2018-02-24 16:54:00

ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም፡ ኣባ ካንታላመሳ፥ ዓለም ንምልዋጥ ገዛእ ርእስኻ ምልዋጥ


ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ክቡር ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ዕለት 23 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ ኣምላኽ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መእኽቲ ምዕ. 13 ፍቕዲ 14፥ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር ንዊንታኹም ከተርውዩ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ  እንክብሉ ኣብ ዘንበሮ ቃል ኣማእኪሎም ክርስቲያናዊ ቅድስና ኣብ ትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብሰፊሕ ዝትንትን ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ደቦራ ዶኒኒ ገሊጸን።

ክቡር ኣባ ካንታላመሳ ነቲ ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም ዓለም ንምልዋጥ ገዛእ ርእኻ ምልዋጥ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣርጊጾም እዚ ምልዋጥ’ዚ ኸኣ ምስቲ ናይዚ ዓለም ኣመለኻኽታ ገዛእ ርእኻ ኣይተመሳስል መለት እዩ ቢሎም፥  

ዓለም ዝብል ቃል ኣብ ክርስትና

ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝነበሮ ኣገባብ ናይ ዓለም ከይኰንካ ኣብ ዓለም ምዃን ዝሕብር እዩ። ስለምታይ ዓለም ንገዛእ ርእሱ ስርሕ ኢድ እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ ሰናይ እዩ ዝበሉ ኣባ ካንታላመሳ፡ ካብ ነዊሕ ዘመን ዝነቐለ ብዛዕባ ትርጉም ዓለም ኣብ ክርስትና ባህልን እምነት ምስ ጳውሎስ ደሓር እውን ወንጌላዊ ዮሓንስ ዓለም ብኸመይ ከምዝገልጽዎን ዝህብዎ ትርጉም እንክትንትኑ፥ ዓለም ግብረ ገባዊ ትርጉም ዘለዎ ኰይኑ ቀስ እናበለ ሓጢኣት ዝብል ትርጉም ከምእተውሃቦን እዚ ኸኣ እቶም ናይ ቀዳማይ ዘመን ማሕበረ ክርስቲያን ደሓር እውን ክሳብ ምፍጣር ቲዮሎጊያ ናይ ኢእግዚኣብሔራውነት ባህሊ (እምነትን ግብረ ገብን ካብ ባህሊ ዘወግድ) ህድማ ካብ ዓለምን ናብ ዓለም ምህዳምን ዝብሉ ክልተ ዓይነት ምዃናዊ ምንስቃሳት መሰረት ናብቲ መውጽኢ ናብ ዘይብሉ ዒንኪላሎ ክእተው ገይሩ እዩ።

ናብ ድኻታትን ስኡናትን ምባል ንገዛእ ርእሱ ካብ ዓለም ምፍላይ እዩ

ኣባ ካንታላመሳ እቲ ክንመስሎ ዘይግብኣና ዓለም እንታይ ዓይነት ዓለም ምዃኑ እንከረድኡ፥

እቲ ሓዲስ ኪዳን ከይንመስሎ ዘተሓሳስበና ዓለም እንታይ ዓይነት ዓለም እዩ? ብርግጽ እቲ ብእግዚኣሔር ልክዕ ከም ፍጥረት ኩሉን ዝተፈጥረ ዓለም ዝመልክት ኣይኰነን። ብሓቂ ናብዚ ፍጥረት ከነብል ብፍላይ ምስቶም ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ኣብ ስቓይ ንዝርኸቡ እንራኸበሉ ስፍራ ክኸውን እንከሎ ንዓለም ዘይምምሳል ማለት ከኣ ምስቲ ስቓይን ድኽነትን ተነጺልካ ምንባር ምስ ዝፈጥሮ ኩነት ዘይምሕዋስ ማለት እዩ፡ ናይ ዓለም ከይኵንካ ኣብ ዓለም። ናብቲ ስቓይን ሓሳርን ዘለሉ ብምባል ነቲ ዓለም ዘቅውም ንኣይነትን ኢጎነትን ምቅዋም ማለት እዩ።

እምነት ባይታ ዓውደ ውግእ እዩ

ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ዓለምን ውግእ ዝካየደሉ ስፍራ እምነት እዩ። ብሓደ ሸነኽ እቶም ተዓዛብያን ተመራመርቲ ስነ ፍጥረን እግዚኣብሔር ዘወግዱን ብኻልእ መዳይ ከኣ እቶም ካብቲ ምስጢርን ኢየሱስ ክርስቶን ነጺሎም እግዚኣብሔር ኣብ ውልቃዊ በዓል ቤታውነት ጥራሕ ዝሓጽሩ፡ ኵሉ ቅጽበታውን ተቐያያርን ከሳቴ ንዋም መርፍእ ዝወግእን መንፈሳዊ ሓይልታት ዝመጽይ ዓለም ዝነብሮ መንፈስ ኵሉ ምስ እምነት ኣብ ውግእ እዩ፡ ስለዚህ እምነት ባይታ ዓውደ ውግእ እዩ።

ትርኢት ዓለም ሓላፊ እዩ

ክርስቲያን ይብሉ ኣባ ካንታላመሳ፥ ምስ ዓለም ክመሳሰል ንዓለም ክመስል የብሉን ዝበሃል ዓለም ብገዛእ ርእሱን ኣብ ገዛእ ርእሱን ናይ ክፍኣት መንፈስ ወይ ውን ተጻባኢ መንፈስ እዩ ቢሎም ጵላጦሳውያን ከም ዝሓስብዎ ከምዝነበሩ ማለት ኣይኰነን። ናይ ዓለም ትርኢት ሓላፊ እዩ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝነበሩ ውሩያትን ተደነቕትን ሎሚ ኣበይ ኣለዉ? እቶም ናይ ሎሚ ውሩያት እውን ናብ ኣበይ ኣለዉ እዮም ዝመርሑ። ከምቲ ኢዮብ ዝብሎ ዕርቃነይ ካብ ከርሲ’ደይ ወጻእኩ ዕርቃነይ ድማ ካብዛ ዓለም እወጽእ። እዚ ሓቂ’ዚ ብዘይ ኣፋላላይ ዕጫ ናይ ኵሉ እዩ፡ ይሃልኻ ኣይሃልኻ ሓያል ኵን ሃብታም ኩን እቶም ብስልጣኖምን ብሃቶምን ዓለም ዘንቀጥቅጡ ናብ ኣበይ ኣለዉ ዝኣትዉ እያቶም።

ካብ ምስልን ሓሳብ ምጿም

ካብ ናይ ዓለም ስልጣን ሓሳብን ምጿም። ኣብዚ እዋን’ዚ ከይትሰብሕ ወይ ከይትረጉድ እናተባህለ እዩ ዝጽወም፡ ካብ ኩሉ ምስልታትን ሓሳባትን’ዚ ዓለም ብምጿም ነቲ ስቑል ኢየሱስ ምጥማትን ንሱ ሓሳብና ንግበር፡ ናብ መንበረ ቅድስተ ቅዱሳት ንበል፡ ምስ ዓለም ንኸይትሓልፍ ካብ ዓለም ምሕላፍ፡ እንክብሉ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጸም ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዶኒኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.