2018-03-07 18:33:00

መዋዕል ሕይወትካ ሙሉእ ናይ ምስጋና መሥዋዕቲ ገርካ ንጐይታ ክተቅርብ ክንደይ ኮን ይጥዕም! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ሶሙን መጸ ዕለተ ሮቡዕ ኣብ ዘቅርብዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚውን ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንዝህብዎ ትምህርቲ ብምቅጻል ጸሎተ ኣኰቴተ ቊርባን ሕመረት ቅዳሴ ብምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ እታ ኣካል ክርሶትስ ዝኾነት ቤተ ስለኩሉ ጸሎታ ተዕርግ ድሕሪ ቢሎም ኣብዚ ቅንያትዚ ኣብ ኮርያ ዝፍጸሙ ጸወታታት ኦሊምፒክ ናይ ሰላምን ደስታን ዕለታት ንክኾኑ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ገሊጾም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝጀመርናዮ ትምህርተ ክርስቶስ ክንቅጽል ኢና፣ ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና ብዛዕባ ኣኰቴተ ቊርባን ወይ ጸሎት ምስጋና ክንምልከት ኢና፣ መባእ ኅብስትን ወይንን ቀሪቡ ጸሎት ምስ ተገብረን ብኡ ንብኡ ጸሎተ ኣኰቴተ ቊርባን ይጅምር፣ እዚ ጸሎት እዚ ንሥርዓተ ቅዳሴ ምልኣት ዝህብን ማእከል ናይ ኩሉን ኮይኑ ናብ ምቚራብ የምርሕ፣ እዚ ከኣ ነቲ ኢየሱስ ኣብ መወዳእታ ድራር ምስ ሓዋርያቱ ንዝገብሮ እንደግና ሕያው ንገብር፣ እዚ ከኣ ባ ወንጌለ ማቴ 26.27 ማር 14.23 ሉቃ 22.17 ከምኡ እውን 1ቆሮ 11.24 ከም ዘመልክቶ ‘ኅብስቲ ኣልዓለ ኣመስገነ ጽዋዕ ኣልዓለ ኣመስገነ’ ካብ ዝብሎ ብምብጋስ ጸሎተ ምስጋና ወይ ኣኰቴተ ቊርባን ነቅርብ፣ እዚ ጸሎተ ምስጋናዚ ወትሩ ምስቲ መሥዋዕቲ ድሕነት ብምትእስሳር መሥዋዕቲ ቅዳሴ ኣብ እነዕርገሉ ግዜ ሕያው ይኸውን፣

