2018-03-24 17:43:00

ንዓለምና ብዘሎኩም ተውህቦ ኣገልግሉ! ር.ሊ.ጳ ንናይ ኦፑስ ደይ ዩኒቨርሲቲ


ብኦፑስ ደይ ማለት ተግባር እግዚአብሔር ዝፍለጥ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ ማሕበር ንዝኽሪ ሓምሳ ዓመት ዩኒቭ ፎርም ማለት ጉባኤ ኩለን ዪኒቨርሲታቶም ጉባኤ ንምክያት ኣብ ሮማ ይርከቡ፣ ልዕሊ 2500 ዝኾኑ ካብ መላእ ዓልመ ዝተጋብኡ ተመሃሮ ዪኒቨርሲታት ንዝመጽእ ሶሙን ዪኒቭ ፎርም 2018 ናይ ኦፑስ ደይ ‘ንመጻኢ ዳግም ምሕሳብ’ ብዝብል ኣርእስቲ ክጋብኡ እዮም፣

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ናብቶም ተሳተፍቲ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ‘እግዚብሔር ብዝዓደሎም ተውህቦን ጥበብን ንዓለም ምሉእ ከገልግሉ ከምዘለዎም` ኣዘኻኺሮም፣ ‘ሎሚ እውን እንደገና ብፍቅሪ እግዚብሔርን ኣብ ቤተክርስትያኑን ር.ሊ.ጳጳሳትን ዘሎኩም ፍቅሪ ደፊኡኩም ናብዛ ዘለዓለማዊት ከተማ ዝኾነት ከተማ ሮማ መጺእኩም ኣሎኹ፣ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ኩሉኹም ኣብዚ ሶሙነ ሕማማት ብሓንሳእ እንክትጋብኡ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምርኻብ እምነትኩም ከተዕብዩን ኣገልግሎትኩም ክተደንፍዑን ኢኹም፣ ምስ ኩሎም መንእሰያት ዓለም እንክትራኽቡ ንኩሉ ባህልታትን ተመኲሮን በቲ ዘሎም ሃረርታ ታሕጓስን ምልኣትን ለጋስ ተወፋይነትን ክተሀብትብዎ ኢኹም፣ እዚ ዓለም ሓቈፍ ጉባኤዚ ኣብቲ ‘መንእሰያት እምነትን ምልላይ ጸዋዕታን’ ብዝብል መሪሕ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ እንሰናደወሉ ግዜ ምፍጻሙ ናብዚ ዓቢ ፍጻሜ ቤተክርስትያን ንምስታፍ ክትሰናደው እላቦ፣’ ብማለት ዕድመ ኣቅሪቦም፣

ምስዚ ኣተሓሒዞም ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ኢቫንደሊ ጋውድዩም ታሕጓስ ወንጌል ዝብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳኖም ዝበልዎ ብምድጋም ኣብነት ናይቲ ፍቅሩ እግዚእ ዝበሃል ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ክኽተሉ ከምቲ ንማርያም ኣዲኡ ክትከውን ዝሃቦ እንተተኸቲሎም ንኢየሱስ ከመይ ገርካ ከምዝፍለጥ ክምህሮም ምዃኑን ‘ናይቶም ምስ ኢየሱስ ዝራኸቡ ንልብን ሕይወትን  ብታሕጓስ ይመልእ’ ዝበልናዮ ታሕጓስ ሕይወትኩም ንክመልኦ ብምልኣት ልቢ ተኸተልዎ፣ ነዚ ምስ ኢየሱስ ዝግበር ርክብ ክተፍርይዎ ነዚ ፈጺምኩም ከተቋርጽዎ የብልኩምን፣ ጐይታ ኩሉ ግዜ ብታሕጓስ ክንክተሎን ብዘይ ምንም ተጒላባ ንእግዚብሔርን ንብጾትናን ክነፍቅር ይዕድመና፣  ናይ ቅዱስ ኾዘማርያ ምኽሪ ዓቢ ሓገዝ ክትገብረልኩም እያ፣ ቅዱስ ኾዘማርያ ኣብታ ጉዕዞ ትብል መጽሓፎም `ንክርስቶስ ድለዮ ንክርስቶስ ርኸቦ ንክርስቶስ ኣፍቅሮ’ ይብሉ፣ ምስ ክርስቶስ ንዘሎኩም ርክብ ዕለት ዕለት ኰስኲስዎ ነቲ ምስኡ ዘሎኩም ዕርክነት ከይትዝንግዑ ከኣ ‘ኣብዚ ኣነ ዘሎኹዎ ኢየሱስ እንተዝህሉ እንታይ ምገበረ! ንኢየሱስ ብዝበለጸ ንክመስልን ናብ ካልኦት ንክሰብኮን እንታይ ክገብር ኣሎኒ! እናበልኩም ኣስተንትኑ፣ ኣብ ጸሎት ኣብ ምሥጢራት ኣብ ኩሉ ኩነታት ሕይወትኩም ኣብቶም ምሳኹም ዝነብሩ ኣዕሩኽ ድዮም ስድራቤት ድዮም ናይ መጽናዕቲ ብጾትኩም ድዮም ምናዳ ከኣ ኣብቶም ጽጉማትን ዓለም ረሲዕዎም ዘለው ሰባትን ንገጽታ ክርስቶስ ሃሰስ በልዎ፣ ክትረኽብዎ ከኣ ኢኹም፣ ድሕሪ ቢሎም ነታ ደጋጊሞም ንኩሉ ዝብልዋ ባዕሎም ከኣ ዝገብርዋ ካብ ገዛእ ርእስኻ ውጽእ ኢልካ ንካልኦት ክተገልግል ንክርስቶስ ክትሰብኽ ምናዳ ጽጉማት ንምርዳእ በቲ እግዚብሔር ዝዓደሎም ጸጋ ንኣገልግሎት ክዕጠቊ ሓደራ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም፣

