2018-04-03 16:09:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዋዜማ በዓለ ፋሲካ፡ ባዶ መቓብር ነስተንትን፡ ኣይትፍራሕ ንኢየሱ ተኸተል


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራቸስኮ ዕለት ካብ ዕለት 31 መጋቢት ናብ ዕለት 1 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ብላቲን ስርዓት ኣብ ባዚሊካ ቅዱ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ፋሲካ፥ ፋሲካ እትወት እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ሰብ፡ ንእትወት እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽና ዳግም ምእማን ማለት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ኣብታ ናይ ሱቕታ ለይቲ፡ ጸልማትን ኣስሓይታን ቁርን ዝኸበባ ለይቲ ኣብ ቅድሚ ዝሞተ ጐይታ ከበድ ጽሞና ይኣትው፡ ነፍሲ ወከፍና ናብቲ ኣብ ቅድሚ መስቀል ኣልቦ ልሳን ዝተረፈ ደቀ መዝሙር ስቡር ልቢ ይኣትውን ነዚ ኩነት’ዚ የስተውዕል። ካብዚ ሓሊፉ  እቲ ዓቢይ ናይ ታሪኽ መቕድም ዝዀነ ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን ዝብል ብስራት ዝተረጋገጸሉ ዕለ እዩ። … ኣብዚ ጽሞናን ጥልቂ መንፈሳውነትን ኣብ ዝተነብሮ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮ፥

እዋናዊ ሓዋርያ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረኣየ ኢፍታሓውነት ልምሰት ዝተኣታተዎ ይመስል

እዛ ሰዓት እዚኣ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ደቀ መዝሙር ኣብ ቅድሚ ሞት ኢየሱስ ልሳኑ ኣጥፊኡን ብሱቕታ ተዋሒጡ ይተርፍ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ስሙ ዝጸለመን ሻራ ዝተፈጸሞን ብሓሶት ምስክርነት ዝተፈርደ መምህር ደቀ መዝሙር ኣልቦ ልሳን ኰይኖም ተረኽቡ፡ ኵሎም ክሒዶዎን ተሓብኡን ሃዲሞምን ኣብ ሱቕታ ተረኽቡ

ኣልቦ ልሳን ለይቲ፡ ኣልቦ ቃል ዝዀነ ለይቲ ደቀ መዝሙር ደስኪሉን ውሽጡ ቆሪሩን ለሚሱን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝጸቐጦን ዝኸበቦን ስቓይን መከራን ናበይ ከምዝኸይድ ጠፊእዎ ቀባሕ ባሕ ይብል። እዋናዊ ደቀ መዝሙር እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ብዙሓት ኣሓዋትና ብኣካሎም ዝነብርዎ ማእለያ ዘይብሉ ኵነት ኢፍትሓውነት ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊእዎን ተሳኢንዎ ኣልቦ ልሳን ኰይኑ ይተርፍ።

በቲ ተደጋጋሚ ዕለታዊ ናብራ ዘይጽቑጥ ምዃን

እንነብረሉ እዋን በቲ ተደጋጋሚ ዕለታዊ መነባብሮን ብተምሳል እማኔ ምኽንያት ኢምስሩቕ ማለት ልላይ ዝጐደሉ ኰይኑ ዘሎ እዩ ዝመልስ፡

ደቀ መዝሙር ኣብቲ ተደጋጋሚ ዕለታዊ ናብራ ጥሒሉን በዚ ምኽንያት ኣልቦ ተዘክሮ ኰይኑን ተስፋን ዓቢሱ፡ ከምዚ ይግበ ኔሩ እዩ እሞ ከምኡ ኣብ ዝብል ዓይነት ኣነብራ ተዋሒጡ ተደራቢሹን ተረቢሹን ይተርፍ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሊቀ ካህናት ቀያፋ፥ ኵሉ ሕዝቢ ካብ ዝጠፍእስ ሓደ ሰብኣይ በጃ ሕዝቢ እንተ ሞተ ከም ዝሕሸናዶ ከኦ ኣይትሓስቡን ኢኹም ዝብሎ ዘረባ ደቀ መዝሙር ብዘይ ቃላት ክተርፍን ዓባስ ክኸውንን ብጸላም ለይቲ ትወሪሩ ከምዝተርፍ እዩ።

