2018-04-12 09:43:00

ማሕበራዊ ሕቶ ግብረ ገባዊ ሕቶ እዩ፡ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ተቛም ካሚሊያኑም


ዕለት 13 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ዝዛዘም ማሕበራዊ ሕቶ ግብረ ገባዊ ሕቶ እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ብካሚሊያኑም ተቛም ዝተሰናደወ ዓውደ መጽንዕቲ ዕለት 10 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ከም እተጀመረ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

እዚ ካብታ Popolorum progressio - ሕዝባዊ ምዕባለ ብዝብል ኣርእስቲ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ተበጊሱ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ማሕበራዊ ትምህርትን ነቲ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣሕዛብን ዝረአይ ምጥፋእ መንፈስ ሕውነት ብዑምቀት ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝህብዎ ሰብኣዊ ኵነትን ዓለምን ትንታነ ኣማእኪሉ፡ ትርጉም ናይ ሓባር ጥቕምን ናይዚ ዕሴት ማሕበራውን መንፈሳውን ጐድኑ ዝድህስስን ነዚ ከኣ ማሕብራዊ ሕቶ ግብረ ገባዊ ሕቶ ምዃኑ ብሰፊሕ ዘብርህ ነዚ ርእሰ ጉዳይ’ዚ ብዝተፈላለዩ ስነ ትምህርቲ ጨናፍር ኣነጺሩ ዝዝትይ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዝዀነ ራቪያርት ኣፍሊጦም።

ማሕበራዊ ጥቕሚ ዘራኽብ ጥቕምን ናይ ተራኻብነት ጥቕሚ እዩ

ማሕበራዊ ጥቕሚ (ሓባራዊ ጥቕሚ) ዝብል ኣምር ኣብ እንነብረሉ ኣዋን በቲ ውልቃውነት ብዝብልን በቲ ግዳማዊ ቀጥዒ ጥራሕ ብዝዀነ ስርዓት ደሞክራስን እዚዩ እናጸበበን ካብ ሓባራዊ ጥቕሚ ናብ ውልቃዊ ጥቕሚ እናተቐየረ ንዓይ ይጥዓመኒ ባህሊ እናዘርገሔ ይኸይድ ምህላዉ ዘነጽርን ሓባራዊ ጥቕምን ውልቃዊ ረብሓን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣሞርኵይዞም፡ ናይ ካሚሊያኑም ተቕዋም ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ፓልማ ስግረቻ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት ኣስዒቦም፥ ናይ ሓባር ንብረት ዝበሃሉ ከም ማይን መንግስታዊ ተቕዋማት  ከም ኣገልግሎት መውሃቢ ተቓም ትምህርትን ሕክምናን ዝኣመስሉ ናይ ኵሉን ንዅሉን እያቶም ኰይኑ ግና ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓቢይ ሓደጋ ተቓሊዑ ካብ ናይ ብዙሃን ናይ ውሁዳን እናዀነ ይጸብብ ምህላዉ ኣብሪሆም፡ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክበሃል እንከሎ ጉኡዛዊ ነገራት ዝምልከት ጥራሕ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ዕሴት እውን እዩ። ስለዚህ ናይ ተራኻብነት ጥቕሚ እውን እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ልክዕ ሰብኣዊ ተራኻብነት እናተሓንጸ ከምዝኸይድ ናይ ሓባር ጥቕሚ እውን ከምኡ እዩ፡ ኵሉ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ምክንካንን ምኽባርን ክሕነጽ ኣለዎ፡ ከምዚ ክበሃል እንከሎ ዘይጭበጥ ጦቢያዊ (utopia) ከይዲ ማለት ኣይኰነን፡ ካብቲ ማዕርነትን ሕውነትን ነጻነት ዝብሉ ዕሴታት ነቒሉ ናይ ኵሉ ክብሪ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ውሳኔ ክነቕል ኣለዎ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ናይ ፖለቲካ ሕንጸት ግደ

ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ዳል ኮቮሎ እውን ብወገኖም፥ እቲ ካብ መላእ ሕዝቢ ዓለም ሓደ ሚእታዊ ዝሽፍን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ መላእ ሕዝቢ ዓለም ሃብታዊ ድምር ዝውንን እዩ። ስለዚህ ነዚ ንምትኽኻልን ፍትሕን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ካብ ተጠቃምነት ዝተነጸለ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝጽንብር ንማንም ዘይንጽል ስርዓት ኤኮኖምን ከይዲ ምዕባለ ምኽዋን ግንድ እዩ። እዚ ንምርግጋጽ ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ናይ ፖለቲካ መሰረታዊ ትርጉሙ ዝኸሓደ ዓይነት ፖለቲካ ዝተፈልይ ተኣማኒ ፖለቲካ ምርግጋጽ የድሊ፡ መንእሰይ ንፖለቲካ ክጸልእ ዝገብር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ፖለቲካ ዳግም ክሕደስን ክሕነጽን ኣለዎ፡ እውነተይና ሕንጸት ፖለቲካ መውሃቢ ተቛምት ምቕዋም የድሊ፡ ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብዚ መዳይ ብዙሕ ክትዓዪ ይግብኣ ከምዝበሉ ራቪይርት ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ማሕበራዊ ሕቶ ግብረ ገባዊ ሕቶ እዩ፡ ብመንጽር ስልጣናዊ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ብዝብል ኣርእስቲ ኣባ ኣለኻንድሮ ክሮስትዋኢተን ከምኡ እውን ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ናይ ድኽነት ታሪኽ (ታሪኽ ድኽነት) ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.