2018-03-26 17:12:00

ኣብ ኮሎሰዩም ናይ ለምዘበን ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ናይ ሎሚ መንእሰይ ውሳጣውነት የመላኽት


እቲ ለምዘበን ዕለት 30 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮለሰዩም ኣደባባይ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ናይ ዝካየድ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ብፕሮፈሰር ኣንድረያ ሞንዳ ዝተመርሑ 12 መንእሰያ ኣዋልድን 3 መንእሰያት ኣወዳት ምስ ኢየሱስ ብምዝታይን ንኢየሱስ ብምስትንታን መእሰይ ኣብ ዝነብረሉ ዘሎ ንሎማዊ ዓለም ዘቕርቦ ሕጹጽ ሕቶ ኣጽኒዑ ዘመላኽት ምዃኑ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቲዚያና ካምፒሲ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኽኢሉ ኣሎ።

“ኢየሱስ ንኣኻ እጥምት” … ኣብ ርእስካ ኣኽሊል እሾኽ ዝተነበረካ፡ ከበድ መስቀል ዝጸቐጠካ፡ ንሳልሳይ ግዜ ክትወድቕን ኩሉ ዝተቐንጠጥካን፡ ዝብል እቶም ካብ ላዕለዋይ ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ዝተዋጽኡ ብፕሮፈሰር ኣንድረያ ሞንዳ ዝተመርሑ መንእሰያ እቲ ዝነበርዎ ውልቃዊ ርክብ ምስ ክርስቶስ ዘቃልሕ ኣስተንትኖ ብምቕራብ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ክርስቶ ዝተፈጸመ በደል፡ ጉዕዞ ክርስቶስ ናብ ቀራንዮ፡ ናይ ክርስቶስ ስቓይ ብምንባር፡ ምስ ክርስቶ ገጽ ንገጽ ብምዝታይ ነቲ ክርስቶሳዊ ታሪኽ ብምስትውዓል ናብ ውሳጣውነቶም ብምእታው ገዛእ ርእሶም ከምቲ ንኢየሱስ ሞት ዝፈረዶን ዘባጨወሉን ዘዋረዶን ዝነጸጎን ሕብረተሰብ ኣካል ገይሮም ብምሕሳብ፡ ንሎማዊ ዓለም ካብ ገዛእ ርእሶም ዝነቐለ ሕቶ የቕርቡ።

ነቲ 14 ፍኖተ መስቀል ኣብ እዋንና ከምእተወጠነ ገይሩ ዘርእይ ኣስተንትኖ

እቶም ብፕሮፈሰር ሞንዳ ዝተመርሑ መንእሰያት ነቲ ካብ 1 ክሳብ 14 ዘሎ ፍኖተ መስቀል ምስ እዋናዊ ዓለም ብምትሕሓዝ፡ ኢየሱስ ነቲ እዋናዊ ኩነት ብምልኣት ብምጥማት ኩሉ ጸይሩ መስቀል ንኽስከም ዝኽአለ፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዘይትደልዮ ብዙሕ ነገር ብዓቢይ ሓላፍነት ትቕበልን ትስከምን ብፍቓድካ ድዩ ወይ ተገዲድካ እትነብሮ ሎማዊ ሕይወት ይመስል ክትምብል ማሪያ ታሊያፈሪ ኣብቲ ናይ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ከተመልክት፡ ኣኘዘ ብሩነቲ ከኣ ብወገና፡ ሕይወት ዘቕርበልካ ኩሉ ናይ ምቕባል ተኽእሎ ብዝብል ሓሳብ፡ ኢየሱስ ንፈልማይ ግዜ መስቀሉ ተሰኪሙ እንክጓዓዝ ወደቐ ዝብል ኣብ ሳልሳይ ፍኖተ መስቀል ዘሎ ጸሎት ጠቒሳ፡ ብሓደ ሸነኽ ከምእተዋረደ ኰይኑ ግና ኣብ ምውዳቕ ምትንሳይ ከምዘሎ የነጽር። እምነት እንተድኣ ሃልዩካ ናይ ምትንሳእ ተኽእሎታት ኣሎ። ፍሽለትን ውድቀትን ተጓዓዝነትና ክዕንቀጽ ኣይንፍቀድ። ምርጫ ኣባናን ናትናን እዩ። ምስ ክርስቶስ ክንትንስእ ወይ ኣብ በይንናውነት ወደቒና ኣብ ምውዳቓና ምትራፍ። ስምዖን ቀረናዊ፡ ናይቲ ኣጋጣሚ ምርኻብ ኣብነት እዩ። ንብጻይን ጐረቤትን ጥቃዊ ሰብ ምፍላጥ፡ ፍቅሪ ናይ መግለጺ ኣጋጣሚ እዩ፡ እቲ ጐረቤት ዝተፈልየ እውን እንተዀነ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ቅድመ ፍርድን ንምፍቃር ስንድው ናይ ምዃን ኣብነት እዩ ትብል።

