2018-02-22 16:49:00

ሻብዓይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጽምኢ ንምስታይ ምምሃር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ኣባላት ሓዋርያዊ ምሕደራ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕብራትን ጳጳሳውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ኩሪያ ሮማና ላዕለዎት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ብምኽንያታ ዓቢይ ጾም ዕለት 18 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ኣብ ዘሎ ቤት መለኮታዊ መምህር ዝጀመርዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ብምቕጻል ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ ደራስን ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ግጥምን ሊቅ ናይ ሊስቦና ሰበኻ  ካህን ፖርቱጋላዊ ኣባ ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶሳ ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጽምኢ ንምስታይ ምምሃር  ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሻብዓይ ኣስተንትኖ፥

         እቲ ኣብ ውሻጤና ንሕይወት ኣብ እግዚኣብሔር ዝጻረር ሰብኣዊ ድኻምነት ዘይኰነስ ትዕቢት እዩ

ብዝብል ሓሳብ እቲ ናይ ዕለት 21 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ስብከቶም ኣንቂሎም፥ ኢየሱስ ብኣታዓራቕነት ዝርከበሉ ስፍራ ኣብ ድኽነትናን ኣብቲ ኣብ ውሽጥና ንሕይወት ኣብ እግዚኣብሔር ዘሰናኽል ተኣፋፍነትና ዘይኰነስ ንቕጽናን ርእሰ ብቕዓታውነትናን ኩነት እዩ ስለዚህ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ጽምኢ ምምሃር የድልየና ቢሎም ኣብ ናይ ኢየሱስ ሕማማት - ስቅያት ኣተኵይሮም፥

ጉዕዞ ካብ መዓራርፎ ዝያዳ ይምህረና

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግሉልን ብሕታውነትን ከም ዝቖመ ሕንጻ ክትንጸል የብላን። ኣገባብን ኣካይዳን ኣረኣእያን ዝምረተላ ቦታ ክትከውን ዘይኰነስ ከም ገዓዚት ወይ ከኣ ከም ሰበኽ ሳግም ተጓዓዚት ናይቲ ቅዱስ ዓቃቢትን ሓዋርያን ክትከውን ይግብኣ። ነቶም ኢኣምንያን እውን ንናይ እምነት ሕይወት (ነቶም ኣብ እምነት ናይ ዝነብሩ ሕይወት) ብዘደንቕ ብሩህ መንፈስ ክጥምቱ ዘብቕዕ መንነት ዘለዋ ክትከውን ኣለዋ። እቲ ዓቢይ ስግኣት ኣንሕና ኰፍ ኢልና እቲ ጉዕዞ ካልኦት ክፍጽምዎ ጥንቃቔን ጻዕርን ምሕታት ዝብል እዩ። ስለዚህ ኮፋውነት መንፈሳውነትን ውሽጣዊ ልምሰት ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ።

ኣብ ጽምኢ ኩነት ጉዕዞ (መገዲ) ምምዕዳው

ከምቲ ጉስታቮ ጉተረዝ ኣብቲ፥ “ካብ ናይ ገዛእ ርእኻ ዔላ ምስታይ፡ ናይ ሓደ ሕዝቢ መንፈሳዊ ጉዕዞ”  ኣብ ዝብል ድርሰቱ መንፈሳውነት ከም ሓደ ማሕበራዊ ቅያ (ገድሊ) ምንባር የድሊ እንክብል ዝገለጾ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ምእንቲ’ዚ እቲ እንሰትየሉ ናይ ገዛእ ርእስና ዔላ ክበሃል እንከሎ ካብ ውዙብ (ዘይርጉጽ) መጻኢ ኵነታትናን ቀይድታትን ካብ ዝቖሰለት ሕይወት ‘ዔላ’ ምስታይ ማለት እዩ።

እቲ ናትናን ናይ ካልኦትን ሰብኣውነት ሓንጐፋይ ቢልና ንኽንቅበል እንደኽመሉ ኩነት እቲ ኢየሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ኣብ እንሓንጾ ምንዮታዊ ሚሳላውነት ዘይኵነስ ኣብቲ ጭቡጥ ኩነታትና  ብፍቕሪ ኣብራኹ ዓጺፉ ድንን ቢሉ ሓንጐፋይ ቢሉ ዝሓቖፎ ሰብኣውነት እዩ። ስሌና  ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ምስጢረ ትስብእት ስነ ርእየታዊ ሕይወት ኣይኰነን ዘቕርበልና

ፍጹም ሕይወት ዝብል ጽላለ ከነወግድ

ጽምኢ ብሓደ ሸነኽ የሰብእውን መንፈሳዊ ብስለት የስርጽን። ስለዚህ ዘይናቱ ሓሰታውያን ምስልታት ናይ ምድራብ ዝብል ዘይትኽክለይና ኣመል ብምስዓብ ህላዌነታዊ ትንተና ብምግባር ኣብ ጭቡጥ ኩነት ፍጹም ሕይወት ዝብል ጽላለ ምውጋድ የድሊ፡ ህልው ኩነት ከም ህልውነታውነቱ ምርኣይ፡ ቶማስ መርቶን ክርስቶስ ምስቲ ኣንሕና ኣባና ዘሎ ዘይነፍቅሮ ኩነታውነትና ገዛእ ርእሱ ኣመሳሲሉን ሓሳርነትናን ስቓይናን ናቱ ገበረ ይብል። ሓዋርያዊ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እምነት ከም ሓደ ስጊንጥራዊ ጥንሰ/ጽንሰ-ሓሳብ እንክምስክር፥ ምስ ዝደክም ሽዑ እየ ዝብርትዕ (2ቆር. 12,10 ተመል.) ይብል።

