2018-02-21 11:26:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ተኣፋፍነት ኣብ ምሉእ ኣካላዊ ዕብየት ዝበጽሔን (እኹል-ሰብ) ብዘይ መልሲ ዝተርፉ ስለምንታያውያን ሕቶታትን


ዕለት 4 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ምስ ናይ ኣባ ጁሳኒ ፍሉይ መንፈሳዊ ተውህቦ ምትእስሳር ዘለዎ ማሕበር ዝድገፉ 30 ሩመናውያን መንስያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ካብቲ እቶም መንእሰያት ቅድሚ እቲ ርክብ ኣብ ዘመሓላለፉሎም ሕቶ ኣማእኪሎም ዝለገስዎ ቃል ምዕዳን ዕለት 19 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ብቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓደ መንእሰይ፥ ዝወለደትኒ ኣደይ ስለምንታይ ነጺጋትንን ዘኽታም ኣብ መእለይ ዘኽታማት ተዓቝይበን ዓቢየን ልክዕ 21 ዓመት ዕድመ ምስ መላእኩ ረኺበያን ይዅን ደኣ እምበር እቲ ርክብና ኣይጠቐመንን ብተርእየኒ ዝነበረት ዘይግሩም ባህርያት ምኽንያት ድማ መሊሰ ክርሕቕ ተገደድኩ ክብል ቅዱስ ኣቦና ዝቐረበሎም ሕቶ ዘኪሮም ነዛ ሕቶ ምስ ኣንበቡ የዕንቶም ንብዓቅ ከምዝቛጸራ ዘኪሮም፡ እዚ ገበን እዩ ኣይገበንን ናይ ዝብል ግብረ ገባዊ ፍርዲ ዝምልከት ሕቶ ኣይኰነን ናይ ማንም ገበን ከኣ ኣይኰነን። ናይቲ እዅል ወለዶ ተነቃፍነት እዩ ዘመላኽት፡ ብዙሕ ሓሳርን መከራን ማእለያ ዘይብሉ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ንብዙሓት ንኡሳንን ድኻታትን ዝድቁስን፡ ክትግምቶ ዘይትኽእል ድኽነት ኣብ መንፈሳውነትን እቲ ዘጋጥም ዘይሰብኣዊ ኩነት ናይዚ ኵሉ ውጽኢት ምዃኑ ምስ ገለጹ፡

ኣደኻ ተፍቅረካ እያ፡ እቲ ንኣኻ ዘለዋ ፍቕሪ ከመይ ከምትገልጾ እዩ ዝተሳእና፡ ክትልገጾ ዘይምኽኣላ ናብራ ስለ ዝጸቐጣን ዓቕን ሕይወት ዘይብሉ ኣጋጥሚ ስለ ዘሳቕያ እዩ። ሓደ መዓልቲ ኣናታዊ ፍቕራ ክትገልጸልካ መታን ጸሎተይ አረጋግጸልና፡ ተጠራጣሪ ኣይትኹን ተስፋ ይሃልኻ

ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ እትነብርዎ ስቓይ እግዚኣብሔር ናይ ፈውሲ ሑቓፌኡ የቕርበልኩም

ኣብ ምፍቃር ምጉዳል ጥራሕ ዘይኰነ ብዙሓት ወለዲ እውን ነቶም ብዝተፈላለየ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ጥቑዓት ኰይኖም ንዝውለዱ ዘይኰነስ ነቶም ጥዑያት ኰይኖም ዝውለዱ ጥራሕ ዘፍቅሩ ወለዲ እውን ኣለዉ፡ እዚ እውን ተነቃፍነት እዅል ወለዶ (ወለዲ) ዘመልክት እዩ። ስለምንታይ ነቶም ጉዱኣት ውላድ ዘጓንፍዎም ስድራ ቤት ሓገዝ ስለ ዘይቀርብን ተነቃፍነቶም ከሰንፉ ቀሪቡ ኣጆኻ ዝብል ዘበራትዕን ቃል ዘቕርብ ዓርኪ ወይ መሓዛ ስለ ዝጐድሎምን እዩ፡ ሕይወት ተነቀፍቲ ወለዲ ዝዓደለትካ ኣይትውቀስ፡ ንስኻ ተነቃፊ ዘይምዃንካ ነቶም ነተቀፍቲ ወለድኻ ክትሕግዝ መታን ንእግዚኣብሔር ከተመስግን እዩ ዝግብኣካ።

ካብ ሓደ መንእሰይ፥ ከምዚ ዓይነት ዝተሓላለኸ ጽሕፍቶ ስለምንታይ ንኣና? ዝብል ተላኢኹሎም ዝነበረ ሕቶ ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና፥

