2018-03-12 16:43:00

ዝደስኩሉ ክርስትያን ወይውን ኣብ ጋራጅ ዝተዓሸጉ ክርስትያን ኣይንኹን! ር.ሊ.ጳ


ቅ. ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ጸጽባሕ ከምዝገብርዎ ሎሚ ንግሆ እውን ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ሓቀኛ ክርስትያን ኣብታ መጀመርያ ዝተቀበላ ጸጋ ተዓኒዱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ወትሩ ንቅድሚት ዝግስግስ እዩ፣ ከመይ ምስ ጐይታ ናይ ምዃን ታሕጓስ ሃሰስ ምስ በለ እዩ’ እንክብሉ በቲ መጀመርያት ዝተቀበልናዮ ጣዕሞት ተደዓዒስና ደው ከይንብል እንታይ ደኣ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናብ እግዚብሔር ገጹ ሃንቀው ንዝብል ሃረርታ ወትሩ ክንሕልዎ ኣዘኻኺሮም፣

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ዮሓንስ 4.43-54 ኮይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማርያ ናብ ገሊላ ዝኸደሉ እሞ ሓደ ወዱ ዝሓመሞ ሓለቃ ሚእቲ ብዛዕባዚ ምስ ሰምዔ ናብኡ ከይዱ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዱ ክፍውሰሉ ምስ ሓተተ ኢየሱስ ‘ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም’ ምስ ገንሖም ኪድ ወድኻ ሓውዩ እዩ ምስ በሎ ኣሚኑ ዝኸደ እሞ ወዱ በታ ሰዓት እቲኣ ከምዝሓወየ ምስ ኣረጋገጸ ምስ ምሉእ ስድራቤቱ ከም ዝኣመነ ይገልጽ፣ ኢየሱስ ግን ድሕሪቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ብዙሕ ተኣምራታትስ ይኹን ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ቀዳማይ ተኣምር ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጦ እቲ ሕዝቢ ንትእምርትን ተኣምርን እንተዘይኮኑ እምነቱ ዝሑል ብምንባሩ ይነቅፍ፣

‘እምነትኩም ኣበይ ኣሎ! ሓደ ተኣምር ወይውን ትእምርቲ ርኢኻ ንስኻ ከኣል ኩሉ ኢኻ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ ምባልዶ ወይስ ክንዮኡ ይሰግር እዩ፣ ርግጽ እዚ እውን እምነት እዩ ግን ብዘይ መጠን ደቂቅ ወይ ንእሽቶ እምነት እዩ፣ ምኽንያቱ እዚ ሰብዚ ዓብይ ሓይልን ክእለትን ከምዘለዎ ግሁድ እዩ ኮይኑ ግን ነቲ ተኣምር ዝጅምር እምነት እዩ፣ ድሕሪኡ ግን ክቅጽል ኣለዎ፣ ምእንቲ እታ ተአምር ጥራይ ቢልካ ምእማን የተሓትት እዩ፣ እንተዘየሎ ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ሃረርታ እግዚአብሔር ምኽንያቱ እምነት ብመሰረቱ ንእግዚአብሔር ምድላይ እዩ፣ ንክትረኽቦ ሃረር ምባል ምሳኡ ንክትከውን ብርቱዕ ትምኒት ምሕዳር ምሳኡ ክትሕጐስ ምድላይ እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ጐይታ ወትሩ ናብ ሓቀኛ ሓጐስ ምስ ዓደመና እዩ፣  ብዛዕባ ተኣምር ትእምርትን እቲ ዝዓበየ እግዚአብሔር ክገብርዎ ዘለዎ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ትንቢት ኢሳይያስ 65.17 ‘እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪሕሰብን እዩ። ግናኸ እንሆ፡ የሩሳሌም ንእልልታ፡ ህዝባ ኸኣ ንሓጐስ ክፈጥር እየ እሞ፡ በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ። ኣነ ድማ ብየሩሳሌም እልል ክብል፡ ብህዝበይውን ደስ ኪብለኒ እዩ፡ ድምጺ ብኽያትን ድምጺ ኣውያትን ድሕርዚ ኣብኣ ኣይኪስማዕን እዩ።’ ዝብል እዩ፣ በዚኸስ እቲ ዚዓበይ ተኣምር ምሳኡ ናይ ምዃን ደስታ ሃረር ንክንብል ወትሩ ምስ ዓደመና እዩ።