ንሕይወት ኣብ እግዚኣብሔር ኣባና እቲ ዓቢይ ዕንቅፋት ተኣፋፍነትና ወይ ተነቃፍነትና ድኻምነትና ዘይኰነስ ንቕጽናናን ድርቅናናን እዩ፡ ሰንኰፍነትን ውርደትን ዘይኰነስ ንሕይወት ብእግዚኣብሔር ዝዕንቅጽ ትዕቢትን ርእሰ ብቕዓትነታውነትን ርእሰ ምጽደቓንን ብሕትውነትን ዓመጽን ዓበድበድ ንስልጣን ዝብሉ ዝንባለታት እያቶም። ብሓቂ እቲ ዘድልየና ሓይልን ኣዚዩ ዘድልየና ጸጋ ናትና ዘይኰነስ ናይ ክርስቶስ እዩ።

እቶም ሰለስተ ፈተናታት ኣብ ምድረ በዳ

ጽን ንምባል ገዛእ ርእሳውነትና ስንድው እንተድኣ እንገብር ኰይንና ጽምኢ ክቡር ናይ ውሳጣዊ ሕይወት መምህር ይኸውን  ቢሎም ሰባኬ መንፈሳዊ ሱባኤ ኣባ ቶለንቲኖ ደ መንዶሳ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ንኢየሱስ ኣብ ምድረ በዳ ዘጋጠሞ ሰለስተ ፈተና ኣተኵይሮም፥ እታ ቀዳመይቲ ፈተና ዛዕባ እንገራ እትምልከት እያ፥ ኢየሱስ መግቢ ንሰብኣዊ ፍጡር መሰረታዊ ዘድልዮ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። ይዅን ደኣ እምበር ሰብ ብመግቢ ጥራሕ ዝነብር ዘይምዃኑ የዘኻኽርና። እቲ ኢየሱስ ዝህቦ መልሲ ኣንሕና ካብ ጭቡጥ ኵነት ንኽንሃድም ቢሉ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ሓደ ክፍሊ ምዃናውነትና ንመንፈስ ቦታ ዝህብ ክኸውን ከምዘለዎ ንኸተሓሳስበና ኢሉ እዩ። እቲ ካልኣይ ፈተና፥ ምስ ታሪኽ ሕዝቢ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ምስ ዝነበሮ ተመክሮኡ አተሓሒዞም ኣባ ቶለንቲኖ ደ መንዶሳ እንከረድኡ፥ ሕዝቢ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ምስ ጸምኤ ሙሴ ማይ ከስትዮ ይሓትቶ። ኣብ እግዚኣብሔር መታን ክንኣምንሲ ንጽምእና ዘርውይ ተኣምር ክንርኢ ንደሊ እንክብሉ ይሕትዎ። ኢየሱስ ግና፥ ጽሞናን ሕዱግነትን ርሱዕነትን ጽምኢን ጸሎት ገርና ንኸነቕርቦ የስተምህረና። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣምልኮ ጣዖት ዝብል ፈተና ምዃኑ ገሊጾም። ኢየሱስ ነዚ ፈተና’ዚ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንኣኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ” ብዝብል መልሲ የሰንፎ፡ ነዚ መልሲ እዚ ምስቲ ወንጌላው ማቴዎስ ዛዕባ ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ እንክዛረብ፥ ስልጣን ሰማይን ምድርን ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ ምስ ዝብል ኣብ ምዕ. 28 ፍቕዲ 18 ምስ ዝብል ቃል ኣተኣሳሲርካ ምንባብን ምርዳእን የድሊ ምስ በሉ፥

ናይ ኢየሱስ ስልጣን፥ ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእስኻ ከም መስዋዕቲ ምቕራብ ዝብል እዩ

ዲያብሎስ ክምለኽን ክስገድን ይደልይ፡ ይዅን ደኣ እምበር እቲ ናቱ ስልጣን ተምሳል ህልዎት ክኸውን እንከሎ እቲ ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ስልጣን ግና ናይቲ ናይ መስቀል ምስጢርን ናይቲ ናይ ገዛ ርእስኻ መስዋዕቲ ገርካ ናይ ምቕራብ እዚዩ ናይ ዝለዓለ መግለጺ ተወፋይነት ኣካል ወይ ከኣ ሓደ ክፍሊ እዩ። ናይ ስልጣን ፈተና ብንእሽተይ ወይ ከኣ ብዓቢይ ደረጃ እውን ከጓንፍ እንከሎ ዓቢይ ስግኣት እዩ። ስለዚ ስልጣን ካብ ናይ መስቀል ምስጢር ከርሕቀናን ካብ ኣገልግሎት ነሕዋት ከርሕቐና ዝኽእል ዓቢይ ስግኣት ዝዓቖረ እዩ። ስለዚህ ናይዚ ዓይነት ኣስጋኢ ስልጣን ጊልያ ንምዃን ገዝእ ርእስና ኣይንሕደግ፡ ነዚ ዓይነት ስልጣን እነኹልካ ኣይንበል። ማንም ጊልያ ከይገበርና“ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገደትን፡ ንኣኡ በይኑ ድማ ኣምልዀ”  ንኸነቕርብን ንኸነገልግል መታን ንኣኡ ምስጋናን ይኹኖ ዝበሉ ኣባ ቶለንቲኖ ደ መንዶሳ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ፡ ጓሶት (መጋብያን) እምበር ወነንትን ጐይቶትን ኣይንኹን እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.