2018-02-28 17:39:00

ናይ ክርስትያን ናይ መጀመርያ መንበረ ታቦት እታ ናይ ጐይታ እተሰቅለላ ናይ መስቀል ታቦት እያ! ር.ሊ.ጳ


ዝሓለፈ ሶሙን ብምኽንያት ሱባኤ ተቋሪጹ ዝነበረ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚ እንደገና እንክጅመር ብምኽንያት ኣብ ሮማን ከባቢኣን ወሪዱ ዘሎ ቀዝሒ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይን ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሎሚ ንግሆ ተገሩ፣ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጀመርዎ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንዝህብዎ ትምህርቲ ብምቅጻል ኣብቲ ሕመረት ቅዳሴ ዝኾነ መሥዋዕቲ ሥጋኡን ደሙን ብምትኳር ‘መሥዋዕተ ቅዳሴ ንከነዕርግ ናብ መንበረ ታቦት እንክንድይብ ዝኽርና ብቀጥታ ናብቲ ፈላሚ መስዋዕቲ ዝዓረገሉ ናይ ቀራንዮ መስቀል መንበረ ታቦት ይጐዓዝ’ እንክብሉ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ብቋንቋ ጣልያን ኣቅሪቦም፣

ቅዱስነቶም ከም መኽፈቲ ትምህርቶም ዝመርጸዎ ቃል ኣምላኽ ካብ ወንጌል ማርቆስ 6.38 ዝተወስደ ኮይኑ ‘ኢየሱስ ግን ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም! ኬድኩም ረኣዩ! በሎም፣ ምስ ፈለጡ ከኣ ሓሙሽተ እንጌራ ምስ ክልተ ዓሣ ረኺብና በልዎ፣ ድሕሪዚ ንኩሎም በብመስርዖም ኣብቲ ልሙዕ ሣዕሪ ኪቅመጡ ኣዘዞም፣ . . . ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ነቲ ክልተ ዓሣን ወሲዱ ኸኣ ናብ ሰማይ ጠመተ ባረኸ እውን ነቲ ኣንጌራ ድማ ቈሪሱ - ነቶም ሕዝቢ ምእንቲ ኬቅርቡሎም - ነርድእቱ ይህቦም ነበረ፣’ ዝብል ነበረ፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሕዋትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም፣ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝጀመርናዮ ትምህርቲ ክርስቶስ ክንቅጽል ኢና፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ዝተማሃርናዮ ሥርዓተ ኣምልኾ ቃል ኣምላኽ ዝስዕብ ነቲ ቅዳሴ ዘቍም ሥርዓተ ቅዱስ ቊርባን ይኽተሎ፣ ኣብዚ ሥርዓት ቤተክርስትያን ብቅዱሳት ምልክታት ነቲ ኣብ መንበረ ታቦት ቀራንዮ ኣብ መስቀል ብኢየሱስ ንዝተሓትመ ሓዲስ ኪዳን ብቀጻሊ ህልው ከምዝኸውን ትገብሮ፣ እቲ ፈላሚ ታቦት መስቀል ከኣ መንበረ ታቦት ቤተክርስትያን እዩ፣  መሥዋዕተ ቅዳሴ ንከነዕርግ ናብ መንበረ ታቦት እንክንድይብ ዝኽርና ብቀጥታ ናብዚ ፈላሚ መስዋዕቲ ዝተፈጸመሉን ዝዓረገሉን ናይ ቀራንዮ መስቀል መንበረ ታቦት ይጐዓዝ፣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካህን ንክርስቶስ ብኣካል ይውክል! ነቲ ክርስቶስ ኣብ መጨርሻ ድራር ንሓዋርያቱ ብዝሃቦ ሥልጣን ማለት ‘እንጌራ ወሲዱ ባሪኹ ጽዋዕ ኣልዒሉ ቀዲሱ እንኩ ብልዑ እንኩ ስተዩ እዚ ሥጋይ እዩ እዚ ጽዋዕ ደመይ እዩ ነዚ ከኣ ንዝኽረይ ግበርዎ` እንክብል ንዝሠርዖ ምሥጢር ህልው ይገብሮ ይሠርዖ ይፍጽሞ! ቤተክርስትያን ከኣ ትእዛዝ ኢየሱስ ተቀቢላ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕናየን ቃላትን በተን ኣብ ድሮ ሕማማቱ ንሱ ዝፈጸመን ተግባራት ዝሰማማዓ ግዝያትን ኣገባብን ብምፍላይ ሥርዓተ ቅዱስ ቊርባን ሰሪዓ፣ በዚ ከኣ ኣብ ምስንዳው ናይ መባእ ናብ መንበረ ታቦት ኅብስትን ወይንን ይቀርብ እዚ ከኣ ክርስቶስ ነዚ ሥርዓት ክተክል እንከሎ ኣብ ኢዱ ዝሓዘን ነገራት እየን፣ ኣብ ኣኰቴተ ቊርባን ከኣ ስለ እቲ ንድሕነት ዓለም ዝፈጸሞ ተግባር ንእግዚአብሔር ነመስግን እዘን ዘወፈናየን ኅብስትን ወይንን ከኣ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ ይኾና፣ ነቲ ምቁራስ እንጌራን ቊርባንን ስዒቡ ከኣ ነቲ ሓዋርያት ካብ ኢድ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ቊርባን ምስ ተቀበሉ ዝነበሮም ተመኲሮ ንደግሞ፣    

ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ኅብስቲ ኣልዓለ ጽዋዕ ወይኒ ኣልዒሉ’ ዝብል ተግባር እቲ ንሕና እንገብሮ ንቅዳሴ ናይ ምስንዳእ እነቅርቦ ኅብስትን ወይንን ንደግሞ፣ እዚ ናይ ምቅራብ ሥርዓት ከኣ ናይ ቅዱስ ቊርባን ሥርዓተ ኣምልኾ ቀዳማይ ክፍሊ እዩ፣ ነቲ ኣብ መንበረ ታቦት ዝጽበ ካህን ነዚ ኅብስትን ወይንን ዘቅርቡ ምእመናን ክኾኑ ኣለዎም ከመይ ንሳቶም ንባዕሎም ኣብቲ መሥዋዕቲ ቅዱስ ቊርባን ዝሕወሱን መንፈሳዊ መሥዋዕቲ ቤተክርስትያንን እዮም፣ ኣብ መንበረ ታቦት ነቲ ኅብስትን ወይንን ዝቅርቡ ምእመናን ክኾኑ ከለው ክንደይ ይጽብቅ፣ ስለዝኾነ ከኣ ሓፈሻዊ መምርሒ ሮማዊ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብ 73 ‘ሽሕኳ ከምቲ ሓደ ግዜ ዝግበር ዝነበረ ምእመናን ነቲ ኅብስትን ወይንን ካብ ገዛውቶም ሒዞሞ እንተዘይመጺኦም እቲ ኣብ ምስንዳው ካብኡ ናብኡ እውን ዘቅርብዎ ኅብስትን ወይንን ነቲ ናይ ጥንቲ ትርጉሙ ማለት ንሶም ከም መንፈሳዊ መሥዋዕቲ ከምዝቀርቡ ዘመልክት ኣብ ቦታኡ እይ ዘሎ’ ይብል፣ እቲ ኣብ መንበረ ታቦት ኮይኑ ነዚ ወፈያ ዝቅበል ጳጳስስ ይኹን ከኣ ነቲ ወፈያ ክቅበል ከሎ እቲ ጽሑፍ ቀጺሉ ኣብ ዘስፈሮ `ካህናትስ ይኹኑ ጳጳሳት ከምኡውን ዲያቆናት ኅብስትን ወይንን ካብ ምእመናን ኣብ መንበረ ታቦት ኮይኖም ክቅበሉ ከለው ነቲ መሥዋዕተ ቊርባን እቲ ቅዱስ ሕዝበ እግዚብሔር ንዘወፍዮ ወፈያ እዮም ዝቅበሉ` ይብል፣ ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ዝዓበየ ወፈያ ኅብስትን ወይንን ዘቅርብ ሕዝበ እግዚብሔር እዩ፣ ስለዚኸስ በዚ ኣብ ኢድ እቲ ሠራዒ ብዝውፈ ምልክት ኅብስትን ወይንን  ሕዝበ እግዚአብሔር ነቲ መምርሒ ሥርዓተ ቅዳሴ ሕመረት ናይ ኩላ ሥርዓተ ኣምልኾ ቅዱስ ቁርባን ዝብላ ድራር ጐይታ መሥዋዕቶም ንጐይታ ኣብ መንበረታቦት የቅርቡ፣ እዚ ማለት ማእከል እታ ቅዳሴ መንበረ ታቦት እዩ መንበረታ ታቦት ክርስቶስ ክርስቶስ ባዕሉ ነቲ መንበረ ታቦት በዚ ዓይንዚክንምልከቶን ማእከል ቅዳሴ ምዃኑ ክንርዳእን የድሊ፣ እቲ ፍረ ምድርን ፍረ ጻማ ሥራህ ወዲሰብን ዝኾነ ኅብስቲ ነቲ ክንዲ ገዛእ ርእሶም ዘወፍይዎ ወፈያ በቲ መለኮታዊ ቃል ተኣዚዞም ንእግዚኣብሔር ዝበቅዕ መሥዋዕቲ ክኸውን እሞ ንሠናይ ናይታ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ብምልኣት ክኸውን የወፍይዎ፣ ማዕረ ማዕረ እዚ ከኣ ከምቲ ሓዲስ ትምህርቲ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቊ.1368 ዘመልክቶ ሕይወት ናይቶም ኣመንቲ ሥቃዮም ጸሎቶም ሥራሖም ምስቲ ናይ ክርስቶስ ሕይወትን መሥዋዕትን ተደሚሮም ኣብቲ ጠቅላሊ መሥዋዕቱ ተዋሂዶም ሓዲስ ዋጋ ሓዲስ ክብሪ ይረኽቡ፣

