2018-02-19 16:46:00

ቀዳማይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶምን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ኣባላት ሓዋርያዊ ምሕደራ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕብራትን  ላዕለዋዎ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ኩሪያ ሮማና ብምኽንያታ ዓቢይ ጾም ዘካይድዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ዕለት 18 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ኣብ ዘሎ ቤት መለኮታዊ መምህር ከምእተጀመረ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

እቶም ብቕዱስ ኣቦና ነዚ ሱባኤ ሰባኬ ንኽዀኑ ዝተሓርዩ 53 ዓመት ዝዕድሜኦም ተወላዲ ፖርቱጋል ናይ ሰበኻ ሊስቦና ካህን ኣብ ሊስቦና ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ምኽትል ዋና ኣመሓዳርን ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣባልን ደራስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ኣባ ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶዛ ክዀኑ እንከለዉ፡ ቅዱስነቶም ምስ ኵሪያ ሮማና ማለት ምስ መላእ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ተሰንዮም ዕለት 18 ለካቲት ኣብ ኣሪቻ ኣብ ዝርከብ ቤተ መለኰታዊ መምህር ከምዝኣተዉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቦሶሎ ኣስዒቦም ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም፥ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 4 ብዛዕባ ርክብ ኢየሱስ ምስ ሓንቲ ሳምንራዊት ሰበይትን ኣብ ጥቃ ዔላ ያዕቆብ ዘሎ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ቃለ ኣስተንትኖ እንከቕርቡ፥

ኢየሱስ ኣብ ጥቃ ዔላ ያዕቆብ ኮፍ ኢሉ ነታ ካብቲ ዔላ ማይ ክትቐድሕ ዝመጸት ሳምራዊት ማይ ኮታ ኣስትይኒ እንክብል ይሓትታ፡ ሓደ ኣይሁዳዊ ምስ ንሓንቲ ሳምራዊት ከመይ ቢሉ እዩ ዝዛረብ፡ ኣብ መንጐ ኣይሁድን ሳማሪያን ሰናይ ርክብ ዘይነበረ ክነሱ ከመይ ቢሉ ምስኣ ክዛረብ ጥራሕ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ እውን ዝስተይ ማይ ግዳ ሃብኒ እንክብል እውን ዝሓታ? ኢየሱስ ሎሚ ንኣና ዘሎካ ሃበኒ፡ ልብኻ ክፈት፡ ንስኻነትካ ሃበኒ ይብለና ኣሎ፡

ብዝብል ቃል ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም ዘጀመሩ ናይዚ ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ዋና ርእሰ ጉዳይ ዘብርሁ ኣባ ታለንቲኖ ዕልት 17 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ቅዱስ ኣቦና ንኹሉ ዝትንክፉ ነቢያዊ ትብዓት ዘለዎም ማንም ኣብ ሸለልተይናነት ዘይሓድግ ዓቢይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ እንነብረሉ ዓለም ነቢይ እዮም ዘብሎም እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ጽምኢ ብምልላይ ዝዛረቡ ምዃኖ ሓደ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ኰይኑ ኣብ ጽምኢ ዘማእከለ ከምዝኸውን ገሊጾም ናይ 2018 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ንናይ ኵርያ ሮማና መንፈሳዊ ሱባኤ ሰባኬ ንኽዀኖ ብቕዱስ ኣቦና ምስ ተሓርዩ ብትሕትና መንፈስ ከምኡ እውን ነዚ ሓላፍነት’ዚ ብመንፈስ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ከምእተቐበልዎ ገሊጾም ከምዝነበሩ ይዝኸር።  

ናይዚ መንፈሳዊ ሱባኤ መርሕ ኣስተንትኖ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሓረይዎ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ምጽማእ ንእግዚኣብሔር ዘማእከለ ከምዝኸውንን። ነቲ ኣብ ምዃንና ዘሎ ናይ ጽምኢ ውዳሴ፡ ናይ ምድናቕ መንፈስ ተመሃራይነት ጽምኢ፡ ናይ ስነ ምርምር ጽምኢ፡ ብባህርዩ ሰብ ጽሙእ ምዃኑን፡ ጽምኢ ዘይህላወነት፡ ናይ ኢየሱስ ጽምኢ። ጽምኢ ዝትርኽ ንብዓት፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጽምኢ ምስታይ፡ ጽሙእ ዝሰትይ ናይ ምርዋይ ሃረርታ ኣለዎ፡ ኣብ ጽምኢ ናይ ምርዋይ ሃረርታ ኣሎ። ናይ ባህጊ ኵነታት፡ ናይ ህልውናን ካብቢያውን ደጋዊ ክፍሊ ጽምኢ ጽን ምባል፡ ጽምኢ ብፅዕናን ዝብል ኣብ ምዃናዊ ሰብኣዊ ፍጡሩ ዘሎ እውነተይና ጽምኢ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ከምዝኾነ ዘዘኻኸሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም ይብሉ፥ ናይቲ ሱባኤ ዋና ርእሰ ጉዳይ፥ ውዳሴ ንጽምኢ ዝብል ኰይኑ ናይቲ ኣስተንቶ መእተዊ፥ ተልመዴን (ተምሃራይ) ምድናቕ (ምግራም) ዝብል ክኸውን እንከሎ፥ ነዚ ሓሳብ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 5-24 ንዘሎ ቃል ወንጌል ኣሞርኵይዞም እንክትንትኑ፥