ኣስተንትኖ ውሳጣውነት

እቶም መንእሰያት ኣብ ናይ ለምዘበን ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ፥ ግላውን ውሳጣውን ርክብ ምስ ክርስቶስ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ውሳጤኡ ክምርምርን ክምልከትን ይዕድሙ፡ ንገዛእ ርእስኻ ካብቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኩነት ተበጊስካ ምንባብ፡ ኣብቲ ናይ ኣስተንትኖ ጸሎት፥ ንሕና መንእሰያት ነቲ ናትካ ናይ ትሕትና መልእኽቲ ንዅሎም መንእሰያት ከነብጽሕ ግበር፡ እቲ ናይ መጻኢ ትውልዲ የዕይንቱ ናባኻ ክጥምታን ፍቕርኻ ከስተውዕሉ ግበር”  ዝብል ጸሎት ተነቢሩ ኣሎ።

         ንስኻ ወትሩ ትዛረብ፡ ብትሕትናኻ ኣቢልካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ ትበጽሕ

ህላዌ እተን አንስቲ ኢየሩሳሌም ኣብ ፍኖተ መስቀልን ቃል ኢየሱስን ናብኤን፡ ብጥልቂ ምርዳእ የድሊ፡ ኣብ ሻምናይ ፍኖተ መስቀል፡ ኢየሱስ ነተን ኣስንቲ ኢየሩሳሌም ቀጥታውን ጭቡጥን ብዝኾነ ቃላት ይዛረበን፡ ኢየሱስ ንኣኣተን ዘስምዔን ቃል ዘሕምም እውን ይዅን ቀጥታዊ እዩ፡ ከምቲ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ዝግበር፡ ከዋዊልካ ምዝራብን ምሕላፍን፡ ወይ ሓቂ ዘይምንጋርን፡ ትብሎ ሓባቢእካ ኰለል ምባል፡ ዘይጥልቝነትን ምስሉይነትን ምንባር፡ ነቲ ካልእ ኣብ ጽሕፍቶኡ ምሕዳግ፡ ዘይምክንኻኑን፡ ኢየሱስ ግና ነተን ኣንስቲ ከም ኣቦ እውን ይገንሔን፡ ቃላቱ ዝእርማ ዘይፈርዳ  ቃል ሓቂ እያተን።

ከም ኢየሱስ ሎሚ ስደተይናታት ይሳቐዩ

ኣብ ስቓይ ኢየሱስ እቶም ብፕሮፈሰር ሞንዳ ዝተመርሑ፡ ናይቶም ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝሳቐዩ ሰባት ስቓይ ምዃኑ ይገልጹ፡ ኣብቶም ስደተይናታት መንእሰያት ንዝተፈላለየ በደልን ምዝመዛን ዝተቓልዑን እቲ ዝተረፎም እንኰ ንብረት ዝኾኖም ኣብ ዝባኖም ዝተረፈ ኣልባሶም እውን ከይተረፈ ዝምንዝዑን ዝሕደጉን ዝሽየጥን ኩሉ ተቐንጢጦም ምስ መስቀሎም ጥራሕ ዝሕደጉን፡ ኣካል እዞም መንእሰያት ከም ኣካል ክርስቶስ፡ ብዙሕ እዋን ሰብ ዝርስዖ ነገር ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ክብሪ ሰብ ዝበሃል ምዃኑ ግሬታ ጂሊዮ ኣብ ዝደረሰቶ ጸሎት ኣስተንትኖ ኣብ ዓስራይ ፍኖተ መስቀል ክትገልጾ እንከላ፡ ኢየሱስ ልብሱ ተገፈ ንዝብል፥ ልብስኻ እውን እንተተገፈ ምሳኻ ዝተርፍ ግና ንስኻውነትካ እዩ፡ ማንም ክገፎ ዘይከኣሎ፡ ኣብዚ ዕርቃናውነት ናይ ክርስቶስ መንነት ሓቂ ሰብኣዊ ፍጥረት ንረክብ፥

ክዳንካ ዝተገፈፍካ ኢየሱስ፡ ክንየው ክዳንካ ዝለዓለ ክብርኻ ረኣኹ፡ እቲ ማንም ክገፈካ ዘይከኣሎ እውነተያንን ዝድርጉሕን ክብርኻ ረኣዅ፡ ማንም ዘይሓኵን ዘይግህሶን ክብሪ

ትብል።

ኢየሱስ ኣብ ዘመነ መረብት

ኣብዚ ናይ ለምዘበን ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል፡ ናይ እዋናዊ መንእሰይ ኩነት ተነቢሩ ንረክብ። ኢየሱስ ዝሓለፈን ንዘሎን ንዝመጽእን ቃል እዩ። ናይ አስቀል ከበድ ምጻር ይምህር። በይንኻ ምስ እትተርፍ፡ ብሓሶት ምስ እትኽሰስስን እትፍረድን ሓደ’ኳ ዝኣምነካ ምስ እትስእን ዝስምዓካ በይናውነት የሕድረልካ፡ ሓቅነትካ በይንኻ የትርፈካን የኽስሰካን የቕትለካን ነዚ ዘነጽር ሓሳብ ግረታ ሳንድሪ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖኣ እንከተቕርብ፥

ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ሞት እውን ከይተረፈ ቃሉ ኣይዓጸፈን፡ ኣዚዩ ደኣ ደው በለ፡ ኣብ ዝተውሃቦ ተልእኾ እዩ ዝጸንዔ፡ እምነቱ ኣብቲ ዝለኣዀ ኣቦ ኣንበረ። ኣብ ድኻምነቱ ሓይሊ ከነ። ይቕረ በል እምበር ቅርሕንቲ ኣይሃልኻ። ከባቢየይ ይመልከት እሞ ወጅሂ ሰብ ኣብ ናይ ኢድ ተለፎንን ኣብ ማሕበራዊ መረብት ተጣቢቐን እርእይ፡ ጌጋታት ኣብ ምጽብጻብ እንተዘይኰይኑ ኣብ ምምሓር ዘይሀለ ወጅሂ፡ ብቁጣዔ ዝህደኑ። ብዘየጠቅም ነገር ጽልዕን ቅርሕንትን ዝነብሩ፡ ኩሉ ድምጺ ዓው ኣቢሉ ቁጣዔኡ ዝገልጽ፡ ናይዚ ኵሉ ፈውሱ እንታይ እዩ? ንኢየሱስ ምምሳል ክሳብ ገዛእ ርእስኻ ምውራድ ዝብል እዩ፡ ብዅሉ ንክርስቶስ ምምሳል።

እግዚኣብሔር ኣብ መዓሙቕ ሰብኣውነት ሰብ

ሞት ኢየሱስ! ሞት ኢየሱስ ምዃናዊ ምብትታን የምጽእ፡ ገዛእ ርእኻ ንምድሓን ህድማ ይኸውን። ኣብ ቅድሚ ሞትን ስቓይን ህድማ፡ ሞትን ስቓይን ንነጽግ። ኣብ ቅድሚ ሞትን ስቓይን ገጻትና እንኽውለሉ ነገርን ኩነት ቀባሕ ባሕ ንብል፡ ከምዘይረኣና ክንከውን ንፍትን ንሱ ግና ኣብ መስቀል ኣብኡ ምዃኑ መልሲ ምዃኑ ኣብ መበል 12 ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ዝደረሰ መንእሰይ ዳንተ ሞንዳ እንከመልክት፥

ኢየሱስ ኣብ መስቀልካ እውን ኣእዳውካ ዘርጊሕካ ክትቕበለና ትጽበይ፡ የዕንትናን ኣእዳውናን ክፉታት ክዀና ትምዕደና። ዓቢይ ምስጢር፡ እናሞትካ ምፍቃር! ብኹሉ ኣብ መስቀል ዝተሓደግካ ፍቓድ ኣቦ ብምፍጻም እስትንፋስካ ክሳብ ምሃብ ዘይትሓድገና፡ ንስኻ ኣብ መስቀል ኮንካ፡ ኣብ መስቀል ብምዃን እምንበር ሞት እንታይ እዩ ሕይወት እንታይ እዩ ትርጉሙ እንታይ እዩ ንዝብል ኣህላኺ ህልዮ መልሲ ኣይ ኣየቕረብካልናን፡ ብስጋኻን መንፈስካን ብንስኻነትካን ብምዃንካን ተገልጸልና

እንክብሉ

         ኣባይ ንስኻ ህልው ኢኻ እሞ ክደልየካ ካባይ ኣይወጽእን (እቲ ሓቀይና ካባኻ ምውጻእ ኣባኻ ድሕሪ ምስ ኢየሱስ ምርኻብካ እዩ)

ምስጢር ሞት ሎሚ እውን ዓቢይ ምዃናውን ዘጨንቕ ሕቶ እውን እዩ። ሞት ዓቢይ ብድሆ እዩ። የዕንትና ክንከፍትን ምርኣይ ክንመሃርን ኣብ ሞት ኣውን እንተዀነ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክንርእይ ይምህረና፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ፊት መቓብር፥ ኢየሱስ ኣበይ ኣሎኻ? ዝብል ሕቶ ንኢየሱስ ብምቕራብ፡ እወ ኣብ ሲኦል ኣይኰንካን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውሳጤን ኢኻ፡ ኣብ ሕልኽላዀ ሕይወትናን ኣብ ጓሂናን ኣብ ፍርሕናን ህልው ኢኻ። ኣዚ ዓይነት ምስትውዓል ጥራሕ እዩ ንቕድሚት ዘሰጉመና፡ ዝብል ኣስተምንቶ ኣብ መበል 14 ጸሎት ፍኖተ መስቀል ዘቕረበት ከኣ ማርታ ክሮፖ ክትከውን እንከላ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ጠቒሳ፥

ኣብ ውሳጠይ ህልው ኢኻ፡ ክደልየካ ምውጻእ ኣይከድልየንን እዩ ስለምንታይ ንስኻ ኣብ ኣፈት መዓጽወይ ኰይካ ትኵሕኵሕ ኣሎኻ፡

ብዝብል ቃል ትሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.