2018-02-17 17:33:00

ሰንበት ዘቅድስት ዘጾም ፵ የካቲት 11-2010 ዓ.ም. (2/18/2018)


መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ. ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበት ነኽብር”።

ንባባት፡፪ቆሮ 5:20- 6፡2፥ ፩ጴጥ 1፡13-ፍ፥ ግ.ሓ.10፡17-30፥ ማቴ 5:17-37  ስብከት፡ “እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ” “እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ” መዝ። 96፡5።

መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበት ነኽብር” እናበለ ሕይወትና ምስ አምላኽን ሰብን ክህልዎን ክሕዞን ዝግብኦ መገዲ የዘኻኽረና። ጉዳይ ሰማይ ተነቃፊ ብቐሊል ዘይመልክዑ ክነልብሶ ስለ እንኽእል ዓቢ ምስትውዓል ከም ዘድልየና የዘኻኽረና። ንአምላኽ ክነገልግል፥ ሰበኽቲ ወንጌል ክንከውን፥ አብ ሕይወትና ቅድስና ለቢስና ክነብር፥ ካብ ኩሉ ዝጓነፈና ፈተና በርቲዕና እምነትና ክነጽንዕ፥ ኵሉ ጊዜ ዕጡቓትን ስንድዋትን ኮና ሕይወትና ክንመርሕ፥ መወዳእታና ምስ አምላኽ ምንባር ምዃና ክነስተውዕል፥ ንብጻይና ከም ርእስና እናፍቀርና ክነብር፥ ብዕለተ ሰንበት አብ መአዲ ክርስቶስ ተሳተፍቲ ክንከውን ከም ዘሎና ዘዘኻክር ፍሉይ መዝሙር ኢና ዘሚርና።

አብ ጊዜ ጾም ፵ ፍሉይ ጸሎት አስተንትኖ ተጋድሎ ክንገብር ቤተ ክርስትያን ተዘኻኽረና። ጾም ፵ “ቅድስት” እውን ይብሃል እዩ። እንጅምሮ ዘሎና እዋን ናይ ንስሓን ዕርቅን ሕድገት ኃጢአትን እዩ፥ አብ አምላኽ ተመሊስና ፍቕሩን ጸግኡን ክነስተማቕር አብ መንጎና ንዘሎ ጸገም ምእንቲ አምላኽ ኢልና ክንሓድግ ከምኡ መገዲ አምላኽ ክንሕዝ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን እዩ። ጾምና ፍረ ክህልዎ ናይ ብሓቂ አብ ናይ ብሕታዊ ሕይወትና አቲና ነቲ ካብ አምላኽን ጸግኡን ፈልዩና ዘሎ አለሊና አብ ጻህያይ ኃጢአትና ክንአቱ እሞ ጸጸት ኃጢአትና ገርና እሙናት ደቂ ክርስቶስ ክንከውን ዝዕድምና ፍሉይ ናይ ጸጋን ምሕረትን ጊዜ እዩ እሞ ክንዕወት ንጽዋዕ አሎና።

አብ ጾም ጊዜ ፍሉይ ጊዜ ወሲድና ምስ አምላኽ ክንዛረብ ልዕሊ ኹሉ ካባና ዝደልዮ ክነግረና ክንሰምዖ ቃሉ ክንሰምዕ ከምኡ አብ ሕይወትና ክንገብሮ ዝግብአና መንፈሳዊ ለውጢ ርኢና ክንርኢ እሞ አብ ፍጹም ተሓድሶ ክንአቱ፥ ነፍስወከፍና አብ ሕልናና አቲና ነቲ ካብ አምላኽን ሰብን ዘርሕቐና ሕማቕ ጠባይ አሊና ክንክእል እሞ አብ ፍጹም ሰላምን ርግአት ክንአቱ ሽዑ ምስ ዝተንሥአ ክርስቶስ ክንትንሥእ ዝሕግዘና ናይ ዓወት እዋን ኢና ሒዝና ዘሎና።

ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ገመል ምስ ገልገል ወዳ (ሕወር/ማፍሩድ) ይዕልሉ ነሮም፥ እቲ ማፍሩድ  አብ አዲኡ ቅርብ ኢሉ አደ ስለምንታይ እዩ እግርና ጸፊሕን አብ ሰለስተ ዝተመቕለ እናበለ ሓተታ። አደ አብ ምድረ በዳ ክንጉዓዝ ከሎና ብሑጻ ከይንሽከልን ከይንደክምን እናበለት መለሰትሉ። ቀጺሉ ስለምንታይ እዩኸ ዓይንና ዓብይን ከቢድን ቅርንብ ዘልኦ እናበለ ሓተታ ነዲኡ። አብ ምድረበዳ ክንጉዓዝ ከሎና ንዓይንና ካብ ብንፋስ ዝመጽእ ሓመድ ክከላኸለልና እናበለት አደ መለሰት። ቀጺሉ እቲ ማፍሩድ አደ ስለምንታይ ኢና እዚ ዓቢ ምንጉዳ አብ ሕቖና ተሰኪምና እንጉዓዝ እናበለ ሳልሳይ ጊዜ ሓተታ። አደ ሕቶ በዚሕዋ ሕርቕ ብዝበለ ድምጺ አብ አጻምእን ነውሕ ምድረበዳ ክንስንጥቕ ከሎና ስብሒ ይዓቕረልና በዚ ኸአ ማይ ከይሰተና ንነውሕ ጉዕዞ ክንጉዓዝ ንኽእል እናበለት መለሰትሉ። ጽቡቕ ኩሉ ተረዲኡኒ አደ እንተ ኾነ ጸፍሕን ዓብይን ከብዲ እግሪ አብ ሑጻ ከይንደክምን ከይንሽከልን ዝሕግዝ ከሎና፥ ነውሕ ቅርንብ ንዓይኒ ካብ ሑጻ ዝከላኸለልና ከሎና፥ ዓቢ ምንጉዳ መአከቢ ማይ ከይንጸምእን ከይንጠምን ከሎና አደ እንታይ እዩ አብዚ ማኅደር እንስሳ (Z00) አብ ከተማ ክንከውን ዝግድደና አብቲ ቀንዲ ተፈጥሮና ዘይንኸይድ እናበለ ነዲኡ ሓተታ ይብሃል። እዚ ዋዛ ምስ ቍምነገር ዝሓዘ ጽውጽዋይ እዩ እንተ ኾነ ትምህርትን ምልክትን ዝሓዘ እዩ። ሰብ አብዘይ ናቱ ክነብር ምስ ፈተነ እሞ ክርኢ ምስ ከአለ ከቕርቦ ዘልኦ ሕቶ እዩ። አብዚ እንታይ እገብር አሎኹ አምላኽ አብ ከምዚ ዝበለ ሕይወት ክነብር አይፈጠረንን ኢሉ ርእሱን ዝነብሮ ዘልኦ ሕይወት ርእዩ ክርኢ አለዎ።

ናይ ዘመና ሕይወት ዳርጋ ከም ሓደ አብ ማኅደር እንስሳ ዘሎና እዩ። ከም አግማል አብ ገለ እዋን መን ምዃና ክንፈልጥን ክነለልን አብ በረኻ ምኻድ የድልየና። ዘመነ ጾም ከምዚ ዝዓይነቱ ሕይወት ክንምከር ይሕግዘና። ነዘን አርብዓ መዓልታት አብ በረኻ ልብና አቲና ምስ አምላኽ ክንራኸብ እሞ ሓዲስ ሕይወትን አብቲ ቀንዲ አምላኽ ዝደልዮ ሕይወት ክንምለስ ብዝብል መንፈስ ንጀምሮ።  