ርግጽ ንሕና እነወፍዮ ብጣዕሚ ንኡስ እዩ ኮይኑ ግን ክርስቶስ እዚ ቁሩብ ቊራቦ ናትና የድልዮ እዩ፣ ጐይታ ካባና ቊርብ ይሓትት ብዙሕ ከኣ ይህበና፣ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ሠናይ ድሌት ክፉት ልቢ ሕይወትና ክነመሓይሽን ድላይ ተበግሶን ነቲ ምእንታና ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዝውፈ ንኣኡ ክንቅበሎ ስንድዋት ምዃን ዚኣመሰሉ ስማዊ ወፈያታት ይሓተና እዚ ከኣ ምስቲ ዓቢይ መሥዋዕቲ ናይ ስጋኡን ደሙን ተወሃሂዱ ዓቢ ነገር ይኸውን፣  ነዚ ናይ መባእን መሥዋዕትን ጸሎት ዘመልክት እቲ ንዕጣን ኣብ ሓዊ ብምቅጻል እነቅርቦ ጸሎተ ዕጣን እዩ፣ እቲ ዕጣን ምስ ነደደ ጥዑም ሽታ ዘለዎ ትኪ የውጽእ እዚ ከኣ ንላዕሊ ገጹ ይድይብ፣ ከምቲ ኣብ ቅዳሴ በዓላት እንገብሮ ነቲ መባእስ ይኹን ንመንበረ ታቦትን ንመስቀለ ክርስቶስን ዕጣን ምቅራብ ከምኡ እውን ንካህንን ነቲ ሕዝብን ምዕጣን ንኩሉ ኣብ መሥዋዕቲ ክርስቶስ ዝጠምርን ምሳኡ ሓደ ዝገብርን ነገር ንዕዘብ፣ ነዚ ኣይትረስዑ እቲ መንበረ ታቦት ክርስቶስ ባዕሉ ከምዝኾነን ኣብኡ ከምዘሎን ዘክሩ! ኮይኑ ግን እዚ ብመንጽር እቲ ፈላሚ መንበረ ታቦት እዩ እዚ ከኣ መስቀል ክርስቶስ እዩ፣ ኣብዚ ክርስቶስ ዝኾነ መንበረ ታቦት እቲ ቁሩብ ቁራቦ ዝኾነ ወፈያና ንህብ! ኅብስትን ወይንን ነወፊ እዚ ከኣ ነቲ ንዓና ዝውፈ ክርስቶስ ኮይኑ ናብ ሥጋኡን ደሙን ይልወጥ፣

ነዚ ኩሉ ጽሙቊ ኣቢሉ ዘቅርበልና እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወፈ ኅብስትን ወይንን እንገብሮ ጸሎት እዩ፣ ኣብዚ ጸሎት እዚ እቲ ካህን እግዚብሔር ነቲ ቤተክርስትያኑ እተወፍዮ ክቅበልን ነቲ መስኪን ድኽነትናን ወፈያንን ብሰማያዊ ሃብቱ ከሀብትሞ ይልምን፣ ኅብስትን ወይንን እንክነወፊ ወፈያ ሕይወትና ኢና እነመልክት እዚ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ናብ መሥዋዕቲ ክርስቶስ ይልወጥ እሞ ምስ ክርስቶስ ሓደ ኮይኑ እግዚብሔር ኣቦ ዝቅበሎ መሥዋዕቲ ኮይኑ ይቀርብ፣ ምስንዳው ወፈያን ጸሎት ኣብ ልዕሊ ወፈያን ብከምዚ እንክፍጸም ካብዚ ናብ ጸሎት ኣኰቴተ ቁርባን ወይ ጸሎተ ምስጋና ይስገር፣

እዚ ሁመት ናይ ቅዳሴ ዝምህረና ገዛእ ርእስኻ መባእ ንእግዚብሔር ናይ ምውፋይ መንፈሳውነት እንክኸውን እዚ ንዕለታትና ከብርህ ምስ ካልኦት ንእንገብሮ ርክብ ክዂልዕ ንእንገብሮ ነገራት ባህታ ዝህቡ ክገብር ከምኡ እውን ንዘጓንፉና ስቃያት ተጻዊርና ነታ ምድራዊት ከተማና ብብርሃን ክርስቶስ ንክትበርህ ንክንሃንጻ ይሕግዘና፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.