ኣንሕና ክንጥምትን ክስምዓናን ክንሳቐን እሞ ክንነብዕን ንኽእል፡ መልሱ ግና እግዚኣብሔር እዩ። ኣብ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ንኢየሱስ፥ እቲ ሰብ ዓይነ ስዉር ኰይኑ ምውላዱ ናይ መን መደል እዩ እንክብሉ ዘቕርቡሉ ሕቶ ነንብብ፡ ኢየሱስ ግን ገበን ኣይገበንን ከየብለ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ድኣ እዩ እምበር ንሱ ኾነ ወለዱ ኣይበደሉን እንክብሉ ይምልሸሎም። ገና ካብ ምውላድና ንዘጓንፈና ዘይዕዱል ኩነት እግዚኣብሔር ይፍውሶ እዩ። እዝ ድማ ንስኻትኩም ዝተመከርክምዎ ሓቂ እዩ። ሰለምንታያዊ ሕቶና ኣብ መጀመሪያ ዘይኰነ ኣብ ድሓር መልሲ ንረኽበሉ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ክንስራሕን ክንመሓደርን ገዛእ ርእስና ንሕደግ

ካብ ዝተላእከሎም ሕቶ ውሽጢ ካብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ወጻና ከይጸናሕና መሊስና ንጋገን ንእብስን ምስ ብጾትና መሓዙትናን ንተናዀልን ንቀያየምን እንተድኣ ኰይንና ስለምንታይ ቤተ ክርስቲያን ምኻድ የድሊ ዝብል ሓንቲ መንእሰይ ዝለኣኸትሎም ሕቶ ጠቒሶም፥

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ምዃንና ኢና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንቐርብ። ብዘይ ከማመት - ጉልባብን ምስ ሓጢኣትና ኢና እንቐርብ፡ ኣነ ሓጢኣተይና እየ ንስኻ ግና ጐይታይ ተፍቅረኒ ኢኻ። እዚ እንፍጽም እንተድኣ ኰይንና ምሕረተ ኢየሱስ ጽጉዋት ኰይና ናብ ቤትና ንምለስ። ልብና ዝሰርሕ እምላክ እዩ፡ ፍቕሪ ነቲ ንኣይነትናንን ኢጐነትናን ይትክእ፡ ምልዋጥ ጉዕዞ እዩ

ሓደ መንእሰይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ይኸውን ኣብ ሮማኒይ ናይ ኦርቶዶክስ ካህን ካብ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዮ ዓርኩ ብሓጢኣቱ እዩ ሞይቱ ክብሉ ዝገለጽዎ ዘኪሩ፡  ቅዱስ ኣቦና እዚ ዓርከይ መንግስተ ሰማያት ይወርስ ዶ ይኸውን እንክብል ዘመሓላለፈሎም ሕቶ ዘኪሮም፥

እግዚኣብሔር ንዅላትና ናብ መንግስተ ሰማያት ክእትወና እዩ ዝደልይ። ወትሩ ነታ ዝጠፍኤት በግዕ ዘናድይ ኣቦ። በታ ዝጠፍኤት በግዕ ዝስንብድ ዘይኰነስ ዘናድይ ኣቦ እዩ። ምስ ረኸበና ብተነቃፍነትናን ተኣፋፍነትና ብሓጢኣትና ዘይነጽገናን ዘይስንብድን ኣቦ እዩ። ብሕይወትን ብዅልን ሕዱጋት እውን እተመሰልናን እንተዀንና ንሱ ይሓቝፈናን ይስዕመናን፡

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና እቲ ብንኡስ ዕድሜኡ ብዴኡ ዝተሓድገ መንእሰይ ዘኪሮም፡ እታ ውላዳ ከተዘኽትም ዝተገደት ንበይና ዝተሓድገት ኣብ ጽምዋ ንዘላ ኣደ ከጸናንዕ እፈቱ።

ንእግዚኣብሔር ምቕራብን ምውካፍን ሓጋዚ እዩ። ኣብ ጽንኩር እዋን፡ ገዛእ ርእስኻን እቲ ምኽንያት ጽንኩር እዋን ንእግዚኣብሔር ኣሕሊፍካ ምሃብ ዓቢይ ሓገዝ እዩ። ኢየሱስ ሓዳስ ስድራ ቤት ከቕውም እዩ ዝመጸ እሞ ኣብ ማሕበረ ክርስቲያን ሓድሽ መሰነይ ክትረክብ ፈትን። እቲ ናይ ኢየሱስ ስድራ ቤት ቤት ንዅላትና እዩ፡ ንማንም ዘይንጽል፡ ኩሉ ሓውን ሓፍትን ዝዀነሉ፡ ደቂ ሰማያዊ ኣቦን ደቂ እታ ኢየሱስ ዝዓደለትና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እንዀነሉ፡

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳኖም እንከጠቓልሉ፡ ነታ ነዚ ርክብ ብርእሰ ተበግሶ ንምድላው ዝተንቀሳቐሰት ተወላዲት ሮማኒያ ኣብ ጽላል መንፈሳዊ ህያብ ኣባ ጁሳኒ ዝዓበየት መሓዛ ማሕበር ወለንተይናታት ሓልዮ ምዕባለ ሲሞና ካርቦነ ኣመስጊኖም ነቶም መንእሰያት ኵሎም፥

ኣብ ጸሎተይ ህልዋት ኡኻትኩም። ኣብ ጸሎተይ ከምዘቕርበኩም ከረጋግጸልኩም እፈቱ፡ ንስኻትኩም እውን ሓደራ ጸሎትኩም ብዙሕ የድልየኒ እዩ እሞ ስለይ ጸልዩ

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.