2018-03-13 17:33:00

ሓሙሽተ ዓመት ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ! ጉዕዞ ብኣገራሚ ዝኾነ ሕዳሴ መንፈስ ቅዱስ!


ካልኢት ሓሊፋ ካልኢት ክትካእ እንከሎ ብዙሕ ጊዜ ኣየነስተውዕለሉን ኮይኑ ግን እዘን ካልኢታት እዚኤን እየን ተደማሚረን ሰዓት ዕለት ወርሒ ዓመት እናበላ ዚጐዓዛ፣ ናይ ሎሚ ሓሙሽተ ዓመት በዛ ዕለት እዚኣ ዓለም ምሉእ ኣብ ናሕሲ መንበረ ጴጥሮስ ዘሎ ማፋ ወይ መውጽኢ ትኪ እናጠመተ ነቲ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲ ወከፍ ምርጫ ዝወጽእ ትኪ ጻዕዳ እዩ ጸሊም እዩ ር.ሊ.ጳ ተመሪጹ ኣይተመርጸን ክብሉ ውዒሎም ኣማስያኡ ሃበሙስ ጳጳ ክብሉ ኣብ ዓውደ ምሕረት መንበረ ጴጥሮስ ነቶም ካብ ኣጽናፈ ዓለም ዝመጹ ብፁዕ ካርዲናል ቦርጎልዮ ፍራንቸስኮስ ብዝብል ስም ር.ሊ.ጳ ከምዝተመርጹ ምስ ተበሰረ ካብቲ ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብፍቃደይ ካብ ሥልጣነይ እእለ ኣሎኹ ዝብል ዜና ንላዕሊ ኣግራሞትን ኣድናቆትን ዝገደፈ ሁመት ነበረ፣ ካብቲ ዘገርም ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ነዞም ሓዲሽ ር.ሊ.ጳ ይምረጹ ይኾኑ ዝብል ግምት ስለዘይነበሮም ካብቶም ይኾኑዶ ይኾኑ ኢሎም ኣሳእሎምን ታሪኾምን ከዚኖሞም ናይ ዝነበሩ ገሊኦም ሰላሳ ገሊኦም ክሳብ ናይ ሰማንያ ካርዲናላት ኣሳእልን ታሪኽን ሒዞም ነሮም፣ ኣብ መንጎ እዚኦም ናይ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዘይምንባሮ ኣዳዕዲዖም ይቅሬታ ዝሓተቱ እውን ነሮም፣

ካብቲ ሃንደበታዊ ዝኾነ ኣመራርጻኦም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ወትሩ ዘገርም ነገራት እናፈጸሙ ብቐንዱ ከኣ ኣብ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ተኣማሚኖም ብዓቢይ ትሕትና ነቲ መሪሕነት ተቀቢሎሞ፣

ቀዳመይቲ ሃንደበታዊት ተግባሮም ዓለም ምሉእ ብሓባር ንክጽሊ ምዕዳሞም እንክኸውን ብቀዳምነት ንርእሶም ዘይኮነ ምእንቲ እቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ በሪ ዝኸፈቱ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ንጸሊ ምስ በሉ ኣብቲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩስ ይኹኑ ብቢልዮናት ዝቊጸሩ ብቀጥታ ነቲ ፍጻሜ ዝከታተሉ ዝነበረ ኣብ ገዛስ ይኹን ኣብ መንገዲ ብሓባር ጸሊና፣ ዓለም ምሉእ ኣቦና ኣብ ሰማይ ትነበር ብሓባር ኣዕሪጉ፣ ዝሰዓበት ሃንደበታዊት ኩነት ከኣ ብዓቢ ትሕትና ርእሶም ኣድኒኖም ኣነ ቅድሚ ቡራኬ ምሃበይ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣባይ ክወርድ ምእንታይ ብልብኹም ጸልዩ ምስ በሉ ልቢ ብዙሓት ተተንኪፉ፣

ሽዑ ዝጀመረ ሃንደበትነትን ኣገራሚ ነገራትን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ይቅጽል ኣሎ፣

