2018-04-07 13:20:00

ቀዳም ሥዑር 29 መጋቢት 2010 ዓ.ም. 4/07/2018


ንባባት  2ቆሮ 5፡6-ፍ፥ 1ጴጥ 3፡15-ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡12-4፡5፥ ማር 16፡1-7   ምስባክ፡  አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ፥ ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ድቃስ እውን ወሰደኒ፥እግዚአብሔር ስለ ዘተንስአኒ ካብቶም አእላፍ አሕዛብ አይፈርሕን እየ” መዝ. 3፡5

ቀዳም ስዑር ኢልና ንጽውዖ ንዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ቀዳም አብ ብሉይ ኪዳን ሻባት ኢሎም ዝጽውዕዋ መዓልቲ ዕረፍቲ እያ ነራ እንተ ኾነ አብ ሰንበት ተቐይራ። ተሳዒራ ማለት ክርስቶስ አብ ቀዳሚት ሰንበት ስለ ዝተንሥኤ ከምኡ ጰራቅሊጦስ ብሰንበት ስለ ዝወረደ ቀዳሞት ክርስትያን ንቀዳም ብሰንበት ቀይሮማ። ትሕዝቶ መቐየርኦም ከአ አብቲ ንእምነት ዝርኢ ዓበይቲ ነገራት አብአ ስለ ዝተፈጸመ መዓልቲ እግዚአብሔር ተባሂላ ትጽዋዕ።

ቀዳም ስዑር ዘብል ካልእ ምኽንያት በዚአ ዕለት ክርስቶስ ሥጋኡ አብ ትሕቲ መሬት ዝጸንሓሉ እሞ ነቶም ካብ አቦና አዳም ጀሚሮም አብ ሲኦል ዝነበሩ ዘውጽአላ ዕለት ስለ ዝኾነት ንኹሎም ሓራ አውጺኡ አብ መንግስተ ሰማይ ዘእተወላ ዕለት እያ ስለዚ ብሉይ ብሓዲስ ተሳዒሩ።
ቀዳም ስዑር፥ ክርስትያን ኩሎም ንአርብዓ መዓልቲ ድሕሪ ጸሞም በዚ ዕለት ጾመ ሉጋም ምሸት ድሕሪ ቅዳሴ ይፍታሕ ጥልላት ክብላዕ ስለ ዝጅምር ይስዓር።

አብ ቅዳሴ አትናቴዎስ ንቀዳም ስዑርን ንእሑድ ሰንበትን እንኬነጻጽር እንከሎ “ንዑ ናልዕላ ለበኲረ በዓላት እንተ ይእቲ ሰንበት ክርስትያን ቅድስት. . . ኦዛቲ ዕለት ለነብያት ተዐውቀት እምኀበ ሕዝበ አይሁድ ተሰወረት ወበኀቤነሰ ፍጹመ አስተርአየት. . . . ለእለ ሶሙኑ ትነግሥ. . . ኦዛቲ ዕለት እንተ ባቲ እኪት ተስዕረት ሓድስ ጸንዓት ኦዛቲ ዕለት እንተ ባቲ ሙቁሓን ተፈትሑ ወአግብርተ ግዕዙ” እናበለ ናይ ክልቲኡ ሰናብቲ አብ እምነት ዘሎ ርድኢት ይገልጽ።

አብ ጸሎተ ሃይማኖት ከም ንደግሞ ብሳልሳይ መዓልቱ ናብ ስኦል ወረደ እናበልና ነቶም ተሞቊሖም ዝነበሩ ሓራ ዘውጽአሉ ዕለት ምዃኑ ንገልጽ። አብ 1ጴጥ 3፡19 “በዚ መንፈስ እዚ እውን ከይዱ ነቶም አብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድኅነት ሰበኸሎም” ይብል።

ነዚ ክርስቶስ ዘበሰሮ ክነመልክት ኢልና ብመዓልቲ ቀዳም ስዑር ሰቲ ይዕደል እዚ ኸአ “ገብረ ሰላም በመስቀሉ ትንሣኤሁ አግሃደ” እናበልና እናዘመርና ንፍጽሞ። ሰቲ ናይ ሰላም ናይ ሓጎስ ምልክት እዩ። ኢየሱስ ኢየሩሳሌም ክአቱ እንከሎ ሰቲ ሆሣዕና እናነስነሱ ተቐቢሎሞ።