ናብቲ ዔላ ጸሚእና ክንሰትይ ዝኸድና ንሕና እንከለና ኢየሱስ ዝስተይ ምሃብካኒ እንክብል ዘቕርቦ ሕቶ ኣባና ድንጻወን ስንባዴን ይፈጥር። ከምእንፈልጦ ጽምኢ፡ ድኻምን መሰረታዊ ኣድላይነት ሰብኣዊ እዩ። ኢየሱስ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ኣብቲ ከባቢ ደኺሙ ኣብ ጥቓ ዔላ ያዕቆብ የዕርፍ። እቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ምስኡ ከዕርፉ ዝተቐመጡ ኵሎም ድኻታትን ስኡናትን እያቶም ዝነበሩ። ኢየሱስ እውን ከምኣቶም ኵሉ ሰብኣዊ ድኻም ተመክሮ ይገብር፡ ኣብዚ ከኣ ሰብ ንእግብዚኣብሔር ዝልምን ምዃኑ ጥራሕ ዘይኰነስ እግዚኣብሔር እውን ንሰብ ዝልምን ምዃኑ ነስተውዕል። እቲ ማይ ሕይወት ዝህብ ኣምላኽ ዝስተይ ማይ ግዳ ሃበኒ ይብል።

ብድኻምነቱ ከናድየና መጸ፥ ኢየሱስ ምስ ድኻምነቱ ከናድየና መጸ። ናብቲ ደልሃመትን ጽሉም ናይ ተነቃፍነትና መግለጺ ዝዀነ ሰብኣዊ ኩነትና ወሪዱን እቲ ተነቃፍነነት ሰብኣውነትና ናቱ ገይሩ ጽምእና ናቱ ገይሩ ከናድየና ይመጽእ። እዚ ናይ ኢየሱስ ጽምኢ ከምቲ ልሙድ ማይ ንምስታይ ኣብ ምዃንና ካብ ዘሎ መሰረታዊ ድላይ ዝነቐለ ጥራሕ ዘይኰነ፡  ካብኡ ንላዕሊ ዝዀነ ጽምኢ እዩ ዝዛረብ። ምስ ኣቝሳልና ክራኸብ ይመጽእ። ማይ ኰታ ኣስትየኒ እንክብል ንነፍሲ ወከፍና ይሓትተና ኣሎ፡ እቲ ዝሓትቶ ዘሎ ማይ ንህቦ ዶ? ንሓድ ሕድና እዚ ማይ’ዚ ንወሃሃብ ዶ? ዝብል ሕቶ ዘቕረቡ ኣባ ቶለንቲኖ፥

ንምርኻብና ቀዲሙ ናባና ጽመጽእ ደላዪና ባዕሉ ጐይታ እዩ። ክራኸበና ቀዲሙ ናባና ዝነቅል ጐይታ እዩ። ጅማረን ተበግሶን ካብኡ እዩ፡ እቲ ኣባና ዘሎ ባህጊ ዓቢይ እኳ እንተዀነ ካብ ምርዋይ ዘይሓልፍ እዩ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ባህጊ እዚዩ ዓቢይን ጥልቅን እዩ ምሉእ ርወየት እዩ። ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት ብዛዕባ ሕይወታ ሓቂ ኵሉ ይነግራ፡ እዚ ግን ከሕፍራን ከዋርዳን ቢሉ ዘይኰነስ እንታይ ደኣ ከም እተረኸበትን ብጸጋ ከምእተበጽሔትን ብናይ ጐይታ ሓቂ ናጻ ከምዝወጸት ንምርግጋጽ እዩ። ኵለንተናውነት ዘርውይ ማይ ሕይወት።

ኣብዚ ከምዘሎና እግዚኣብሔር ይፈልጦ እዩ፡ ኣብ ሕቝፍኡ ከኣ የንብረና፥ ብኣኡ ከምእተሓቖፍና ይሰመዓና። ኣብዚ ምህላውና ጐይታ ይፈልጥ እዩ። ኣብዘን ዝቕጽላ ናይ ሱባኤ መዓልታት፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕይወት ክኡልን ዝከኣልን መታን ክኸውን ነዚ ዘብቅዓና ጸጋ መታን ክንመሃር፡ ምምሃርና ናብ ዘይምማርና ንለውጦ፡ ምሁር እየ ዝብል ንኽመሃር ቅድመ ኩነት የብሉን እሞ ንምምሃርና ናብ ዘይምምሃርን ለዊጥና ሕይወት ኣብ ውሽጥና ክኡል ዘኽውን ጸጋ ክነለልይ ስንዱዋት ንኹን። ኣብ ውስጠ ውሳጤና ንጐይታ ነእንግድ፥ ኣብቲ ዝዀነ ይዅነ ነገር ኣብ ዘይምጽባይ ኰነ ኣብ ፊትካ እርከብ ንበሎ፡ ካልእ ምንም ነገር ዘይኰነ ንኣኻ ኣብ ምጽባይ ኵነት ኣብዚ ኣብ ፊትካ እርከብ። ነቲ ንስኻ እትህበኒ ንምቕባል ኣብ ቅድሜኻ እርከብ ንበሎ ከምዝበሉ ናይቲ ኣስተንትኖ ጽማሬ ዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ዲ ቦሶሎ ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.