ቀንዲ መለለዪኦም ንኩሉ ናብ ምሕረት ኣቦ ምጽዋዕ ኮይኑ እግዚብሔር ካብ ምምሓርና ከምዘይደክም እኳ ደኣ ንሕና ብዙሕ ግዜ ምሕረት ካብ ምሕታት ከምእንደክም ብምግላጽ ደጋጊሞም ብዛዕባ መለኮታዊ ምሕረት ምስ ኣስተምሃሩ ሃንደበታዊ ብዝኾነ መንገዲ ፍሉይ ዓመት ኢየቤል ምሕረት ኣዊጆም ዓለም ምሉእ ካብዚ ምሕረት ከምዝቋደስ ገሮም፣ ምስዚኣ ተታሒዛ እትኸይድ ካልአይቲ መለለዪቶም ቤተክርስትያን ካብ ገዛእ ርእሳ ውጽእ ኢላ ወንጌል ትስበኽ ዝብል ኮይኑ ባዕሎምውን ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብታ ሰበኻኦም ዝኾነት ሮማስ ይኹን ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይተበጽሔ ክበጽሑ ኣብ ጉዕዞ ይርከቡ፣

ልዕሊ ኩሉ ዘደንቅ ግን ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣብነታዊ ብዝኾነ ፍቅርን መንፈሳዊ ውህደትን ምጉዓዞም እዩ፣ ብዙሕ ግዜ ኣብ ምትኽኻእ ሥልጣን ምቅዳው ኣይትርእን፣ ናይዚኦም ግን ዳርጋ ሓደ ኣካል ክትብሎም ብዘድፍር ሕብረት ይጐዓዙ ኣለው፣ ቅዱስነቶም ቀጻልነት ሥልጣናዊ ትምህርቲ ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ንምቅጻል ተቀላጢፎም ዝገበርዎ መቀጸልታ ናይተን ፍቅርን ተስፋን ዝብላ ክልተ ሓዋርያዊ መልእኽታት መመላእታ ብዛዕባ እታ ሳልሰይቲ መለኮታዊት ሓይሊ ንእምነት እትርኢ ሉመን ፊደይ ብርሃን እምነት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ኣስዒቦም እውን ናይቲ ንመጀመርያ ግዜ ከም መጸውዒ ጵጵስናኦም ክኸውን ዝመርጽዎ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ላውዳቶ ሲ ስቡሕ አንተ ኦ ጐይታ ዝተመስገንካ ኩን እትብል ጸሎት ዘርእስታ ብዛዕባ ተፈጥሮን ኣከባብን እትምልከት ከምኡ እውን ክልተ ሓዋርያዊ ምዕዳናት ኢቫንደሊ ጋውድዩም ታሕጓስ ወንጌል እትብል ብዛዕባ ተልእኮ ቤተክርስትያን ስብከተወንጌል ምዃኑ እትገልጽ ከምኡ እውን  ኣሞሪስ ለቲስየ ደስታ ፍቅሪ ዘርእስታ ንሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ሥድራቤት ስዒባ ዝወጸት ብዛዕባ ቤተሰባዊ ፍቅሪ እትዛረብ 23 ብሞቱ ፕርፕርዮ ዝፍለጥ ኣዋጃታ ብዛዕባ ተሓድሶ ኩርያ ሮማና ንቁጠባ ዝምልከት ምሕደራን ግሉጽነትን ብዛዕባ ቃል ኪዳን ብዛዕባ ትርጓሜ መጽሓፍቲ ሥርዓተ ኣምልኾ ወዘተ ክልተ ሲኖዶስ ብዛዕባ ስድራቤት ንመለኮታዊ ምሕረት ዝተወሰነ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ንልዕሊ ሰላሳ ሃገራት ዝበጽሕዎ 22 ዓለምለኸ ሃዋርያዊ ጉዕዞታት 17 ሓዋርያዊ ምብጻሓት ኣብ ሃገረ ጣልያን 8 ዓበይቲ ኣርእስታት ዝሓዘ ሶሙናዊ ናይ ዕለተሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እምነት፣ ምሥቲራት ውህበት መንፈስ ቅዱስ ቤተክርስትያን ስድራቤት ምሕረት ተስፋክርስትያን እዚ ሕጂ ዘካይድዎ ዘለው ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴን ኣስተምሂሮም፣ ልዕሊ 600 ስብከታት ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ልዕሊ 46 ሚልዮን ኣብ ትዊተር ዝበሃል መራኸቢ ብዙሓን ዝከታትልዎ ዕለት ዕለት ዘቅርብዎ ሓጸርቲ መልእክታት ከምኡውን ኢስታግራም ብዝበሃል መራኸቢ ብዙሓን ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ይከታተልዎም ኣለው። ብዘይካዚ ንዝተፈላለዩ ገለሰባትን ማሕበራትን ዝህብዎ ቃል ኣብ መገሻታት ዝገብርዎ ስብከታትን ዝህብዎ ቃልን ብግሎም ስልኪ ደዊሎም ድዮም መልእኽቲ ብምጽሓፍ ድዩ ዝገብርዎ ቊጽሪ ዘይብሉ ርክባት እውን ተገሩ እዩ፣

