2018-03-29 15:40:00

ስብከት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ ሓሙስ


ናይ ላቲን ስርዓት እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዕለት 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ጸሎተ ሓሙስ ድራር ዘእግዚእነ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ምስጢረ ጥምቀትን ምስጢረ ቀንዲልን ምስጢረ ክህነትን ቅብኣ ቅዱስ ዝባረኸሉን መስዋዕተ ቅድሴን ሕጽበተ እግርንን ዝፍጸመሉ ዕለት እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ልክዕ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን መስዋዕተ ቅዳሴ ድራር ዘእግዚእነ ኣዕሪጐም ቅብኣ ቅዱስ ከምዝባረኹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ባርባራ ካሰሊ ሓቢረን፡ በዛ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጢረ ክህነት ዝሰረዓላ ዕለት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ክቡራት ካብ ሮማን ከባቢኣን ወጻእን ዝመጻእኩም ካህናት ኣሕዋተይ ቢሎም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት

ትንቢት ኢሳያስ  ምዕ. 61. 1-3, 6, 8-9

መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 88

ዮሓንስ ራእይ 1. 5-8

ወንጌል ሉቃስ 4. 16-21

ኣሞርኵይዞም ስብከቶም ኣንቂሎም፥ ካህን ኣብ መንጐ ሕዝቢ ዝርከብ፡ ምስ ሕዝቢ ሓቢሩ ዝጓዓዝ ናይ ጐዳና ካህን ናይ ሕያዋይ ጓሳ ሓልዮት ዝምስክርን ዝነብርን ኣብ ናይ ሕብዚ ሕይወት ህልው ዝዀነ ካህን እምበር፡ ኣብ ናይ ፍካረ (ህልዮን ጽንሰ ሓሳብን) ደርቢ ኰፍ ቢሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ውልቃዊ ሕይወ ተዓጽዩ ዝነብርን ኣብ ተደጋጋምን ልማዳውን ዝዀነ ምንባር ዓይነት ሕይውት ዝነብር ክኸውን የብሉን ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ካስተሊ ኣስዒበን፡

ቅዱስ ኣቦና በዛ ምስጢረ ክህነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰረዓላ ዕለት ካህናት ምስጢረ ክህነት እንክቕበሉ ዝኣተውዎ መብጽዓ ዝሕድሱላ ዕለት እያ፡ ካህን ብጸሎት ቀረባ ንእዚኣብሔር ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ቀረባ ንሕዝበ እግዚኣብሔር እዩ፡ እዚ ቅርበት’ዚ ንኣስፍሆተ ወንጌል መፍትሕ። ናይ እውነትን ውህበትን መፍትሕ እዩ ከምዝበሉ የመልክታ።

ክህነት ረቂቓን ሓቅታት ከም ጣዖት ዝምለኸሉን ብፍላይ ዝምችኣካ ሓቂ ከም ጣዖት ኣንቢርካ ክትክበረሉን ስልጣን ዘውህበካን ካብ ጐዳና ኣስፍሆተ ወንጌል ኣዚዩ ዝረሓቐን ንናይ ገዛእ ርእሲ ጣዕሚ ዝምችእ ሃዋሁ ፈጢርካ እትነብረሉ እንተድኣ ኰይኑ ሕዝቢ የረሕቕ ገዛእ ርእሱ እውን ካብ እግዚኣብሔር የርሕቕ፡ ካብቲ ዘድሕን ናይ ኢየሱስ ቃልን ቅዱሳት ምስጢራትን ይርሕቕ። ሓቂ ተኣማንነት ማለት እውን እዩ፡ ተኣምንነት ንክህነታዊ ሕይወት። ስለምታይ ንሕዝቢ ቀረባ ክትከውንን ንሕዝቢ ክትምልከትን ናብ ሕዝቢ ክትብልን ዝድርኽ ብምዃኑ።

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ካህናትን ኣባላት ውፉያት ሕይወት እናጠመቱ፡ የዕንትና ናብታ ናይ ቀረባ ናይ ምዃኑ ጭቡጥ ኩነት ኣብነት ዝዀነት ማርያም ነቕንዕ፡ ንኣኣ ንጠምት፡ እዛ ሰማያዊት ኣደ ብሓሴት ንምግልጋል ስንድውቲ ዝዀነት፡ ንሳ ቀረባና እያ፡ ብኵለንተናኣ ንኣባይቲ ስድራ ቀረባ እያ፡ ንዅሉ ባህሊ ቀረባ እያ። ኣብ ቃና ዘገሊላ ንሱ ዝበለኵም ግበሩ ክትብል ዝሃበቶ ምዕዳን፡ ኣብ ኣገልግሎት ክህነትን ኣበ ነፍስን ኣብ ምስጢረ ንስሓን ስብከትን ክንበር ዘለዎ መንፈሳውን ሰብኣውን ኩነት ብሰፊሕ ተነጽር ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ኣብ መንፈሳዊ ዘተ ቀረባ ምዃን፡ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስን ሳምራዊትን ሰበይቲ ርክብ ብምስትውዓል ክኸውን ኣለዎ። እዚ ዓይነት ርክብ ሓጢኣትና ብጥልቂ ክንርኢ ዝገብርን ናብ ምስጢረ ንስሓ ክንቀርብ ዝድርኸና ሓይሊ ይኸውን። ከምቲ ነታ ኣብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ኢየሱስ ቀሪቡ፡ እቲ ንመጻኢ መገዲ ክኾና ዝግብኦን ንብሩህ ምልዋጥን ዝመርሕ መገዲ ይሕብር እምበር ኣብቲ ዝሓለፈ ሕይወታ ቆይሙ ነቲ ዝሓለፈ ዝፈጸመቶ ግድፈትን ሓጢኣትን ዝጸባጸብ ኣይኰነን፡ ስብከተ ወንጌል ከኣ ከምኡ፡ ነቶም ዝረሓቑን ርሒቖም ዘለዉን እናሓሰቡ ከኣ ቅዱስ ኣቦና፥ ከምቲ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ጓሳ ንህዝበ እግዚኣብሔር ቀረባ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዘኪሮም ንሕዝቢ ቀረባ ንኹን እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ካስተሊ ኣስዒበን፥ ካህናት ንእግዚኣብሔርን ህዝብን ቀረባ ይዅኑ። ንሕዝቢ ቀረባ እንተድኣ ኰይኖም ንሕዝቢ ካብ ዝተፈላለዩ ካብቲ ነቲ ውዕዉዕ መንፈስ ዝሁም ካብ ዝገብር ርእየት ክርሕቕ ይድግፉ፡ ንጐይታን ንቃሉን ቀረባ ምስ እትኸውን ከኣ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ብዓይኒ ክርስቶስ ኣብ ምጥማት ትዓብይ። ኢየሱስ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምድሓኑ ኣብ መስቀል ብደሙ ዝተበጀዎ ኩሉ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ትርዳእ ከምዝበሉ የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.