2018-04-04 16:52:00

ናይ ሰሜን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ጻውዒት ኣብ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ሰማእትነት ማርቲን ሉተር ኪንግ


ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት መስዋዕትነት ማራቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ሃገሮም ዝዀነ ይኹን ናይ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ዜጋታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንሓደጋ ከቃልዕ ዝኽእል ጸቕጥን ዘርአይናነትን ኣድልዎን ከይህሉ ናይ ሕዝብን መንግስትን ንቑሕነት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ክምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕይወትን መስዋዕትነትን ማርቲን ሉተር ኪንግ ብምስትንትና በቲ ወንጌል ዘቕርቦ ናይ ፍቕርን ሰላምን ሓድነትን ጻውዒት መሰረት ናይ ሰላምን ፍቕርን ሓድነትን ባህሊ ነረጋግጽ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ መልእኽቶም፥ ሎሚ እውን ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብጽልዋ ዘርአይናነት ብዙሕ ዝሳቐዩ ከምዘለዉን ነቶም ዘረአይናነት ከም መምርሕን ፖለቲካን ማሕበራውን ዕላማ ገይሮም ዝንቀሳቐሱ ኵሎም ብፍላይ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዝነበረ ዘርአይናነት ተግባር ዘኪሮም፡ እግዚኣብሔር ልቢ ክሉ ክትንፍክ ተማሕጺኖም ይብል።

ማርቲን ሉተር ኪንግ ዕለት 4 ሚያዝያ 1968 ዓ.ም. ኣብ ተነሲ ከተማ መምፊስም እንቲ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ምኽባር ኣብ ዝጽውዕ ናይቲ ከባቢ ሰራሕተይና ህዝቢ ኣብ ዝሰናደዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምስታፍ እንከለዉ ከምእተቐትሉን። ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ምፍጻም እንከለዉ ሕይወቶም ዘሕለፉ እዮም ዝበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ሕይወትን ኣገልግሎትን ሰማዕትነትን ማርቲን ሉተር ኪንግ ትማልን ሎምን ኣብነት እዩ፡ ንማሕበረ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ፖለቲካን ማሕበራዊ ሕይወትን እውን ኣብነት እዩ ቢሎም፡ ስለዚህ ኣስተንፍሶ ማርቲን ሉተር ኪንግ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ዘይምክእኣልን መፍትሒ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እምነት የትብዓና፥ እምነትና ተባዓት ንኽንከውን ይድርኸና ክሳብ ሕይወት ምስዋእ ኣብ ዝሓትት ልዑል ክብሪ እውን ከይንሰናኸልን ከይነሳሕብን የትብዓና፡ ናይቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣርአያን ኣምሳልን ዝዀነ ሰብኣዊ ፍጡር ሰብኣዊ መሰልን ክብንር ኣብ ምኽባር ክንተግህ የብቅዓና ስለዚህ ማርቲን ሉተር ኪንግ ብግቡእ ምዝካርን እቲ ንሱ ሓዲግዎ ዝሓለፈ ናይ ሰላም ባህሊ ምትብባዕን ምስፋሕን ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ፡ እቲ ናቱ ናይ ሰላም ባህሊ ውርሻ ፍቓድ እግዚኣብሔር ብምስዓብ ንእንፍጽሞ ጻዕሪ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ዘተባብዕ እዩ፡ ኣብቲ ኢፍትሓውነትን ዓመጽን ዘረአይናነትን ኣብ ዝረአየሉ ኩሉ ፍትሕን ሰላምን ሕውነትን ንኸነነቓቕሕ ይድርኸና እንክብሉ ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.