ኣብዚ ዝለዓለለ ጸሎተ ምስጋና ማለት ኣኰቴተ ቊርባን ቤተክርስትያን ምስቲ ናብ ሥጋኡን ደሙን ዝተለወጠ ኅብስትን ወይንን ዝርከብ ሕያው ክርስቶስ ውህደት ብምፍጣር ንቀንዲ ምኽንያት ምስጋናኣን ነቲ ባዕሉ ምስጋና ዝኾነ ቊርባን ኢየሱስን ትገልጽ፣ ኣብዚ ሥርዓት እዚ ካህን ኣልዕሉ ኣልባቢክሙ ልብኻትኩም ኣልዕሉ እንክብል ልባትና ናብ ጐይታ ክኸውን ድሕሪ ምእዋጅ ጸሎተ ምስጋና ብምቅራብ ልዕል ብዝበለ ድምጺ ብስም ኩሎም ምእመናን ብመንፈስ ቅዱስ ገሩ ንእግዚአብሔር ኣብ ብማእከልነት ኢየሱስ ክርስቶስ የመስግኖ፣ ከምቲ መምርሒ ሮማዊ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብ ቊ.78 ዝብሎ ከኣ ‘ናይዚ ጸሎትዚ ትጉም ማሕበረ ምእመናን ኩሎም ነቲ ዓበይቲ ተግባራት እግዚብሔር ብምድናቅ መሥዋዕቲ ኣብ ምቅራብ ይሓብር’፣ ኮይኑ ግን ኣብዚ ንክንሓብርን ንክንዋሳእን ጉዳዪ ክንርድኦ የድሊ፣ ስለዝኾነ ከኣ ቤተክርስትያን ኣብዚ ሥርዓት እዚ ነፍሲ ወከፍ በቲ ዝሰምዖ ቋንቋ ንክርድኦን ኣብዚ ናይ ምስጋናን ኣምልኾን ጸሎት ምስቲ ካህን ንክሳተፍን ዘድሊ ኩሉ ገራ፣ ከምቲ ኣብ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ.1367  ‘እቲ ናይ ክርስቶስ መሥዋእትን፤ እቲ ናይ ሥርዓተ ቅዱስ ቍርባንን
ሓደ መሥዋእቲ እዩ፣- “እቲ ዚሥዋእ ሓደ ንሱ እዩ፥ ብተልእኮት-ካህናት ኣቢሉ ዘወፈዮ ኮነ፤ እቲ ሽዑ ኣብ መስቀል ርእሱ ዘወፈየን ሓደ ንሱ እዩ፥ እቲ ኣገባብ ወይ ሥርዓት-ወፈያ ጥራሕ እዩ ዚፈላለ ዘሎ።” “እቲ ሓደ ግዜ ብምፍሳስ-ደም ኣብ ናይ መስቀል መንበረ-ምሥዋእ ርእሱ ዘወፈየ ክርስቶስ፥ ኣብ’ዚ ኣብ ቅዳሴ ኣብ ዚፍጸም መለኮታዊ መሥዋእቲ ብምሉኡ ስለዘሎን፤ ምፍሳስ-ደም ብዘይረኣዮ ኣገባብ ኪውፈ ስለዚርከብን . . . እቲ መሥዋዕቲ ናይ ሓቂ ካሕሣ ኃጢኣት እዩ’ ከምዝብሎ ሓቐኛ መሥዋዕቲ ክርሶት እዩ፣

ኣብ መጽሓፈ ቅዳሴ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ጸሎት ኣኬቴተ ቊርባን ኣለው፣ ኩሎም ዳርጋ ተመሳሳሊ ዝኾነ ኣገባብ ኣለዎም፣ ኩሎም ከኣ ብጣዕሚ ደስ ዝብሉን ዓሚቊ ትርጉም ዘለዎምን እዮም፣ ብላቲናዊ ሥርዓት ብፕረፋስዮ ዝፍለጥ ናይ ምስጋና ጸሎት ኩሉ ንእግዚአብሔር ስለእቲ ዝጸገወና ንምምስጋን ዝቀርብ መሥዋዕቲ ኮይኑ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ነቲ ሓደ ወዱ ጐይታና ኢየሱስ ንድሕነትና ስለዝለኣኸልና ዝቀርብ ምስጋና እዩ፣ እዚ ጸሎተ ምስጋንዚ በቲ ዝማሬ መላእክት ዝኾነ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ዝብል ዜማ ይዛዘም፣ ቅዱስ ቅዱስ እግዚብሔር ጸባኦት ፍጹም ኢልካ ክትዝምር ክንደይከ ይጥዕም፣ ኩሎም ምእመና ብሓባር ኣብ ዝማሬ መላእኽትን ቅዱሳንን ድምጾም ብምሕዋስ ንእግዚኣብሔር ይውድሱን የኽብሩን፣