“እመስቀሉ ወሪዶ ውስተ ሲኦል ሙቁሓነ ፈትሓ፥ ሰበከ ሎሙ ግዕዛነ፥ ዘውእቱ አግዓዘነ እምአርዑተ ኃጢአት፥ አቅረበነ ኀቤሁ በሥጋ እምድኅረ ሓመ በሥጋ. . .” ዝብል ዜማ ይዝየም ብዕለት ቀዳም ሥዑር። በዚ ዕለት ዓለም ነቲ ምእንቲ ድኅነትና ዝመጸ ክርስቶስ ቀቲላቶ አብ ትሕቲ ምድሪ ቀቢራቶ። አብ ጊዜ ሞቱ ንዓለምና ዝገጠማ ብመዓልቲ ዓርቢ ሽቕለት ምሸት ከምዚ እናበልና ንጽሊ “ፀሐይ ጸልመ ወወርኅ ደመ ኮነ፥ አድለቅለቀት ምድር ወተከሥቱ መቃብራት” (ዘ፱ቱ ሰዓት)።

አብ አፍደገ ትንሣኤ ስለ ዘሎና ፍሉይ አትኵሮ ገርና ምስ ክርስቶስ ክንትንሥእ ነፍስወከፍና ክንገብሮ ዘሎነ ነገራት ክነስተንትን አሎና።

ፍጹም ጣዕሳ ኃጢአትና ክንገብር። ንክርስቶስ አብ ሞት ዘብጽሖ ኃጢአት ቀዳሞት ወለድና እዩ። ንሕና እውን ሎሚ አብ ዝተፈላለየ ጊዜ ኃጢአት ንገብር ስለ ዝኾና ሎሚ ክንሓጽቦ ክንጽዕር ንሰማይ ዘእቱ ሕይወት ክህልወና ስንድዋት ክንከውን አሎና። አብ መንበር ኑዛዜ አቲና ምስ አምላኽ ክንዕረቕ። ምስ ሰብ ክንዕረቕ ሽዑ “ይእዜሰ ሰላመ ኮነ” ክንብል።
አብ ሞት ኢየሱስ ክንሳተፍ። ምስኡ እንተ መትና ጥራሕ ኢና ምስኡ ክንትንሥእ እንኽእል። ምስ ክርስቶስ ምማት ክንብል ከሎና ካብ ክፍአት ካብ ኩሉ ኃጢአት ርሒቕካ ምኽአል። ነቲ አይስዓርን ኢሉ ምምላኽ አብዩካ ዘሎ ሥጋኻ ምስዓሩ። ነዚ ክንገብር ክንስቀል ክንመውት አሎና ሽዑ ዓወት ክንእውጅ። አብ ሕልናና አቲና ፍሉይ ድኽመትና አለሊና ክንክእል እሞ ካባና አውጺእና ሓደስቲ ፍጥረት ክንከውን።
ጸሎት ገርካ ምኽአል። ሎሚ ብሕትው ጊዜ ወሲድና ንበይንና ንአምላኽ ክንዛረቦ ክነዕልሎ ጥዑም እዩ። ብሞት ክርስቶስ ዓለም ጸልሚትዋ ግን ንመንፈሳዊ አስተንትኖ አፍደገ ተኸፊትዋ። ብዙሓት ካባና ምስ አምላኽ ምዕላል ዘይለመዱ አለዉ፥ ምናልባት ዕላል ክሳብ ትጅምሮ ቀሊል አይኮነን አብኡ ጥራሕ ንቕረብ እምበር አምላኽና ደቁ ዘፍቅር ስለ ዝኾነ ካባና ክሰምዕ ድላዩ እዩ። አብቲ ቅድሚ መስቀል ደው ኢልና ነቲ ዝፈሰሰ ደሙ ነቲ ብደም ዝጠልቀየ ክዳኑ ንሕሰብ በዚ ተሓጺብና ንኽአል። ሎሚ አብ ቅድሚ መቓብር ኢየሱስ ኮፍ ኢልና ነቲ ኹሉ ዝገበረልና ነመስግኖ።
ንኹሉ አምላኽ ዝገበረልና ርኢና ክንክእል ይግባእ። አብ ሓደ ካብ ቀዳሞት ክርስትያን ዝሰበኽዎ ስብከት ተጠቒሱ ከም ዝርከብ ክርስቶስ አብ ሲኦል ምስ ከደ ንኹሎም ነቶም አብኡ ዝነበሩ ሓራ አጺእዎም ግን ኩሉ ንሶም ዝገበርዎን ንሱ ዝገበረሎም ከም ዝገለጸሎም ነንብብ። ንኹሉ ቁስሉ ስንብራት ሽንካሩ መስቀሉ አርእይዎም ይብል እዚ ኹሉ ነቲ ንሱ ዝገበረሎም ርእዮም መታን ክኽእሉ እዩ። ሎሚ ኩልና አምላኽ ብዓቢኡ አብ መስቀል ዝገበረልና ክንርኢ፥ አብ ግላዊ ሕይወትና ዝተገብረልና ክንርኢ። አብ ስድራን ሓዳርና አብ ኩሉ አምላኽ ዝገበርልካ ርኢኻ ምኽአል ሽዑ ናይ ምስጋና መዝሙር ምዝማር። 

