2018-02-27 16:17:00

ብፁዕ ኣቡነ ኩወረብ ኣብ ኮርያን ሞንጎሊያን ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽዀኑ ተሰምዮም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍሉዩ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣልፍረድ ኩወረብ ስዩም ሊቀ ጳጳስ ኣብ ኣምንተኣ ቢሎም ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኮርያን ሞንጎሊያን ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ኩወረብ ኣብ 1958 ዓ.ም. ኣብ ማልታ ዝተወለዱን ብቲዮሎጊያ ሊቅነት ኣመስኪሮም ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ ናይ ዋና ኣመሓዳሪ ዋና ጸሓፊ ኵይኖም ድሕሪ ምግልጋል ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ተጠቓልሊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም ምግልጋል ከምዝጀመሩን ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ተሾሙ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ብቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተሰምዮም ድሕሪ ምጽናሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣብ ዋና ጸሓፍነት ሓላፍነቶም ክጽንሑ ተሰምዮም ቅጺሎም እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ንኸገልግሉ ብቕድስነቶም ከምእተሰምዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ 1962 ዓ.ም. ዝተወልዱ ብፁዕ ኣቡነ ኾሴ ኣቨሊኖ በተንኵርት ኣብ 1999 ዓ.ም. ብስነ ሕገ ቀኖና ሊቕነት ምስ ኣመስከሩ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጎ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ድሓር እውን ኣብ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ሓዋርያዊ ናይ ወጻኡ ጉዳያት ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ከይኖም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስት መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣብ መንጐ ሃገራት ናይ ዝግበር ስምምዕ ጉዳያት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ንኽዀኑ ከምእተሾሙ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.