ጋሻ ናይ ምቅባል ባህሊ ኣደንፍዑ! ር.ሊ.ጳ ንማሕበረሰብ ትረንቲኖ

ተወከልቲ ናይታ ምስ ቅድስት መንበር ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎትን ምትሕብባርን ዝተጸምደ ማሕበረሰብ ትረንቲኖ ሎሚ ንግሆ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተራኺቦም፣ ቅዱስነቶም ስለቲ ኩሉ ኣገልግሎቶም ብምምስጋን ‘ሥድራቤታት ማሕበረሰብ ትረንቲኖ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብሎ ናይ ገዛ ኣብያተ ክርስትያን ብምዃን ንፍቅሪ ቤተክርስትያን ኣገልግሎት ሕይወትን ይተዓጠቃ` ኢሎም፣

ካብቲ እዚ ማሕበረሰብ እዚ ዘዘውትሮም ሰናይ ተግባራት ሃደ ንመንፈሳዊ ንግደት ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ንዝመጹን ንከተማ ቫቲካን ንክበጽሑ ንዝመጹን ኣጋይሽ ምእንጋዶም እንክኸውን ቅዱስነቶም ነዙ ኣገልግሎት እዚ ከምዚ ክብሉ ንኢዶም፣

‘በቲ እተበርክትዎ ወፈያ ናይ እምነት ወግዕታት ልማድ ትገልጹ! እዚ ከኣ ኣብቲ ቦታኹም ሱር ዝሰደደ ምትሕብባርን ምድግጋፍን እዩ፣ ንናይ ዘመንና ሰባት ነቲ ወንጌል ዝምህሮ ሞራላዊ ወግዕታት ተባዕ ምስክርነት ከምዝህቡ ዝገብሮም ምልክታት የድልዮም፣ እዚ ናትኩም ከኣ ሓደ ካብዚ እዩ፣ ስለዚ ነዛ ዘርኢ ፍቅሪ ወንጌል ዝኾነት ተቀቢልኩም ንስድራቤታትኩም ኣብ ቃል ኢየሱስን ፍቅሪ ቤተክርስትያኑን ኣገልግሎ ሕይወትን ዝተመስረታ ናይ ገዛ ኣብያተ ክርስትያን እትገብር ቀጽልዋ፣ በዚ ከምዚ ከኣ እዘን ስድራቤታት እዚኤን ንሓደስቲ ወለዶ ቤት ምህሮ ሰብኣውን ክርስትያናውን ወግዕታት ይኾኑ፣

ንልማድ ምቅባል ጋሻን ነቲ ኣብነት ክፉት ሕይወትን ሕውነትን ውህደትን ኮይኑ ንኩሎም ክብረት ደቂ እግዚብሔር ዘልብስ ጠባያትኩም ንክትቅጽልዎ ቊርጺ ፍቃድ ክትገብሩ ኣተባብዓኩም፣ ድሕሪ ቢሎም ኣብ መደምደምታ ንፋሲካ ብዓቢ መንፈሳውነት ክሰናደው ኣዘኻኺሮም ንማሕበረሰብ ትረንቲኖ ናብ ኣደ ቤተክርስትያን ዝኾነት ድንግል ማርያም ብምምዕቋብ ባሪኾም ኣፋነውዎም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.