ክርስቶስ መጨረሽታ ቃል ዝበላ “ተፈጸመ ኩሉ” እያ። ንኹሉ ፈጺምዎ፥ ንደቂ ሰብ ዕርቡን ድሕነት ከፊሉልና። አፍደገ ሰማይ ከፊቱልና ምእታው ጥራሕ ተሪፉና። አብዚ ግጉይ ትምህርቲ ዝምህሩ አለዉ ኩሉ ክርስቶስ ስለ ዝገበረልና ካባና ሓንቲ አየድልን፥ ምስጢራት መብዝሕትኦም አየድልዩን ብዙሕ ካብ ዓምዲ እምነትና አየድልን ዝብሉ አለዉ እዚ ግን ጌጋ ርድኢት እዩ። ናታትና እሽታን ነቲ ዝወደቕናዮ ክንክሕስ ይግብአና። ርግጽ አምላኽ ኩሉ ገሩልና እንተኾነ ንሕና እንገብሮ ናታትና ተራ አሎ። አብዚ ዕለት ታራና ክንገብር እዩ ዝድለ ዘሎ። አነ ክድሕን ብወገነይ እንታይ ክገብር ክንብል። ድኅነትና ከሰክፈና አለዎ። ብስም ክርስቶስ ሞተለይ ኩሉ ተወዲኡ ኢልካ ዳንከራ ምህራም ትርጉም የብሉን። ሕይወትና ምአዝኑ ርኢና ንኽአል እሞ ሽዑ ክንድሕን ኢና። ምኽንያቱ ሒዝናዮ ዘሎና መገዲ ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኸአልና ቅኑዕ እንተኾነ ዝበለጸ ንመርሽ ንቕድሚት፥ ካልእ ጓል መገዲ ሒዝና ንደናገር እንተሎና ግን ንመለስ። ሎሚ መገዲ ክርስትስ እንረኽበላ ዕለት እያ።

ሓወይ ሓፍተይ ምስ ክርስቶስ ክትንስእ ስንድው ዘሎኻ ንበሃሃል። ኩሉ ተቐሪቡ እዩ ምስ አምላኸይ ፍጹም ውህደት ገረ ንትንሣኤ ቅሩብ እየ ኢልና አብ ሕይወትናና ንተአማመን እንተ ኾና “አብ ሓጎስ ጎይታኻ/ኺ እተዉ እዩ ዝብለና”። እሞኸ ስንድዋት ዘሎና ሽምዓና አብሪህና አብ ሓጎስ ትንሣኤ ክንሳተፍ። ብሓቂ ዓቢ ጉዳይ እዩ እሞ ናይ ኩልና ተሳትፎ ይሓትት። ዓቢ ጉዳይ ብናይ ኩሉ ተሳትፎ እዩ ዝምዕርግ እሞ ኩልና ብሓደ መንፈስ ንበገስ ምስ ክርስቶስ ክንትንስእ።

በትንሣኤከ አንሥአኒ እናበልና ንትንሣኤ ቅሩባት ንኹን ባዕሉ መንስኤ ሙታን ክርስቶስ ጸጋ ትንሣኤ ዓዲሉ ብሩኽ ርእሰ በዓላት ይግበረልና።

ንኹልኹም ብሩኽ ትንሣኤ እብል

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.