተረዲእዎ ኮይኑ ግን ነቲ ጸገም ክፈትሖ ኣይከኣለን ከመይ ነጻነት ኣይነበሮን ሓራ ሰብ ኣይነበረን ኣብ ስልጣን ጠቢቁ ነሩ፣ ናይ ሓራ ሰብ ትብዓት ስለዝጐደሎ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣለን ከመይ ሥልጣን ኣብ ልዕሊ ሥልጣን ክ ውስኽ ይጽበ ነሩ፣ ባርያ ሥልጣን ኮይኑ ማለት እዩ፣

ካልኣይ ኣብነት ናይ ሓርነት ጴጥሮስን ዮሓንስን ኮይኖም ሓደ መጻጉዕ ኣሕውዮምሲ ተኸሲሶም ኣብ ጉባኤ ኣይሁድ ቈይሞም፣ ሽሕኳ ሓራ ኢኹም እንተበልዎም ሽሕኳ ንጹሓት ምዃኖም ይፈልጡ እንተነሮም ዚኣክል ግን ገሪፎምዎም እዮም፣ ዘይግብኦም መቅጻዕቲ ተቀቢሎም፣ ካብቲ ጉባኤ ኣይሁድ ክኸዱ ከለው ግን ብታሕጓስ ፍንጭሕ ኢሎም ከመይ ስለ ስም ኢየሱስ መከራ ምርካቦም ነዚ ምብቃዖም ብጣዕሚ ኣሓጒስዎም፣ ንኢየሱስ ናይ ምምሳል ታሕጓስከስ እዚ እዩ፣ እዚ ሓርነት እዚ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ፍልይ ዝበለ እዩ፣ ብደረጃኡ ዝለዓለን ዝሰፍሐን ዝዓበየን ኮይኑ ሓርነት ክርስትያን ኢልና ንጽውዖ፣ በቲ ዝወረዶም ኢፍትሓዊ መግረፍትን መቅጻዕትን ጴጥሮስ ናብ ላዕላይ ዳኛ ከይዱ ክጠርዕን ካሕሳ ክሓትትን ይኽእል ነይሩ፣ ኮይኑ ከም ብጻዩ ዮሓንስ ሕጉስ ነሩ ከመይ ስለ ስም ኢየሱስ ስለዝተሳቀዩ ታሕጓሶም ወሰን ኣይነበሮን፣ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ ስለ ስመይ ክትጽረፉን ክትስጐጉን እንከሎኹም ተሓጐሱ ከመይ ብጹዓን ኢኹም ከምዝበሎ እዩ፣ እናተሳቀዩ ንኢየሱስ ክስዕቡ ሓራ ነበሩ ክርስትያን ዘቦኡ ከኣ ነዚ ዝምባሌዚ ከጥሪ ኣለዎ፣ ኦ ጐይታ ንዓይ ክተድሕን ብዙሕ ተሳቂኻ ብዙሕ ሂብካኒ፣ ኣነኸ ብግደይ እንታይ ክገብረልካ እኽእል! ኦ ጐይታ ሕይወተይ ኣእምሮይ ልበይ ኩሉ እህበካ ኣሎኹ እሞ ተቀበለኒ፣ ኩሉ ናትካ እዩ ንበሎ፣

ንኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ናይ ዘፍቅር ሓርነትከስ እዚኣ እያ፣ እዚ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ እምነትን ዝጸንዔ እዩ፣ ንስኻ ንዓይ እዚ ገርካ ኣነኸኣ ንኣኻ ነዙይ ክገበር እየ ከም ማለት እዩ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ብዙሓት ክርስትያን ኣብ ቤትማእሰርትን ፈቀዶ መሳቀዪ ቦታን ኮይኖም ንኢየሱስ እናመስከሩ ዝሳቀዩ ነዛ ሓርነት እዚኣ ሒዞም ዝጐዓዙ ኣለው፣

እታ ሳልሰይትን ዝለዓለትን ሓርነት ኢየሱስ ባዕሉ ኮይኑ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ብሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሣን ኣሽሓት ዓንጊሉስ ዝተረፈ ብዙሕ መሶባት ከምዝለዓል ዝገበሮ ተኣምር እንክኸውን ኣብ መወዳእታ እቶም ነዚ ተኣምር እዚ ዝረኣዪ እዚ ብሓቂ እቲ ነቢይ እዩ ንዑ ነንግሦ ኢሎም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ምስ ረኣየ ገዲፍዎም ናብ ጐቦ ይሃድም፣ ካብቲ ሆሆታን ናይ ዓወት ዳንኬራን ይፍለ፣ በዚ ናይ ዓወት ሆሆታ ክደናገር ኣይደለየን፣ ከመይ ሓራ ሰብ ነሩ፣

ከምቲ ኣብ ምድረበዳ ንፈተነታት ሰይጣን ዘሸነፎ ከመይ ሓራ ሰብ ብምንባሩ ሓርነቱ ከኣ ፍቃድ ኣቦኡ ምኽታል ነበረት ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ዕጸ መስቀል ወዓለ፣ ዝዓበየ ትርጉም ሓርነትከስ እዚ እዩ ኢየሱስ ብኣካሉ፣ ሓርነት ውሉድ እግዚብሔር ናይ ምዃን ንክመልሰልና ፍቃድ ኣቦኡ ይፍጽም፣

እስኪ ሎሚ ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ብዛዕባ ሓርነተይ ሓርነትና ነስተንትን፣ ነተን ሰለስተ ኣብነታት ናይ ገማልያል ናይ ጴጥሮስን ዮሓንስን ብዓንዲ ርእሳ ከኣ ናይ ኢየሱስ ነስተንትን፣ ሓርነት ሓርነት ክርስትና ድዩ! ንምዃኑ ሓራዶ እዩ! ወይስ ባርያ ስምዒታተይን ሃረታተይን ሕልምታተይን ሃብትን ካልእ ነገራትን እየ! ዋዛ ይመስል ግን ዋዛ ኣይኮነን ዓለምና ሎሚ ብረኣዪለይ ስምዑለይ ዝቋንቋኡ ከምዚ እንተዘይተኸደንኩ ከምዚ እንተዘይረገጽኩ ብማለት ሞዳ ዝበሃል ንብዙሓት ባራዩ ገሩ ኣሎ፣ ኣብዚ ሓሚሙ ዘሎ ዓለምናኸስ ብዛዕባ ሓርነትና ንሕሰብ፣ እዚ ሕሙም ዓለምና ሓርነት ነጻነት ሓርነት ነጻነት እናበለ ይጭርሕ ኮይኑ ኣብ ዝገደደ ባርነት ተሸሚሙ ባርያ ናይ ባርያ ባርያ ይኸውን ኣሎ፣ ነታ ብኢየሱስ ገሩ እግዚብሔር ዝህበና ሓርነት ነስተንትን እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.