2018-03-27 15:56:00

ካብ ቡዌኖስ ኣይረስ ናብ ሮማ፥ “ፍራንቸስኮ፥ ኣመሪካዊ ር.ሊ.ጳጳሳት”


ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ጋዜጠይናን ደራሲትን ተወላዲት ኢታሎ ኣርጀንቲናዊት ሲልቪና ፐረዝን ኢጣሊያዊት ደራሲትን ናይ ታሪኽ ሊቅ ሉቸታ ስካራፊያ ብሓባር፥ ፍራንቸስኮ፥ ኣመሪካዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ  ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሰኦ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተኰረ መጽሓፍ ዕለት 26 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጉዋልቲየሮ ባሰቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ ዓወደ ጉባኤ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

እቲ መጽሓፍ ነቲ ሓሙሽተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ሕርየትን ታሪኽ ጸዋዕታኦምን ዝድህስስ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ላቲን ኣመሪካዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዝተሓርዩን ንፋልማ ጊዜ ፍራንቸስኮ ዝብል ር.ሊ.ጳጳሳዊ መጸውዕ ስም ዝሓረዩ ምዃኖም ዝገልጽን ናይ ቅዱስነቶም ተከለ ሰብነትን ቃሎምን ንብዙሓት ዘደንቕ ኣመትን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብዕምቆት ዝድህስስ መጽሓፍ ምዃኑ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፥

ኣናስር ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረተ ኣናስሮም ኣብቲ ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ካህንን ኢየሱሳውን ጳጳስን ደሓር ብፁዕ ካርዲናል ናይ ሰበኻ ቡዌኖስ ኣይረስ ንቡር ከምዝዀነን፡ ብዛዕባኦም ንምርዳእ ናብታ ኣዚያ ካብ ሮማ ርሕቕቲ ኣብ ዝዀነት ከተማ ቡዌኖስ ኣይረስ ምጥማት የድሊ። እዚ ከኣ ኣብቲ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ድኻታትን ምሕረት ዘተኰረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምርዳእ ይሕግዝ፡ ንብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝሓርይወን ቀዳሞት ሃገራትን ከባብታትን ከም መንበሪ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ቅድስተ ማርታ ምሕራዮምን ቀዳምነት ንድኻታት ዝብሉ ምዃኖም የረጋግጽ። እቲ ብሲልቪና ፐረዝ ዝተደርሰ ናይቲ መጽሓፍ ቀዳማይ ክፍሊ፥ ሕይወትን ፍካረን  ፍራንቸስኮ ዝተኰረ ኰይኑ፡ ፍራንቸስኮ ቀዳማይ ኣመሪካዊ ር.ሊ.ጳጳስን ኣብ ኣርጀንቲና ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝነበረሉ ጽንኩር እዋን ዘሕለፍዎ ሕይወትን ብዙሓት ዜጋታት ካብ ኢደ ሞት ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኣርጀንቲና ንምድሓን ብዘይ ስምዑለይን ረኣዩለይን ብጽሞና ዝፈጸምዎ ገድለ ታሪኽን ብሰፊሕ ዝድህስስ ክፍሊ ምዃኑ የመልክታ።

ናይ ቅልውላውን ድኽነትን እዋን

ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ መባእታ 2000 ዓመታት ብዙሃን ሕዝቢ ኣርጀንቲና ናብ ድኽነት ዘእተወን ንብዙሓት ንሕማምን ሞትን ተስፋ ቁርጸትን ዝዳረገ ኣብ ማሕበራውን ሰብኣውን ሕይወት ዘስዕቦ ዝነበረ ጸገማት ኩሉ ግምት ብምሃብ ንሕዝቢ ቀረባ ብምዃን ኣብቲ ኣዚዩ ዝደኸየን ደጋዊ ከባቢ ቡዌኖስ ኣይረስ ዝርከብ ሕዝቢ ምብጻሕ ብምክያድ ኢየሱስ ንኸብጽሑ ዘይኰነስ ምስ ኢየሱስ ንኽራኸቡ ይኸዱ ከምዝነበሩን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ድኽiኣታትን ንኡሳንን ምርኻብ ዝብል ወንጌላዊ እማኔኦም ዘረጋግጽ ምዃኖም ተመልኪቱ ኣሎ፡ ናይ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ሜጥሮፖሊታ ር.ሊ.ጳ. ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቲ ናይ ኣርጀንቲና ተመክሮኦም ኣብቲ ድኻን ሃብታም ዝነብብረላ ከተማ ዝነበርዎ ሕይወት ይብሉ፥ ኣብቲ ነቲ መጽሓፍ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን ናይቲ መጽሓፍ መእንተዊ ጽሑፍ ዝኸተሙ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ጃን ማሪያ ቪያን፡ ከባቢ ድኻታትን ደጋዊ ክፍለ ከተማ ኣርጀንቲና ብዘይ ምቁራጽ ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከምዝነበሩ ሓቢሮም እዞም ንድኻታትን ዝተናዕቁን ኣዚዮም ቀረባ ዝዀኑ ናይ ቡዌኖስ ኣይረስ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽዀኑ ምስ ተሕርዩ ባዕሎም ክምዝገለጽዎ ሓደ ብማዕርገ ጵጵስና ሓዎም ዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ሓደራ ድኻታት ከይትርስዑ ከምዝበሎምን እዚ ኹሉ ኣብ ሕይወትን ኣገልግሎትን ቅዱስ ኣቦና ድኻታት ልክዕ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ቀዳምነት ኣለዎም ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ማሶቲ ገሊጸን።

