2018-02-27 16:15:00

ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሮማ ቍምስና ቅዱስ ጀላሲዩስ ቀዳማዊ፥ ናይ ምርኻብ ሓጐስ


ዕለት 25 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ፖንተ ማሞሎ ኣብ ዝርከብ ቍምስና ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጀላሲዩስ ቀዳማዊ ሓውጾተ ኖልዎ ኣካዶም፡ ርክብ ምስ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ህሙማንን ድኻታትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ብጠቕላላ ምስ መላእ ኣባላት ቍምስና ተራኺቦም ቃል ምዕዳን ለጊሶም ነቲ መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዛዘሙ ልእኽቲ ጋዜጠና ቫቲካን ነውስ ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ናይ ሮማ ጳጳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካልኣይ ሰንበት ዓቢይ ጾም ኣብ ቍስምና ቅዱስ ጀላሲዩስ ቀዳማዊ ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 03.45 ደቓይቕ ምስ በጽሑ ብናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጉወሪኖ ዲ ቶራን ብቆሞስ ክቡር ኣባ ጁዘፐ ራቺቲን ምኽትል ቆሞስ ኣባ ኣልፊዮ ካርቦናሮን ምእመናንን ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኵም ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብቲ ናይቲ ቍምስና ናይ ስፖርት ሜዳ ብምኻድ ምስ ሕጻናትን ተመሃሮ ትምህርተ ክርስቶስን ናይቲ ቁምስና ኣባላት መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ከምእተራኸቡን ቀጺሎም እውን ኣብቲ ናይቲ ቍምስና ቤተ ትያትር ምስ ሕሙማንን ኣረጋውያንን ደሓር እውን ምስ ናይቲ ቍምስና ቤት ጽሕፈት ካሪታስ- ቤት ጽሕፈ ማሕበር ግብረ ስናን በዚ ማሕበር ምስ ዝእለዩ ድኻታትን ምስ ክልተ በቲ ቍምስና ዝእለዩ ስደተይናታት ተወለድቲ ጋምቢያ ተራኺቦምን ንውሑዳት ኣባላት ቍምስና ምስጢረ ንስሓ ከምዝሰርዑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካ ነውስ ሰፒያ ኣስዒበን ቅዱስነቶም ልክዕ ሰዓት ሽዱሽተ ብናይታ ቍምስን ቆሞስን ህይነተ ቆሞስን ኣዕሩኽ እታ ቁምስና ብዝዀኑ ካህናትን ናይ ሮማ ሰበኻ ህይነተ ብፁዕ ኣቡነ ዲ ቶራን ተሰንዮም መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ገሊጸን።

ቅዱስነቶም ምስ ሕጻናታት ተመሃሮ ትምህርተ ክርስቶስን መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ኣባላት ቁምስናን ቅዱስ ጀላሲዩስ ቀዳማዊ ኣብቲ ናይቲ ቁምስና ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥

እቶም ሕጻናት ንቑዱስነቶም ብተሓጓስ ይጽበይዎም ከምዝነበሩ ገሊጾምን ከም ህያብ ካብቶም ሕጻናት ዝተጻሕፉ መልእኽትን ቆብዕን ምስ ተቐበሉ፥ ካብቶም ሕጻናት ውሽጢ በቢ ተራ ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃል፥ ቅዱስነቶም…

እስከ ክሓትተኵም፥ ሰዓት ክንደይ ኢዅም ኣብዚ ዝተረኸብኩም …. ማይ ይሃርም እውን ኣሎ፡ ብሓቂ ምሳይ ንኽትራኸቡ ካብ ክልተ ሰዓት ንላዕሊ ምጽባይኩም ስለ ትዕግስትኹም አመስግን። ምስጋና ይግብኣኩም።

…. ሕይወትና ልክዕ ከምዚ ኵነት ምቕይያር ናይ ተፈጥሮ ኣየር እዩ ዝመስል፡ ጸሓይ እትበርቀሉን ደመና ደሓር እውን ልክዕ ከምቲ ዝናም እናተበራረየ ዝኽሰት እዩ። ብምኽንያት ምቅይያር ናይ ተፈጥሮ ኣየር፡ ደስ ዝብል ወይ ከኣ ዘጽልእ መዓልቲ ንብል። …. እዚ ምቅይያር ኩሉ ኣብ ሕይወትና እውን ዘጓንፍ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ሕይወትና ምስ ኢየሱስ ንቕድሚት ንበል። ንሱ ክመርሓና እዩ። …. ኣብ ሰናይን ጸላምን መዓልታት ኩሉ ምስኡ ንቕድሚት ንበል።

