2018-03-23 15:59:00

ዒራቕ፡ ርክብ ናይ ከርኩክ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ምስ ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ


ናይ ዒራቕ ዳግማይ ሕንጸት ካብ መንእሰያት እዩ ዝነቅል። ወትሩ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኖም ምዃና ርግጸይናነት ይሃልዎም ዝበሉ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ከርኩክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዩሲፍ ቶማ ሚርኪስ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ምስቶም እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ብዝሰመየ ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ነታ ናይ ሰሜን ዒራቕ ርእሰ ከተማ ተቖጻጺሩ ኣብ ዘነበረሉ እዋን ካብ ሞትን ማሕሰይትን ኣምሊጦም ኣብ ከርኩክ ሰበኻ ተዓቝይቦም ምስ ዝነበሩ መንእሰያት ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ ኣብ ሞሱል ሰዓብቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ምዃኑ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቐሰ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምያ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 22 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ሕትመቱ ኣፍሊጡ። ኣባይትን መገድታትን ሕንጸታትን ኣባይቲ ትምህርት መናብርተ ጥበብን መውሃቢ ኣገልግሎታትን ኩሉ በቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዕጡቓት ሓይሊ ዝዓነወ እውን እተዀነ ሎሚ እታ ከተማ ካብቶም ጅሃዳውያን ናጻ ወጺኣ ኣብ ዳግማይ ሕንጸት ትርከብ ከምዘላ ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ ነቶም ተመሃሮ ብሩህ መጻኢ ንኽህልዎም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ቀረባ ብምዃን ደገፍ ተቕርብ ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ እቲ እስላማዊ መግንስቲ ሓይሊ ኣሸበርቲ ዘተኣታተዎ ዓመጽን ምግምማዕን እታ ከተማ ዳግማይ ሕንጸት ሕዝባ እውን ናብቲ ንቡር ናብራ ክምለስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከርኩክ ንዋታውን ሰብኣውን ሕንጸት ብምቕራብ ዓቢይ ድጋፍ ተበርክት ከምዘላ ናይ ከርኩክ ሊቀ ጳጳስ ገሊጾም፡ እቲ መደብ ዳግማይ ሕንጸት ካብ መንእሰይ ክነቕል ኣለዎ ቢሎም፡ ሰበኻኦም 700 ካብ ተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ምንእሰያት ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ ኣዕቝይባ ከምዝነበረትን ካብቶም ኣኽረርቲ ኣምሊጦም ኣብቲ ስበኻ ተኣልዮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዘይ ሃይማኖታዊ ኣፈላላይ ክርስቲያንን እስላምን ብሓባር ዝነበርዎ ሕውነታውን ፍቕርን ናይ ዒራቕ ጨዋ ባህልን ምስክር እዩ፡ ብሓቒ ናይ ዒራቕ እውነተይና መልክዕ ዝገልጽ ድማ እዩ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሞሱል ልዕሊ 3 ሺሕ ዝግመቱ ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ ከምዘለዉን ካብ ከባቢ ሰጣሕ ጐልጐል ነነወን ካብ ሞሱል ወጻኢ ካብ ዝርከባ ቍሸታት ዝመጹ ብዙሓት እውን ከምዝዀኑን፡ ነቶም ካብ ሞሱል ወጻኢ ዝመጹ ዝእንገድሉ ዝነበረ ሕንጻ መንበሪ ተመሃሮ በቲ ዝነበረ ውግእ ስለ ዝዓነወ  እናተመላለሱ ክመሃሩ ስለ ዝተገዱ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከርኩክ ብምሽፋን ካብ ትምህርቶም ከይሰናኸሉ ዘድልዮም ኩሉ ኣብ ምቕራብ ተጸሚዳ መንእሰይ ናይ ሃገርን ሕዝብ መጻኢ ምዃኑ ኣሚና ካብ ዝተፈላለያ ገበርቲ ሰናይ ድጋፍ ብምሕታት ኣብ ደገፎም ቆይማ ከምዘላ እውን ብፁዕ ኣቡነ ዩሲፍ ቶማ ሚርኪስ ምስ ኤሺያን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝጠቀሰ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኒ ሓቢሩ።

መንእሰይ ወለዶ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፖለቲካዊ ድዩ ሃይማኖታዊ ርእየት ከይፈላለዮ ንናይ ሃገርን ሕዝብን ረብሓ ብሓደ ብምጥርናፍ ናይ ሃገሩን ሕዝቡን ዳግማይ ሕንጸት ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን ቤተ ክርስቲያን ተነቓቕሖን ትምዕዶን ከምዘላን። ናይ ሞትን ዕንወትን ባህሊ ብምውጋድ ናይ ሕይወትን ሰላምን ባህሊ ከነቓቕሑን ኣብዚ ምዳይ ቤተ ክርስቲያን ምስኦም ሓቢራ ትዓዪ ኣላ ከምዝበሉ ኤሺያን ነወስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ሃይማኖታውን ባህላውን ዝኣመሰሉ ፍልልያት ኣወጊድካ ንሓድነት ኣሚትካ እቲ ንዒራቕ ዒራቕ ዘብላ ንሕዝባ ዒራቓዊ ዘብሎን ዕሴታት ብምትብባዕ ካብ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን ምግምማዕን ብምርሓቕ ናይ ዘተን ሰላምን ባህሊ ምትብባዕ ኣገዳሲ እዩ፡ እቲ ኣብ መንጐ እቶም መንእሰያት ብዘይ ኣፋላላይ ዝተፈጥረ ምሕዝነትን ምቅርራብን ዘርእይ ምልሶ ናብ ሞሱል ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እውን ከምዝተፈነወ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.