ካብዚ ቀጺሉ ዝስዕብ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እቲ መሥዋዕቲ ንኽወርድ ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ እዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ብክእለቱን ሓይሉን ነቲ ኅብስትን ወይንን ንኽቅድስ ዝግበር ልመና እዩ፣ እዚ ከኣ እቲ ኅብስትን ወይንን ስጋን ደምን ኢየሱስ ንክኸውን ንክልውጦ ኢና ንምሕጸን፣ ሥራህ መንፈስ ቅዱስን እተን ብካህናት ዝድገማ ቃላት ኢየሱስ ክርስቶስን ብመልክዕ ኅብስትን ወይንን ጐይታ ብስጋኡን ደሙን ኣብኡ ብሓቂ ህልው ከምዝኾነ ይገብሩ፣ እዚ ከኣ እቲ ኣብ ዕጸ መስቀል ስለኩልና ዝቀረበ መሥዋዕቲ እዩ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ንጹር እዩ፣ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ንስማዕ ‘ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ።’ 1ቆሮ 11.24) ኢየሱስ እውን ነዚ እዩ ኢሉ፣ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ሓሳብ ክመጸና የብሉን፣ በቃ ስጋ ኢየሱስ እዩ፣ ተወዲኡ፣ ኣብዚ እምነት ጥራሕ እዩ ክሕግዘና ዝኽእል፣ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ኅብስትን ወይንን ሥጋን ደምን ኢየሱስ ምዃኑ ዝሕግዘና እምነት ጥራይ እዩ። እዚ እዩ ምሥጢረ እምነት ዝበሃል፣ ነዚ ከኣ ድሕሪ ምልዋጥ ንዜኑ ሞትከ ኦጐይታ ሞትካን ትንሣኤኻን ነዘንቱ ዳግም ምጽኣትካውን ንጽበ እንብሎ ከኣ ነዚ እዩ፣ ናይ ሞትን ትንሣኤን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክነዘንቱ እንከሎና ነቲ ቤተክርስትያን ምእንቲ ዕርቂ ሰማይን ምድርን እተቅርቦ መሥዋዕቲ እቲ ኣብ ፋሲካ ክርስቶስ ዘቅረቦ መስዋዕቲ ምሳኡ ኮይና ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምስ ክርስቶስ ሓደ ኣካልን ሃደ መንፈስን ንክንከውን እዩ፣ ኣብዚ ቤተክርስትያን ምስ ክርስቶስ ክተወሃድን ምሳኡ ከኣ ሓደ ኣካልን ሓደ መንፈስን ክትከውን ትደሊ፣ እዚ ከኣ እቲ ናይ ምሥጢረ ቁርባን ጸጋን ፍረ ምሥጢራዊ ሃደንትን ኮይኑ ንሕና እቶም ስጋኡ እንበልዕን ደሙ እንሰትን ምስቲ ሕያው ኣካሉ ኣብዚ ዘሎናዮ ዓለም ሕያው ውህደት ምስ ሰውነት ክርስቶስ ንክህልወና እዩ፣

ምሥጢረ ውህደትከስ እዚ እዩ፣ ቤተክርስትያን ኣብ መሥዋዕተ ክርስቶስ ትሳተፍ ምሳኡ ከኣ ሓደ ትኸውን ኣብቲ ጸሎቱን ምሕጽንታኡን ብምስታፍ ከኣ በዚ ብርሃንዚ ነቲ ኣብ ጐዳጉዲ ስደት ቤትክርስትያን ተመልኪቱ ዘሎ ስእሊ ቤተክርስትያን ከም ሓንቲ ኣእዳዋ ዘርጊሓ ንሰማይ ኣንቃዕሪራ እትጽሊ ሰበይቲ ከምቲ ኣብ ዕጸ መስቀል ኢዱ ዝዘርገሐ ክርስቶስ ኣምሳል ኮይና ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ምእንቲ ኩሉ ዘመደ ኣዳም ጸሎቱ ዘዕርግ ብኣማልድነቱን ብኣኡን ምሳኡን ኮይና መሥዋዕቲ ተቅርብ ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ከኣ ተማልድ፣ (ሕገ ቀኖና ቁ.1368 ተመልከት)፣ እዛ ሕጂ ትጽሊ ዘላ ቤተክርስትያን እዚ እዩ ባህርያ፣ ነዚ መልክዕ ቤተክርስትያን ምሕጻብ ጥዑም እዩ፣ ነዚ ዝገልጽ ኣብ ግብረሓዋርያት ሓደ ምዕራፍ ኣሎ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተኣስረ እታ ቤተክርስትያን ምእንታኡ ትጽሊ ነበረት መልሱ ከኣ እቲ ገዛ ከምዘንቀጥቀጠን ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ቤትማእሰርቲ ብመልኣኽ ተፈቲሑ ኣብ ማኣከሎም ከምዝመጸን ይገልጽ፣ እታ እትጽሊ ቤተክርስትያን ከኣ እዚኣ እያ፣ ናብ ቅዳሴ እንክንከይድከስ ነዚ ጸሎትዚ ንምግባር እዩ፣ እዚኣ እያ እታ እትጽሊ ቤተክርስትያን ትበሃልከስ እዚኣ እያ እንክብሉትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.