ኢየሱስ ኢድና ሒዙ ክመርሓና ንፈቅድ ዶ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም … ንፍቀደሉ ኣይንፍቀደሉ ንሱ ጠሪሹ ንበይንና ኣይክሓድገናን እዩ እሙን እዩ። ኣብ ሰናይን ሓጢኣትናን ወትሩ ምሳና እዩ፡ ዝስልክዮም ዝደኽሙን ኣንሕና ኢና ንሱ ምስና ምዃን ጠሪሹ ኣየሰልክዮን እዩ … ቢሎም ጐይታ ይባርኽኩም፡ የቐንየለይ፡ ሓደራ ስለይ ጽልዩ ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ሰፒያ ሓቢረን።

 

እዚ ራዲዮ ቫቲካን እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም እውን ኣብቲ ናይቲ ቍምስና ቤት ትያትር ብምኻድ ምስቶም ናይታ ቁምስና ኣባላት ኣረጋውያንን ህሙማንን በቲ ናይቲ ቍምስና ቤት ጽሕፈት ግብረ ሰናይ (ካሪታስ) ዝድገፉ ኣብቲ ቍምስና ዝእለዩ ክልተ ስደተይናታትን ኣባላት ማሕበር ካሪታስ ናይታ ቁምስና ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ነቶም ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሰበኻ ሮማ ዝምራሕ ናይቲ ቍምስና ማሕበር ግብረ ሰናይ ዝህቦ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም። መብዛሕትኹም ኣነ ኣብዚ እንታይ እገብር ኣለኹ ትብሉ ትዀኑ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣይከይድ፡ ኣብ ላዕለዎት ኣኼባታ ኣይከይድ፡ ትብሉ ትዀኑ እወ ኣብ ዘዘለናሉን እንነብረሉ ሰናይ ምግባር እዩ ጸዋዕታና፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኢና፡ … ብእምነትን ኣብ እምነትን ዝጸንዔ ምስክርነት ምቕራብ። ንስኻትኩም ናይ እምነትን ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተስፋን ኣእዳው ኢኻትኩም፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ሓገዝን ደገፍን ምስክርነትን ክፉታት ዝዀና ኣእዳው ይሃልኹም፡ … ንመንእሰያን ነቶም ኣብ ጸገምን መከራን ዝርከቡ ጽን በሉ ቀረባ ዅኑ። ብዙሕ ሕቶ ኣይተብዝሑ መንእሰይ ሕቶ ዘቕርበሉ ብዙሕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ቀረባኦም ኰይንኩም ጽን በልዎም። ናታትኩም ናይ ሕይወት ተመክሮ የድልዮም እዩ። ናይ እምነትኩም ሙቐት ኣመሓላልፉሎም። ናይ ኢየሱስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽን ናይ ዓለምን ኣእዳው ምዃንኩም ከይትርስዑ ሓደራ፡ …

ጐይታ ኢየሱ ኣብዚሑ ይባርኽኩም መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልባትኩም ሓዲሩ ኣእዳውኩም የጽንዕ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኪ ምስ ሃቡ፡ ክትርስዕዎ ዘይግብኣኩም ብቐዳምነት ኣእውዳ ምዃንኩም እዩ፡ ምስ መንእሰያት እትዝትዮም ንመንእሰያት ጽን እትብሉን ንር.ሊ.ጳጳሳት እትጽልዩን ኢኻትኩም ሓደራኹም እዘን ሰለስተ ተግባራት ከይትዝንግዑ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሰፒያ ሓቢረን።

 

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና እዚ ትከታተልዎ ዘለኹም ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ትግርይና እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቍምስና ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጀላዚዩስ ቀዳማዊ ሰዓት ሽድሽተ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ናይ ዕለቱ

ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ. 22, 1-2,9-13,15-18

መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕ. 8, 31-34

ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 9, 2-10

ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ኣብ ሰማያዊ ቤት ተመስሎ ተክለ ሰብነቱ የርእዮም፥ ዘደንቕን ዘንጸባርቕን ሰዓርን ምዃኑ የርእዮም። እዚ ቅድም ኣቢሉ ዘርእዮም ትርኢቱ ድማ ነቲ ሕማማትን ስቅያትን ክጻወሩ መታን እዩ። ነቲ ዕንቅፋት ዝዀነ መስቀል ከጻወሩ መታን፡ ስለምንታይ ንሳቶም ኢየሱስ ከም ሓደ ገበነይና ተሓሲቡ ክቕተል ጠሪሾም ዘይቅበልዎ ኩነት ብምዃኑ። ኢየሱስ ከምቶም ዘነጻንቱ ምድራውያን ሰዓርቲ ኣብ ምድራዊ ዓውደ ውግእ ገይሮም ስለ ዝሓስብዎ። ንኣኣቶም ሞት ኢየሱስ ኣብ መስቀል፡ ዕንቅፋት ስለ ዝዀነ እቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ሓድሽ ሕይወት ኣቐዲሙ ይገልጸሎም። … ኢየሱስ ነኸጋጥም ዝኽእል ፈተና ቀዲሙ የሰናድወና። ኣብ ጽንኩር እዋንን ኣብ እዋን ፈተና ንቕድሚት ክንብል ዘብቕዕ ሓይሊ ይህበና። ልክዕ ከምቲ ነቶም ሓዋርያቱ ዘሰናድዎም ከምኡ እውን ንዓና። ኣብ ፈተና ቀዲሙ ስንድዋት ይገብረናን ፈተና ኣብ ዘለሉ እዋን እውን ምሳና ይኸውን፡ ወትሩ ምሳና ምዃኑ የረጋግጸልና።

ኣብቲ እምባ ምስ ደየበ፡ እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንኣኡ ስምዕዎ እዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ንሓዋርያት ይመሓላልፍ። ስምዕዎ ይብለና። ምሉእ ብምሉእ ንኢየሱስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ምንባርን ንዓኡ ጽን ምባልን ንኣኡ ምስማዕ ይሓትት። ኣብ ሰናይ እዋንን ኣብ ጽንኵር እዋንን ክስማዕን ጽን ክበሃልን ዝግብኦ እዩ፡ …

ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ሓሳርን መከራን ፈተናን ምስ እንርከብ ኢየስሱ ብልዑል ሓይሉን ክብሩን ምሳና ህልው ምዃኑ ንዘክር። ኣብ ሉጥርጊያን ዕለታዊ ሕይወትናን ልባትናን ንሱ ዝዛረበና እምላኽ እዩ። ጽን ንበሎ። ድምጽን ኣስተንፍሶኡን ጽን ንበል። ከምዚ ምስ እንገብር፡ እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንኣኡ ስምዕዎ ዝብል ዘየጠራጥር ምዕዶ እግዚኣብሔር ጽን ንበል። ከምቲ ኣብ ቃና ዘገሊላ እውን ነቲ ማይ ናብ ወይኒ መታን ክቕየር ንኣኡ ነቲ ወዳ ምስማዕ ከምዘድሊ፡ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ ዝብል ናይ ኣደ ኣምላኽ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምዕዳን ንስማዕ። ንኣኡ ምስማዕን ንሱ ዝብለና ምግባርን  እቲ ርግጸይና መገዲ ዓወት እዩ። ብተዘክሮ ናይ ኢየሱስ ዘደንቕ ክብሪ ንቕድሚት ንበል፡ ንኣኡ ምስማዕን ንሱ ዝብሎ ምግባርን እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቸቺሊያ ሰፒያ ገሊጸን።

 

ቅዱስነቶም ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብታ ቁምስና ምስ ወጹ እታ ቤተ ክርስቲያን ብምእመናን የዕለቕሊቓ ስለ ዝነበረት ነቶም ኣብ ደገ ዝተፈርፉ ምእመናን ሰላምታኦም ምስ ኣቕረቡ፡ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ምድሪ ቍምስና ምኽፋት የድሊ። ነቲ ዘሎ ቁሪ ተጻዊርኩም ክሳብ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ተዓጊስኩም ቁሪ ከይበልኩም ብምጽባይኩም ብሓቂ አመስግን፡ ናይዚ ቍሪ ተመክሮ ስለ ዘለኩም ኣብቲ ቁርን ዛሕልን ዝተመልኤ ሰሜናዊ ዋልታ ከድኩም ቍምስና ክትከፍት እትኽእል ኢኹም ትመስሉ፡ ስለ ምምጻእኩም አመስግን እግዚኣብሔር ይባርኽኩም ምስ በሉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ሓደራ ኣብ ጸሎት ንዘኻኸር። ስለ ኩሎም ስለ ኣባይቲ ስድራን ስለ ዝኣምኑን ዘይኣምኑን ንጸልይ፡ ሓደራኹም ስለይ ምጽላይ  ከኣ ክይትርስዑ፡ የቐንየለይ ቢሎም ካብታ ቁምስና ከምእተሰናበቱ ሰፒያ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.