መበል 265 ድሕሪ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዝመጹ ቅዱስነቶም ጀማሪ ኢየሱሳዊ ቀዳማይ ደቡብ ኣመሪካዊ ነቲ ድኻ ናይ ኣሲዚ ፍራንቸስኮ ከም መጸዊዒ ጵጵስና ዝመረጹ ቀዳማይ ዝኾኑ ቅዱስነቶም ከምቲ ኣብ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ታሕጓስ ወንጌል ዝብል ቃለ ምዕዳኖም ከምዘነጽርዎ ቀንዲ ዕዮ ቤተክርስትያን ካብ ርእሳ ውጽእ ኢላ ንኩሎም ታሕጓስ ወንጌል ክተበስር ምዃኑ ገሊጾም ባዕሎም እውን እጅገኦም ሰብሲቦም ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ዝገብርዎ እዚ እዩ፣

ቤተክርስትያን ናይ ኩሉን ንኩሉን ንክትከውን መዓጹኣ ከፊታ ክትቅበል ብዝተማሕጸንዎ መሰረት ኣብ ቫቲካን ምስኦም ካብ ዝተቀበልዎም ስደተኛታት ስድራቤታት ጀሚርካ ኣብ ኩሉ ቊምስናታትን ገዳማትን ተማዕቊቦም ዘለው ስደተኛታት ክትግምቶም ዘጸግም ቊጽሮም ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ፣

ቤተክርስትያን መዓጹኣን መሳዂታን እንተዘይከፊታ ተዓፊና ክትሓምም ስለእትኽእል ብኩለንትናኣ ክትንቀሳቀስ ብዝሓተትዎ መሰረት ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም እትርከብ ቤተክርስትያን ኣብዘን ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎታ ብዙሕ ምምሕያሽ ከምዘርኣየት ይንገር፣

ከምቲ ባዕሎም ብተግባር ዝነብርዎ ቤተክርስትያን እውን ብመንፈስ ቅዱስ ንክትምራሕ ነቲ ንሱ ዝገልጸላ ኩሉ ኣገራምን ሃንደበታውን ነገራት ንክትቅበል ሓደራ ብዝበልዎ ኣብ ሃገረ ግሪኽ ኣብ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልይ ኣብ ኢስጣምቡል ሕዳር 2014 ‘መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዓኒዕና ሒዝናዮ ኣሎና እንብሎ መኣዝን ክገማጥሎ ይኽእል ምኽንያት መንፈስ ቅዱስ ነውኒው የንቀሳቅሰካ ጉዕዞ ንክትጅምር ይደፋፋኣካ ንቤተክርስትያን ከኣ ንቅድሚት ንክትግስግስ ይደፍኣ፣ ኣብ ዝለመድካዮ ነገራት ደርቅካ ክተርፍ ቀሊል እዩ ርግጽነት እውን ይስመዓካ ኮይኑ ግን መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ሓዳሲ ስለዝኾነ ክንሕደስን ብዛዕባ እግዚብሔር ክምህረናን ክነፍቅደሉ የድሊ፣ እምነትና ንክዓቢ እዚ ብግዲ የድልዮ ኢሎም ነሮም።

ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ዳርጋ ኩሉ ኣዎንታዊ ኣዘራርባ ነሩ፣ ኮይኑ ግን በብቊሩብ እቲ ጐይታ ‘ብዛዕባኹም ጸቡቅ ዘበለ እንተተዛሪቦም ወይልኹም’ ዝብሎ ትንቢት ንክፍጸም ብዝመስል ብውሽጥን ብደገን ሓንሳብ ናይ ኮሙኒዝም ስነሓሳብ ከምዝድግፉ ክወቅስዎም ሓንሳብ ከኣ ሊበራላዊ ወይ ፋሉላዊ ነጻ ኣተሓሳስባ ይድግፉ ክብሉ ጀሚሮም፣ ነዚ ዘበለ ከኣ ንኣምልኾ ንዋይ ኣትሪሮም ክወቅሱን ከወግዙን ምስ ጀመሩ ከምኡ እውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ገዛ ስራሕ መሬት ክህልዎ መሰሉ ስለዝኾነ ሓለፍቲ ነዘን ሰለስተ መሰረታውያን መሰላት ከረጋግጹ ግድነት ከምዘለዎም ዓው ኢሎም ብምዝራቦም እዩ፣ ብዛዕባ ድኻታት ስደተኛታት ከምኡ እውን ናይ ምንጻል ወይ ምጉሓፍ ባህሊ ክሳብ ንሰብ ዘወግን ስርዓተ ቊጠባ ብምውቃሶም፣ ምኽንያት ስደት ውግእን ጭቆናን ስለዝኾነ ሸቀጥ ኣጽዋር ከኣ ድሕሪ ኩሉ ዓመጽ ከምዘሎ እውን ኣትሪሮም ተዛሪቦም፣ እዚ ብወገን ደገ ዝመጽእ ኮይኑ ካብ ውሽጢ እውን ንትምህርቶም ዝቃወም ኣይተሳእነን፣ በትሪ ሓቂ ክትልብልብ ምስ ጀመረት ገሊኦም ዋእ ነቶም ጥቃኦም ዘሎና እናለብለቡ ርሒቆም ንዘለው ክሓቁፉ ምጽዓሮም ኣይተዋሕጦምን፣ ምናዳ ምሕረት ንኩሉ ኣብ ዝብልን ኣሞሪስ ለቲስያ ናይ ፍቅሪ ደስታ ኣብ ትብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳንን ብዛዕባ እቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኪዳናዊ ሰንፈላል ዝንበሩ ገለ እስኪ ፍታሕ ነናድየሎም ምስ በሉ ብዙሓት ዓቃባውያን ክሳብ ካብ መስመር ትወጹ ኣሎኹም ንምባል ደፊሮም፣

ኰይኑ ግን ምልስ ኢልና እንተረአና ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ዝተፋትሑ እሞ ዳግም ዝተመርዓውን ጉዳይ ምሥጢራትን ይጸናዕ ኢሎም ነሮም ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣቡነ ለቨብረን ሰዓብቶም ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ጀሚርካ ብዙሕ ተጻዒሩ እዩ፣  ነዚ ኩሉ ግን ቅዱስነቶም ረሳሕ ውግእ ዲያብሎስ ይብልዎ፣ ምናዳ ብውሽጢ ካብ ምምቅቃል ክንጥንቀቅ ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ‘መንግሥት እንተ ትትናፈቅ በበይናቲሃ ኢትቀውም ኣብ ውሽጣ እትመቃቀል መንግሥቲ ክትቀውም ኣይትኽእልን’ ከምዝብሎ ነቲ ንቤተክርስትያን ክድምስስ ለይትን መዓልትን ሒዅ ዝብል ዘሎ ዲያብሎስ ነወግዶ ይብሉ፣

