2018-02-21 11:22:00

ሳልሳይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶምን


ዕለት 19 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ናይ ሳልሳይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፥ ኦ ጐይታይ ጽምአይ ኣብእሶ ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰየነ ምንባሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ግሪሰልዳ ሙቷል እንክሕብራ፡ኣባ ቶለንቲናኖ ጽምእናን ምድረ በዳነትና ኣብ ምፍላጥና ክንፈርሕ የብልናን፡ ይዅን ደኣ እምበር መንፈሳዊ ጽምእና ከመይ ገይርና ኢና እነለልይ? ከመይ ገርና ኢና ኸ እንዕቅኖ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም። እቲ ውዳሴ ንጽምኢ ብዝብል ዋና ኣርእስቲ ገይሮም ዘቕርብዎ ዘለዎ ኣስተንትኖ ካልኣይ መዓልቲ ሱባኤ ሳልሳይ ኣስተምህሮ እንከቕርቡ፡ ጽሙእ እንከለኻ ምጽማእካ ዘይምልላይ ከጋጥም ይኽእል። ኩሉ ወሓዛይ ይመስለካ፡ ብጥልቂ ምስ እንርእይ ግና ጌጋ ምዃኑ ነስተውዕል። …. መንፈሳዊ ጽምእና ከመይ ገርና ኢና እንዕቅኖ?

እምነትና ምሒር ኣይነእምሮ

ካብ ናይ ህልውናን ምፍታውን ኣእማኒ ጉዳያት ነቒልና ነቲ ናይ እምነት ተኣማኒ ርትዓዊ ኣዚዩ ማራኺ ምዃኑ ነለልይ። ስለዚህ ካብ ስምዒታዊ መርትዖ ኣብ ርትዓውነት ንግደስ። ከምዚ ብምዃኑ ኸኣ ብዙሕ እዋን ንስምዒታውንትና ዕሽሽ ንብል። ምእንቲ’ዚ ንኩለንተናውነትና ኣቃልቦ ክንገር ይግብኣና። ብብስለት ምሉእነትና ኵለንተናውነትና ምጥማት የድሊ። እግዚኣብሔር ከይገማምዔ ምሉእነትና/ኵለንተናውነትና እዩ ዝምልከት። ናይቲ ናይ ስምዒትን ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ብምሉእ ነቲ ብመስተብሃልነትና ዘኻዕበትናዮ ኩሉ ሕውስዋስ ኢና፥ እግዚኣብሔር ከይገማምዔ ነዚነትና የፍቅር፡ ብምልኣት እዩ ዘፍቅረና።

ናይ እምነትና ጥዕና ከመይ ገይርና ኢና እነመሳኽሮ

ዘሎና ጽምኢ ካብ ምንባባት ነቒልና ክንግምግሞ ንኽእል። ስለምንታይ ስነ ጽሑፋትን ምንባባትን ናይ ምሉእ ሕይወትን ናይቲ ዝተፈላለለየ ጽፍሕታት ሕይወት ውስጠዘ እዩ። ሸቶኡ ድማ ምሉእነት እምበር ንሓደ ጐድኒ ነጺሉ ዝምልከት ኣይኰነን። መንፈሳዊ ሕይወት ንሕይወት ብምሉእነት ዝምልከት እዩ። ንጭቡጥ ኩነት ዝሓልፍ መንፈሳዊ ሕይወት ወይ ርእየተ ዓለማዊ ሕይወት ወይ ከኣ ንጭቡጥ ኩነት ዝሰግር ኣብ ሓሳባዊ ፍጹምነት ደውታ ዝብል ኣይኰነን።

ኣነን ንሕናን ሓባራውነት ጸጋን ሓጥእያትን ርክብን ብሕትውናን ስቓይን ድሕነትን …. መንፈሳዊ ሕይወት ኣብ ናጽላ ነፍሲ ወከፍ በዓልቤታዊ ዝተሰርተ እዩ።