‘እግዚብሔር ብሕይወትና ክሓልፍ እንከሎን ንነፍሲወከፍና ተኣምር ክገብር እንከሎን ነፍስወከፍና ከኣ ጐይታ ኣብ ሕይወትና እንታይ ከምዝገበረ ክርድኦ ምስ ጀመረን ኣብኡ ደሪቅካ ጠጠው ኣይበሃል እዩ፣ እዚ ተበግሶን ዕድመን ናይ እግዚብሔር ንቅድሚት ንክንግስግስ እዩ፣ ከምቲ ዘማራይ ዝብሎ ‘ሀሰስኩ ገጸ ዚኣከ’ ኦ ኣምላኸይ ገጽካ ክርኢ እደሊ ኣሎኹ ዝብሎ ዕለት ዕለት ገጽ ኣምላኽ ሃረር ክንብል እዩ እቲ ዕድመ፣ ኮይኑ ግን ብዙሓት ክርስትያን ዳርጋ ኣብ ጋራጅ ዝተዓሸጉ ኮይኖም ደስኪሎም ትርእዮም፣ ተኣምራትን ትእምርትንከስ መበገሲ እዩ እምበር መዕረፊ ኣይኮነን፣ ቅዱስነቶም ኣብ ኩነት ናይ ከምዚኦም ዓይነት ክርስትያን ምልስ ይብሉ እሞ ኢየሱስ እንታይ ኮን ምበለ ብዛዕባ እዞም ዝደስከሉ ክርስትያን ኢሎም ይሓቱ፣

‘ስለምንታይ እዮም ብዙሓት ክርስትያን ንቅድሚት ክንዲ ምምራሽ ጠጠው ኢሎም ዘለው ወይውን ኣብ ናይ ዕለታዊ ናብራ ተሓቢኦም ከም ሰገን ርእሶም ቀቢሮም ከምዘይሰምዑን ከምዘይርእዩን ኮይኖም ዘለው፣ ሕያዎት ጥዑያት ክርስትያን ግን ዘይዓብዩ ወትሩ ንኣሽቱ ኮይኖም ይተርፉ፣ ዳርጋ ኣብ ጋራጅ ዝተዓሸጉ ክትብሎም ይከኣል፣ እዚኦም ዳርጋ ከም ኣብ ጋብያ ዝተዓጽዋ ጨራሩ እዮም እዘን ጨራሩ እዚኤን ምስቲ ናይ ምንፋር ሕልመን ተዓጽየን፣ ከምኡ ከኣ ዘይዓቢ ክርስትያን ነቲ ጐይታ ዘቅርበሉ ናይ ምንፋር ተኽእሎ ሓቢኡ ወይ ከይፈለጠ ደንዚዙ ይርከብ፣ ሓቀኛ ክርስትያንከስ ክንዮ ተኣምርን ትእምርትን ክነፍር ሃረር ክብል ዘጓነፈ የጓነፍ ጠኒኑ ምረሻኡ ንቅድሚ ክቅጽል ኣለዎ፣ ድሕሪ ቢሎም ነፍሲወከፍና ኣብ ሕልናና ተመሊስና ንጐይታ ሃረርዶ እብሎ ድላየይ ከመይ እዩ፣ ኦ ጐይታ ገጽካ ክርኢ እደሊ ኣሎኹ ኢለዶ ሃረር እብል ወይስ እፈርህ ሕፍረት ውሒጡኒ ትም እብል፣ ብከመይከ ክንመዝኖ ወይ ክንዕቅኖ ንኽእል፣ ከመይ እቲ ቀዳመይ መበገሲ ከም ጣዕሞት ወይ መኽፈቲ ሸውሃት ክኸውን ይኽእል ሸውሃት ወይ ድሌት እንተዘየሎ ግን ኩሉ ከንቱ እዩ፣ ሃየ እምበአር ነዚ ሃረርታዚ ሎሚ ነበራብሮ ንቅድሚት ከኣ ንገስግስ፣ ሓቀኛ ክርስትያን ሓደጋ ፈሪሁ ሱቅ ኣይብልን፣ ጠኒኑ ይኣቱ፣ ካብቲ ባዕልና ዝፈጠርናዮስ ይኹን ውሕስነት ዝህበና ኰይኑ ዝስመዓና ምድስካል ንበራበር፣ እንክብሉ ስብከቶም ደምዲሞም፣  

