2018-03-27 16:05:00

ሕዝባዊ ምራጫ ኣብ ምስሪ፡ ተዋድሮስ፥ ዝተረጋግኤት ምስሪ ንናይ ዓለም ምርግጋእ ዋሕስ


ኣብ ምስሪ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ካብ ዕለት26 ክሳብ ዕለት 27 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ንናይ ምስሪ ሰላምን ምዕባለን ዘማዕደወ ክኸውን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ ምስሪ ብዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ምኽንያት ዘሎ ኵነታት ውጥረት ዝረአየሉ ከምዝመስልን እዚ ከእ እቲ ዕለት 26 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ኣብ እስክንድሪያ ናይታ ከተማ ናይ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ኣተግጓዕዝ ዝነበረት ማኪና ጥቓ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምቢ የረጋግጾ፡ ሓይሊ ጸጥታ እቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫ ሰላም ዝዓሰሎ ክኸውን መታን ጸጥታን ሰላምን ንምውሓስን ብሰላማዊ መገዲ ክፍጸም መታን ሰላምዊ ሃዋሁ ንምፍጣር እውን ብሰፊሕ ከምእተዋፈረ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ካብ ዕለት 8 ሰነ 2014 ዓ.ም. ኣብ ስልጣን ዘለዉ ርእሰ ብሔር ኣብድደልፋታሕ ኣል ሲሲ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ስእሎም ኣብ ዝቡሕ ከባቢ ምስሪ ከምዝረአይን ንቐጻሊ ኣርባዕተ ዓመት ርእሰ ብሔር ኰይኖም ንኸገልግሉ ሕጹይ ኰይኖም ከምዝቐረቡን ብዙሕ ዘሰናኽሎም ተቓዋሚ ሕጹይ ተመራጺ ዘሎ ከምዘይመስል ገሊጹ፥  ምስ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዕለት 26 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ፥ መዓልቲ ሕዝባዊ ምርጫ ምስራዊ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልጸሉ ዕለት እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና አገልግሎት  ኣተሓሒዙ ካብ መላእ 93 ሚሊዮን ብዝሒ ሕዝቢ ምስሪ 10 ሚእታዊ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመን ከምዝዀነ ኣዘኻኺሩ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ፥ ሕዝቢ ኣብ ናይ ሃገሩ ምርጫ ክሳተፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ናትቲ ሕዝባዊ ምርጫ ሃዋሁ ርኢኻ ንቐጻሊ 4 ዓመት ርእሰ ብሔር ኰይኖም ንኸገልግሉ ሕጹይ ተመራጺ ርእሰ ብሔር ኣብደልፋታሕ ኣል ሲሲ ክምረጹ ዓቢይ ግምት ኣሎ፡ እቲ ኣብ እዋናዊት ምስሪ ዝርአይ ዘሎ ኣሸባርነትን ዓመጽን ንምብዳህን ንዳግማዊ ሕንጸት ሃገርን ኣብድልፋታሕ ኣል ሲሲ ዘበገስዎ ፖለቲካዊ መርሓ ግብሪ ኣብ ፍጻሜ ንኸብጽሑ ዝብል ድላይ ግምት ብምሃብ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ እዚ ግምት’ዚ ኣብ ሕዝቢ እውን ዘሎ እዩ ዝመስል፡ እዚ ከኣ ጸጥታን ሰላም ሃገር ዝምልከት እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ምስሪ እተካይዶ ዘላ ጸረ ኣሸባርነትን ዓመጽን ቃልሲ ምእንቲ መላእ ዓለም ሰላምን ጸጥታን እውን እዩ። እቲ ካልኣይ ከኣ ዳግማዊ ሕንጸትን ምዕባለ ኤኮኖሚ ሃገር ንምኽዋን ድላይ ዘለዎ እዩ ዝመስል፡ ስለዚህ እዚ ክልተ ፖለቲካዊ መራሓ ግብሪ’ዚ ንምስርን ንዓለም እውን ውሕስነት ምርግጋእን ሰላምን እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.