ባዶ መቓብር ከነስተንትን ዝተጸዋዕና ኢና

ኣብ ውሽጢ ማእለያ ዘይብሉ ስቑታና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣእማን ምጭራሕ ይጅምሩ፡ ኣእማን ናይቲ መቓብር ብዓውታ ይዛረቡን ይጭርሑን፡ ሓድሽ መገዲ እውን የበስሩ፡ ስለዚህ ንሕና ነቲ ባዶ መቓብር ከነስተትን ዝተጸዋዕና ኢና፡ ነቲ እቲ ፥ ኣይትፍርሑ …. ኢየሱስ ተንሲኡ እዩ ዝብል ቃል መልኣኽ ጽን ክንብል ዝተጸዋዕና ኢና።

እዘን ቃላት እዚኣተን ናብቲ እማኔታትናን ርግጸይናነትናን ዝዀነ መዓሙቕ ምዃንነትና ኣብ ቅድሚ ስልታዊ ኣፈራርዳናን ኣብ ኵነታት ዕለታዊ መነባብሮናን ብፍላይ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስ ካልእ ናይ ተራኻብነት ኩነትና ይበጽሓ፡ እዚ ባዶ መቓብር ብድሆን ሕቶን ዘበራብርን ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋንን ኩነትን ሰብን ደበኽ ዝብልን ብርሃኑ ኣብቲ ዘይትሓስቦን ዘይትግምቶን ኩርናዕ ዓለምን ኣብቲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጽወ ህላዌታት ኩሉ ዝበጽሕን ዝመጽእን እግዚኣብሔር እምነት ክህልወና ዘበራትዕ እዩ።

እቲ ኢየሱስ ተንሲኡ እዩ ዝብል ቃል ብስራት ተስፋና ዘጽንዕ እዩ

ንኣና ኣብቲ ናይ ድሕነቱ ተግባር ተሳተፍቲ መታን ክንከውን፡ ኢየሱስ ካብ ሞት ተንስአ፡

እዚ ከም ክርስቲያን ሕይወትናን ምሉእ ሓይልናን ክእለትናን ፍልጠትናን ፍቕርናን ናይ ክብሪ ከይዲ ናይ ዘፍርይን ዝደልይን ፍቓድ መሰረትን ሓይልን እዩ፡  ኣብዚ የሎንተንሲኡ እዩ! እዚ እቲ ተስፋና ዘጽንዕን ናብ ጭቡጥ ናይ ፍቕሪ ተግባር ዝልወጥ ብስራት እዩ።

እምነትና ክትሕደስ እያ

ሰብኣዊ ተኣፋፍነትና በቲ ናይ ትንሳኤ ተመክሮኣዊ ሓይሊ ክትንከፍ ምስ እንፈቅድን እንደልይን፥

እምነትና ክሕደስ ርሒቕካ ዘምርኣይናን ኣብ ክትዕን ሕቶን ዝኣትው ኩሉ ኩነትና በዚ ብስራት ክሕደስ ክንደይ የድልዮ። ንሱ ተንሲኡ እዩ ምስኡ ዕለታዊ ሽግራትናን እዋናዊ ጸገማትናን ብብቕዓት ክንገጥምን በይንና መታን ከይንኸውን ተስፋና እውን ይትንስእ።

ኢየሱስ ይጽበየካ ኣሎ፡ ኣይትፍራሕ

ፋሲካ ምብዓል ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ፋሲካ፥ እትወት እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ሰብ፡ ኣብ እትወት እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽና ዳግም ምእማን ማለት እዩ፡ እትወት እግዚኣብሔ ኣብ ታሪኽ ማለት እዩ። ኣብዚ ብስራት ሕይወት ክንሳተፍ ንደልይ ዶ? ወይ ኣብ ቅድሚ ኩነታት ዓባሳት ኰይና ክንተርፍ ኢና ንደልይ ኣብ ዘይ ምትንሳእ ምትራፍ ንደልይ?

ዝተኸበርኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ኣብዚ የሎን ተንሲኡ እዩ! ኣብ ጋሊላ ይጽበየካ ኣሎ፡ ናብቲ ናይ ፋልማይ ፍቕሪኣትፍራሕ ሰዓበኒ! ዝበለሉ ጊዜን ቦታን ክትምለስ ይዕድመካ ኣሎ። ካብ ሙታን ተንሲኡ  እዩ። ካብቲ ማንም ወላሓደኳ ዘይጽበየሉ መቓብር ተንሲኡ እዩ፡ ናይቲ ናይ ምድሓን ተግባሩ ተሳተፍቲ መታን ክንከውን ከምቲ ነተን ዝጽበየን ዝነበረ ኣንስቲ ይጽበየና ኣሎ።

እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣመድዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.