ዕብየት እግዚአብሔር ካብ ዕጸ ፋርስን ጥንቆላን የሕዊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ቅድሚ ምዕራጎም እግዚኣአብሔር ንደቂሰባት ዘለዎ ፍቅሪ ዕብየቱ ብዙሕ ከምዝኾነ ንምግላጽ ‘ኣብቲ ኩሎም ጠንጢኖምና በይንና ኰይኑ ኣብ ዝስመዓኒ ግዜ እውን ከይተረፈ እግዚብሔር ወትሩ ኣብ ጐድንና ኣሎ ምናዳ ከኣ ሕይወት መሪሩና ኢድና ክንህብ ኣብ እንፍተነሉ ጊዜ` እንክብሉ ኣረጋጊጾም፣

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጾም ኣብቲ መእተዊ ማህሌት መዝመረ ዳዊት ‘ተፈሥሒ ኦ ኢየሩሳሌም` ዝብል ተመስሪታ ሰንበት ፍሥሓ ኢላ ትሰምያ፣ ቅዱስነቶም ከኣ ናይዚ ታሕጓስ ምንጪ እቲ እግዚአብሔር ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቅሪ ምስትምቃር ምዃኑ ንምብራህ ከምዚ ክብሉ ኣስተምሂሮም፣  ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!  ኣብዛ ሰንበት ፍሥሓ ተባሂላ እትጽዋዕ ራብዓይ ሰንበት ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ነቲ ቅዱስ ዳዊት ተፈሥሒ ኦ ኢየሩሳሌም ኢሉ ኩሎም እቶም ሓዚኖም ዝነበሩ ክሕጐሱን ደስ ክብሎምን ብዝዕድሞ መሠረት ንተሓጐስ፣ ቅዳሴናውን በዘን ቃላት እዚኤን እዩ ዚጅምር፣ ናይዚ ታሕጓስ ምኽንያት እንታይ ኮን ይኸውን ቢልና እንተሓተትና ከምቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ‘ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።’ (ዮሓ 3,16) ዝብሎ ምኽንያት ታሕጓስና እቲ እግዚብሔር ንዘመደ ኣዳም ዘርእዮ ፍቅሪ ዕብየት ምስትምቃር እዩ፣ እዘን ኢየሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ክዘራረብ እንከሎ ዝበለን ቃላት እዚኤን ናይቲ ብሥራት ክርስትና ዝነግሮ መልእኽቲ ሕመረት ሒዘን ይጐዓዛ፣ እዚ ታሕጓስ እዚ ወላውን ኩነታት ተስፋ ዘቊርጽ እንክመስል እግዚብሔር ንደቂ ሰባት ድሕነትን ታሕጓስን ብምልጋስ ጣልቃ ይኣቱ፣ እግዚብሔር ኣብ መንበሩ ኰፍ ኢሉ ዝዕዘብ ከይመስለና ከምኡ ኣይኮነን እግዚኣብሔር ወሰኑ ሒዙ ሱቊ ቢሉ ኣይምልከትን እንታይ ደኣ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ይኣቱ ብጸጋኡ ሕይወት ሂቡ ንከድሕነና ኣብ ሕይወትና ጣልቃ ይኣቱ፣ ምሳና ይሕወስ፣