ዝተሓርጉ ተቐማጦ ቡዌኖስ ኣይረስ

ኣብቲ ርሱዕን ምጥፋእ ምድሪ ዝበሃል ከባቢ ኣርጀንቲና ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ምሕረት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቅርጺ ዘትሓዙን ዝቀረጹን ኣብቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ከተማ ኣፓረሲዳ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብቲ እዋን ናይ ቡወኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ ስለ ዝነበሩ ከምእተሳተፉን ኣብቲ ናይቲ ሓምሻይ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓውዲ ኩናት እትርከብ ቤት ሕክምና እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘሳዀዔ ክኸውን ንከሎ እዚ ድሓር ር.ሊ.ጳጳስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ቀዳማዊ ጸጋን ምሕረትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ትብዓትን ዝብሉ ናይ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ራእይ ክኸውን ከምዘለዎን እምነት እትቆጻጸር ናይ ነፍሲ ወክፍ ሰብ እምነት መዕቀኒ ካብ ምዃን ተቖጢባ ገዛእ ርእሳ ስለ ዅሉ እተወፍይ ትኹን ዝበል ናይ ቀደም ከም ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ኣገልግሎቶም ህልው ገይሮም በዚ መንፈስ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ይመርሑ ከምዘለዉ ኣብቲ ናይቲ መጽሓፍ ቀዳማይ ክፍሊ ተመልኪቱ ከምዘሎ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ዓመታት ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጦር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ናይቲ ምጽሓፍ ካልኣይ ክፍሊ ካብ በርጎሊዮ ናብ ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፥ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሳ ናይ ታሪኽ ሊቕን ደራሲትን ሉቸታ ስካራፊያ፥ ፍራንቸስኮ፥  ኣመሪካዊ ር.ሊ.ጳጳስ ካብቲ ዝሓረይዎ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ፍራንቸስኮ ዝብል መጸውዕ ስም ነቒለን፡ ቅዱስ ኣቦና ድኽነትን ድኻን ዝብሉ ክልተ ቃላት ወይ ፍካሬ ብተደጋጋሚ ዝትንትኑ ምዃኖም የነጽራ።

ድኻታት ዝብል ቃል፡ ብረቒቕ ኣገላላጻን ዝትንተናን ዘይኰነስ፡ ብኣካል ድኻታት ናብ ዝዀኑ ዝመርሕ እዩ፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እዚ ወንጌላዊ ቃል ብተደጋጋሚ ክግለጽ ንብዙሓት ኣገሪሙን የገርም እውን ኣሎ፡ እዚ ማለት ቤተ ክርስቲያን ድኻታት ርሲዓ ኔራ ማለት ኣይኰነን፡ ቅዱስነቶም ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ድኻታትን ክብሉ እንከለዉ ኣብ ኣርጀንቲናን ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዘለዉ እናሓሰቡ ዝብልዮ እዩ ቢሎም ገይሮም ዝገመቱ ብዙሓት ነይሮም እዮም። ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ናይ ቡዌነስ ኣይረስ ተመክሮኦም ተበጊሶም ዝብልዎ እውን ይኹን ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ሕሩጓት ኣሕዋት ዝምልከት ምዃኑ ብሰፊሕ ይትንትና።

ጉዕዞን ዘተን

ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎም ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓዋርያዎ ጉዕዞታት ንዝቖሰለት ስድራ ቤትን ድኻታታትን ደቀንስትዮን ዘተን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝብልን ተቐባልነት መታን ክረክብ ዘይብል ከምቲ ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ብዙሃውነት ዘይብል ናይ ተኸታሊ ቀዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕብራትን ላዕለዋይ መዋቕር ሕዳሴ ማለት ኩሪያ ሮማና እውን ብሰፊሕ ከምዝትንትና ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ማሶቲ ኣስዒበን፥

ፍራንቸስኮ፥ ልኡካነ ወንጌል ር.ሊ.ጳጳስ

ብሓደ ቃል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምግላጽን መንነታዊ ጽማሬ ቅዱስነቶም ንምቕእራብ ልኡካነ ወንጌል ዝብል ቃል እዅል ምዃኑ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ቪያን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፡ ኢየሱስ ንምብጻሕ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝብል ጥልቂ ሓሳብ ዘማእከለ ልኡካውነት፡ ዕለት 9 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ብፁዓን ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ኣብ ዘተከብሉ መራጺ ጉባኤ፥ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ካርዲናል በርጎሊዮ ብምሕራይ ይሕብሩ፡ ወንጌል ንኸተበስር ኣትወጽእ። እቲ ምዕራብን ምስራቕን ዝፈላልይ መንደቕ በርሊን ክእለይ ከምዘተባብዑ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን እቲ ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብ ዓለም ዘሎ ፈላላይ መንደቕ ክእለይ ዘተባብዑ ክዀኑ ከምዝክእሉ ዝብል ርእየት ተስፋ ናይ ኩሉ እዩ ከምዝበሉ የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.