ጽምአይ ኣስተውዓልኩ

ብራዚሊያዊት ጸሓፍት ክላሪሰ ሊስፐክቶር፥ ናይ ዝውሰን ርእሰ ታሪኽ ሓይሊ ከተዘንትው፡ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሎ ናይ ነጻነት ጽምኢ ትገልጽ፡ ብዛዕባ ጽምኢ ምዝራብ ብዛዕባ ጭቡጥ ህልውና ምዝራብ እዩ ዝኸውን። … ምዃናዊ ጽምእና ምቕባል የሸግረና። ይዅን ደኣ እምበር ዘሎና ጽምኢ ዘይህልው ጌርና ምንባር ኣይከኣለናን እዩ። .. . ማይ ህይወት ንምቕባል ጽምኣትካ ምቕባልን ምፍላጥን የድሊ። … ማይ ምግላጽን ብስነ ቀመማዊ ምርምር ምትንታኑ ይከኣል። ጽምእኻ ኣለሊኻን ስም ሂብካ ፈላሊኻ ክትርድኦ ግና የጸግም።

ጽምእኻ ምትንታን

ጽምኣትካ (ጽምእኻ) ጽን ምባል ማለት፡ ነቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ባህጊ ምትንታን ማለት እዩ። ፈላስፋ ጵላጦስ ኣብቲ እኩብ ጽሑፋቱ፥ ድላይ ወይ ባህጊ ከም ስእነት (ጉድለት) እምበር ግድነት - ኣድላይነት (ናይ ግድን) ኣይኰነ ቢሉ ይገልጾ። ስለዚህ ባህጊ ናይ ሓደ ተራ ዘይረወየ ባህጊ ወይ ድለየት ምልክታ እዩ፡ እዚ ድልየት እምበኣር ናይ ኢትእላው ካልእነት መግለጺ እዩ፡ ንገዛ እርእሳውነት ስገር ዝኾነ ከም ግድን ወይ ከም ፍጻሜ ዘይግለጽ።

ፈረንሳዊት ደራሲትን ፈላስፋን ሰቂለህሊናዊት ሲሞን ዋይል፥ ነቲ ናይ ጵላጦስ ትንተና ዛዕባ ጽምኢ ብሰቂለህልና ክትምልከቶ እንከላ፥ ባህጊ ወይ ድላይ ናብቲ ልዑልን ናብቲ መለኮታውነትን ዘመስርቕ ሓይሊ ዝዓቖረ እዩ ቢላ ትገልጾ፡ … ስለዚ ንሳ ከምእትብሎ ናብ እግዚኣብሔር ባህግና ሃረርታና ዘይኰነ ጽሙኣትን በሃግትን ኰይና እንተድኣ ተሪፍና ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ ዝበጽሓና። ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ ንሰብኣውነትና ንኽራኸብMምስ ንባህግናን ንኽኽውን ዝመጽእን ዝወርድን፡

ፈላስፋ ሄግል፥ ሰብኣዊ ባህጊ ወይ ድልየት ናይ ምፍላጥ ባህጊ መግለጺ ምዃኑ እንክሕብር ናብ ካልእ ዘብል፡ መግለጺ ናብ ካልእ ምባል እዩ ቢሉ ይትንትኖ። ናይ ምፍቓር ትዕዛበን ክንክንን ተደላይን ተፈላጥነትን ድላይን ምዃኑ የብርህ። ብዙሕ እዋን ኣንሕና ግና ንባህግናን ምድላይናን ኣብ ግኡዝነት ንኸንዕርፎ ንደልይ። ነገራት ንምውናን ንንቀሳቐስ። ነቲ ሓቀይና ባህጊ ዘይኰነ ኣብ ማዕርጋትን ስሜትን ሽልማትን ከነዕርፎ ንደልይ። እዋናዊ ስርዓት ርእሰ - ማልነት ኣብ ኣሕላኽነት ድላያት የዕርፍ። ይኹን ደኣ እምበር ብዝገደደ ጽምኣትና እዩ ዘበራብርን ዘበርትዕን፡ …. ዕጋበት ባህጊ ኣብ ነገራውነት ብባህጊ ንምስቓይ ምኽንያት ይኸውን።