ነቲ ርእስና ዝኸኣልና ኢና ባዕልና ንኣክል ንእግዚአብሔር ንህደጎ ዝብል ፈተና ነጺግና ብኣኡን ብቃሉን ፍጹም ነጻነት ምእንቲ ክንለብስ ነዚ ጻውዒት እዚ ጽን ኢልና ክንሰምዕ ዝተጸዋዕና ኢና! ነዚ ንምግባር ትብዓት ስለዘድሊ ኩነታትና ንክንፈልጥ ዚኣክል ትብዓት ምስ ኣከብና ኩሉ ክበርሃልና ክጅምር እዩ ምስ ተኣፋፍነትናን ድሩትነትናን ጸባጻብ ክንገብር ዝተጻዕና ምዃና ክርደኣና እዩ፣  ሓንሳእ ሓንሳእ ምናልባት ጭንቀት ክኸበካን ናይ ጽባሕ ሻቅሎት ክህውጸካን ፍርሂ ሕማምን ሞትን ከሸቊርረካን ይኽእል ይኸውን፣ እዚ ዘርእየና ከኣ ስለምንታይ ብዙሓት ካባና መውጽኢ ደልዮም ላዕልን ታሕትን ከምዝብሉ እዩ። ነዚ ንምግባር ከኣ ገሊኦም ቀሊል መውጽኢ ኮይኑ ዝረእዮም እቲ መውጽኢ ዘይብሉ ጸልማት በዓቲ ሓሽሽ ወይውን እቲ ሓንሳእ ምስ ኣዕነወካ ዳግም ክትንሥእ ብጣዕሚ ዘጸገም ናይ ጥንቀላ ዓለም ገጾም ይኸዱ፣ ድሩትነካን ጸገማትካን ፈሊኻ ምፍላጥ ጽቡቅ እዩ! እወ ክንፈልጦ ኣሎና ኮይኑ ግን በዚ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን! እንታይ ደኣ ንጐይታ ክነወፍዮ ኣሎና፣ ከመይ ንሱ ንክንሓዊ ክሕግዘና እዩ ብኢድና ሒዙ የሰንየና! በይንና ክንከውን ፈጺሙ ኣይሓድገናን እዩ፣ እግዚአብሔር ወትሩ ምሳና እዩ ቀንዲ ምኽንያት መሐጐሲና ኸኣ እዚ እዩ፣ ሃየ እምበኣር ሎሚ ንተሓጐስ፣ ከምቲ ናይ ኢየሩሳሌም ፍሥሓ ይውረረና ከመይ እግዚአብሔር ምሳና እዩ፣

ቀንዲ ዘሐጉሰናኸስ ሓቀኛን ዝዓበየትን ተስፋ ኣብቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚብሔር ኣቦና ስለዘሎና እዩ፣ ከመይ ንኸድሕነና ንእንኮ ወዱ ሂቡና እዩ፣ ታሕጓስናኸ እዚ እዩ፣ ኮይኑ ግን ሓቀኛ ክርስትያን እንተኰና ኣብቲ ዘጉሂ ኩነታት ክንርከብ ከሎና ናብታ ንእሽቶ ታሕጓስ ክትህበና ርግጽነት እውን ክተልበሰና እትኽእል ተስፋ ክርስትያን ንኺድ፣ ድሩትነትናን ሓጢኣትናን ድኻምነትናን ምስ እንርኢ በዚ ተስፋ ክንቈርጽ የብልናን ከመይ እግዚብሔር ምሳና ኣሎ ኢየሱስ ከኣ ምእንቲ ከድሕነና ምእንታና ኣብ መስቀል ኣሎ፣ ፍቅሪ እግዚብሔር ከኣ እዚ እዩ፣ ነቲ ኣብ መስቀል ዘሎ ኢየሱስ ኣተኲርኩም ጠምቱ እሞ ነቲ እግዚብአብሔር የፍቅረካ እዩ ዝብል ኣብ ውሽጢ ልብና ንስመዓዮ፣ ሓቂ እዩ እቲ ዝበልናዮ ድሩትነት ድኻም ሓጢኣት ምሳና ኣሎ ኮይኑ ግን ካብዚ ድርትነትናን ድኻምናን ሓጢኣትናን እግዚብሔር ይዓቢ፣ ነዚ ኣይትረስዑ እግዚብሔር ካብ ድርትነትናን ድኻምናን ሓጢኣትናን ኣጸቢቁ ይዓቢ፣ ነቲ ኢዱ ዘርጊሑልና ዘሎ እግዚኣብሔር ኢድና ዘርጊሕና ንቀበሎ እሞ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ነቲ ምእንታና ዝተሰቅለ ኢየሱስ እናጠመትና ንቅድሚት ንገስግስ፣

ኣደ ምሕረት ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ብእግዚብሔር ዝተፈቀርና ምዃና ዘረጋግጽ ጸጋ ኣብ ልብና ተንብረልና፣ በይንና ኰይኑ ኣብ ዝስመዓናን ጸገማት በርቲዑ ኢድና ክንህብ ኣብ እንፍተነሉን ግዜ ተሰንየና፣ ጒዕዞ ጾመ ኣርባዓና ተመኲሮ ይቅረታን ምሕረትን ምቅብባልን ፍቅርን ንክኾነልና ስምዒት ወዳ ኢየሱስ ኣብ ልብና ትስኣለልና፣ ድሕሪ ቢሎም መልኣከ እግዚአብሔር ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.