ቅዱስነቶም ካብ ዝተመርጹሉ ዕለት ጀሚሮም ዝሰርሑሉ ዘለው ሓደ ዓቢ መደብ ምሕዳስ ኩርያ ኮይኑ እዚ ግን ቀሊል ከምዘይኮነ ባዕሎም እውን ንኣቡነ ደ መሮድ ብምጥቃስ ንኩርያ ሮማ ክትሕድስ ምፍታን ዳርጋ ብመወጽ ስኒ ነቲ እስፊኒክስ ዝበሃል ገጂፍ ሓወልቲ ግብጺ ክተጽሪ ምፍታን እዩ እንክብሉ ክበዱ እኳ እንተገለጹ ገና ምስቶም ካብ መላእ ዓለም ዝተሓርዩ ቤት ምኽሪ ትሽዓተ ካርዲናላት ይሰርሑ ኣለው፣ ምስዚ እውን እቲ ኣብ ግዜ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝጀመረ ብቫቲሊክስ ዝፍለጥ ካብ ውሽጢ ቅድስት መንበር ሰነዳት ኣስሊዂካ ምዝርጋሕን ምሕታምን እውን ገና ዝቅጽል ዘሎ ቊስሊ እዩ፣ ካልእ ቅዱስነቶም ውራይ ኢሎም ዝቃለስዎ ዘለው እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ቤተክርስትያን ኮይኑ ብዙሕ ዘዛረበን ገናውን እውን ዘይሓውየ ብውሉደ ክህነት ዝተፈጸሙ ጾታዊ ዓመጻት ናይ ትሕቲ ዕድመስ ይኹን ካልእ ፈጺምካ ንከይድገም ድልዱል ሕግን ውሑስ ሓለዋን ንክግበር ንከምዚ ዓይነት ዝንባሌ ዘለዎም ሓግሒግካ ንምእላይ ‘ነቶም ንትሕቲ ዕድመ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ምንም ዓይነት ቦታ ክወሃቦም የብሉን’ ዝብል ተሪር መምርሒ ሂቦም፣

ኣብ ውሽጢ እዘን ሓሙሽተ ዓመታት ካልእ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ውጽኢታዊውን ዝኾነ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ሰላም ሓዋርያ ኮይኖም ኣብ መንጎ ንነዊሕ ዓመታት ተፈላልዮም ዝነበሩ መንግሥታትስ ይኹን ናይ ቤተክርስትያን ሓድነትን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ዘበርከትዎ ማህበረሰባውን ፖሎቲካውን ወይ ከኣ ቅልል ብዝበለ መንገዲ ሰብኣዊ ክንብሎ እንኽእል መዳይ እዩ፣ ኣብዚ እተን ጐሊሐን ዝረኣያ ንልዕሊ 60 ዓመታት ኣብ ተፋጠጥ ዝነበሩ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ክዩባን  መንግሥቲ ኮሎምብያን ናይ ነዊሕ ዓመታት መቃንቅንቱን ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ከምኡውን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስያን ሩስያን ምስ ኦርቶዶክስ ግብጺ ምስ ኦርቶዶክስ ቊስጥንጥንያ ምስ ሉተራውያን ምስ ኣስላም ኣብ ግብጺ ኣልኣዝሃር ወዘተ ብዙሕ ናይ ሰላም ስምምዓት ከምዝፍረም ዝገበሩ እዮም፣

ኣብ ርእሲ ቤተክርስትያን ናይ ውሉደ ክህነት ጥራይ ከምዝኮነት ንምእመናን ክሳብ ኣብ ዝለዓለ ምምሕዳራዊ ቦታት ኣብ ቫቲካንስ ይኹን ኣብ ካልእ ደቂኣንስትዮን መንእሰያትን ከኣ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኢዶም ክሕውሱ ብዙሕ የበርክቱ ኣለው፣ ክሳብ ኮሚሽን ቈይሙ ቦታ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተክርስትያን ክንጸር ዝጽዕሩ ዘለው እዮም፣ ብዓቢኡ ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብምሉኡ ንመንእሰያት ዝተወሰነ እዩ፣

ብዓንዱ ርእሱ ምሉእ ወኖም ናብቲ ብመንፈስ ቅዱስ ወንጌል እናሰበኽካ ሕዳሴ ወንጌል ዓው ቢልካ ኣብ ኩሉ ቦታን ኣብ ዝኾነ ግዜን ምብሳር እዩ፣ ነዚ ከኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ተጻይ ዘሎ ምንቅስቃሳት እናተንቀሳቀስካውን ክግበር ኣለዎ፣ ነቲ ዝቈሰለ ሥጋ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እናተንከፍና እናፈወስና እናደበስና ተስፋ እናሃብና ክኸውን ኣለዎ፣ ወላ ሓደ ሰብ እውን ይኹን እንተደኣ ክሕግዞን ሕይወቱ ከመሓይሸሉን ክኢለ እዚ ንጸጋ ሕይወት ምኽኑይ ንምግባር ብቊዕ እዩ ብማለት ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ሰባኬ ወንጌል ክኸውን ይጽውዑ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.