… ኣብ ባህልናን ኣብ ኣባይቲ ክርስቲያናን ዝቕባበ ባህጊ ሰፊሑ ኣሎ። ኣብ በህጊ ማሕበረሰብ ዝተጠመቕና ዲና? ማሕበረ ክርስቲያን ሕልሚ ኣለዎ ዶ? ቤተ ክርስቲያን ጽምእን ጥምየን ፍትሒ ኣለዋ ዶ? ኣብ ቅድሚ እቲ ናብ ኩሉ ምብጻሕ ዝብል ናይ ልኡክነት ሕልሚ ገዛእ ርእስና ከመይ ነንብር ዝበሉ ኣባ ቶለንቲኖ ነዚ ሓሳብ’ዚ ምስታ ወጌላዊ ሓሴተ ዘርእስታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣተሓሒዞም ነቲ ናይ ተልእኾ ወይ ናብ-ነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ማእከል ክኸውን የተሓሳስቡ ምስ በሉ እጅጌና ዓጺፍና ናብ ክንብል ወይ ከኣ ኣእዳውና ዘጣመርና ኢና?

ምጽማእ ንእግዚኣብሔር (እግዚኣብሔር ምጽማእ)

ኣብ መወዳእታ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 42፥

        እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ ኣነ ኸኣ ኦ ኣምላኽ ንኣኻ እናቕ ኣሎኹ

እዚ ፍቕዲ መዝሙረ ዳዊት’ዚ ንድላይ ኣብ ኣካላዊ ርሕቀት የዝርግሕ፡ ክርስትያን ብፍላይ መጋብያን (ጓሶት) ሃረርታ ድላይ ወይ ባህጊ ናይ ተጸባይነት (ለማንነት) ኩነት ተመክሮ ምዃኑ ከለልዩን። ኣማኒ ናይ ምሕረት ለማኒ ምዃንካ ምፍላጥ። ደላይነት ካብ ቅድሚ እቱ ዅሉ ፍልጠንናን ምርመራናን ጽኑዕ ተእሚናትና ካብቲ ናይ ኣተሓሳስባና ምልካውነት ዘላቕቐና እዩ። ደላይነት ምዃናውነትና ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዕጽው ናብ ምዃን ኣየበርትዕን እዩ። ኣብ ቅድሚ ካልእነትን ካለእን ፊት የንብረና፡ ንሰገር ገዛእ ርእሳውነት ይድርኽ … ደላይነት ወይ ባህጊ (ሃረርታ) ናብ እግዚኣብሔ ዝመርሓና ቡሶላ እዩ። … ዝነበርክዎ ዝኾንክዎ ዝገልጽ ዘይኰነስ፡ ኣባይ እግዚኣብሔር ምድላይ ዘበራብር ዕቑር ሓይሊ ናብ እግዚኣብሔርነት እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ከምዘዘኻኽርዎ፥ እቲ ዓቢይ ፈተና ርእሰ ብቑዕነትን ርእሰ ተወካስነትን እዩ። እዚ ፈተና’ዚ ሕይወት የታኽስ። ምቹእነት ክመስል ይኽእል፡ ኣብ ግብረ ገባዊ ሸውሃተ ኣልቦነት ይንውንው፡ ነቶም ኣብ መትንታና ኣትዪም ከም መግቢ ሕይወት ዝህቡና ንናይ እግዚኣብሔ ጸጋን ኣሕዋትን ኣሓትን ሸውሃት ኣልቦ ንኸውን ቢሎም ኣባ ቶለንቲኖ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፥

ኦ ጐይታ ጽምአይ ጸሎት ክገብሮ ጽምአይ ክጽልይ ሓግዘኒ፡ ጽምኤይ ካባይ ንኸይጠፍንእ ንኸይድለዝን ሓግዘኒ። ጽምአይ ዘይፈልጠሉን ንኣኻ ምጽማእ ምዃኑን ንኽፈልጥ ጽምአይ ክብ ኣብል ብዝብል ጸሎት ከምዝጠቓለሉ  ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ግሪሰልዳ ሙቷል ገሊጸን።   








All the contents on this site are copyrighted ©.