ሎሚ ዝተነበልና ወንጌል ማርቆስ ኩሉ ብአምላኽ ዝተሓርየ ህዝቢ ቅድሚ ነቲ ዝውሃቦ ተልእኮ ምጅማሩ ክኸዶ ዝግብኦ ናይ ምንጻሕ እዋን ከምዘሎ ይነግረና። ምሩጽ ህዝቢ እስራኤል አብ በረኻ ሲናይ ቅድሚ አብ ምድሪ ተስፋ ምእታዎም ነርብዓ ዓመት አብኡ ፈተነታትን መከራን አሕሊፎም፡ ሙሴ አብ ደብረ ሲና አርባዕ መዓልትን ለይትን ቅድሚ ዓሰርተ ትእዛዛት ምቕባሉ ገሩ። ኩሎም ዓበይቲ ነብያት ቅድሚ ቃል አምላኽ ምስባኾም ናይ ምንጻሕ ስርዓት ከም ዝፈጸሙ ንርኢ። ኢየሱስ ስብከቱ ቅድሚ ምጅማሩ ብሰይጣን ምእንቲ ክፍተን አርብዓ መዓልትን ለይትን አብ በረኻ አሕሊፉ። ማቴዎስን ሉቃስን ነዚ ፈተና ኢየሱስ አብ ሰለስተ ደረጃ ገሮም አብ ሰለስቲኡ ብዓወት ኢየሱስ ከም ዝተዛዘመ ገሮም ይገልጽዎ።አብ በረኻ ኢየሱስ ትርጉም ዘለዎ ርክብ ምስ መንፈስ ቅዱስን ሰይጣንን፥ እንስሳ በረኻን መላእኽትን ገሩ። አብ ምድረ በዳ ድምጺ ክስምዖን ክኽተሎ ዘለዎ ድምጺ አምላኽ ሰሚዑ፥ ከምኡ ናይ ሰይጣን ድምጺ ከም ፈተናን ሰሚዑ። አብ ሕይወትና እንተ ርአና ንጋሆ ተንሲና ምሽተ ክሳብ እንድቅስ ክንደይ ዓይነት ድምጺ ንሰምዕ? ማእለያ ዘይብሉ አብ ጋዘጣታት፥ አብ ረድዮን ተለቭዥን፥ ደምጺ ናይ እቶም ምሳና ዝነብሩን ዝሰርሑን፥ ክንርስዖ ዘይብልና ድምጺ ዘይብሉ አብ ውሽጥና እንሰምዖ ድምጽውን ንሰምዕ። አብ ምድረ በዳ ሕይወትና ዝሰማዕናዮ ድምጽታት አብኡ ንሓድጎ እሞ ድምጺ አምላኽን ሰይጣንን ፈላሊና ክንሰምዕ ሽዑ ነቲ ዓወትን ሰላምን ዝህብ ድምጺ ክንሰምዕ ይግብአና።

ምድረበዳ ንርእስና ክንፈልጥ ጽቡቕ ዕድል ዝፈጥረልና ሕሩይ ቦታ እዩ፥ አብኡ ብርታዐናን ኃይልናን ድኻምናን፥ መለኮታዊ መጸዋዕታናን ክነለሊ ንኽእለሉ በዳሂ ቦታ እዩ። ኢየሱስ አብ ምድረ በዳ ምስ እንስሳ በረኻን ሰይጣንን ተራኺቡ።

ማርቆስ ወንጌላዊ እዚ እንነብረሉ ዓለም ናይ ፈተና ቦታ ግን ብዓወት ክንወጽኦ ዘሎና ከም ዝኾነ ብአምሳል ገሩ የቕርበልና። ኩሉ ዝንገር ናይ አጋጣሚ ነገር አይኮነን ብምንፈስ ቅዱስ ዝተመርሐ እዩ። አብ ምድረ በዳ ዘፍርሕን ዘሐጉስን ነገራት ብሓባር ይርከቡ። ዘፍርሑ እንስሳታት በረኻን ዝድነቑ ናይ ተፈጥሮ መልክዕን ይርከቡ። መላእኽትን ሰይጣውንትን ይርከቡ። እዚ ናይ ምድረ በዳ ተመክሮ ንኢየሱስ ንሰማይዊ ተልእኮኡ ክጅምር አፍደገ ኸፊትሉ። ኢየሱስ ተልእኮኡ አብ ገሊላ እዩ ጀሚርዎ፥ ንማርቆስ ወንጌላዊ እዚ እቲ ዝተፈትወ ከባቢ እዩ። አብ ገሊላ ኢየሱስ ብዙሕ ዓወት ዝመልኦ ተልእኮ ፈጺሙ ገለ ኻብቲ ዝገበሮን ክንጠቕስ እንተ ኾና፡ ዝልአኽዎ 12 ሓዋርያት መሪጹ፥ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያቱ አብዚ ቦታ ረኺብዎም፥ ዮውሓንስ መጥምቅ ናይ ምስንዳው ግዚኡ ከምኡ አብዚ አከባቢ ተቐቲሉ ስለዚ እዚ ቦታ ንማርቆስ ንኹሉ ናይ ኢየሱስ ተልእኮ ማእከል ገሩ ስለ ዘቕርቦ ፍሉይ አትክሮ ክንህቦ ይሕግዘና።

አብ ምድረ በዳ ሰባት አብ ርእሶም አትዮም ሓዲስ ሕይወት ክመርሑ ከም ዝክእሉ ንርኢ። ብርግጽ አብ በረኻ አብ ጽምዋ ኮንካ ብዙሕ ክትገብር ይክአል፥ ንእትኸዶ መገዲ አነጺርካ ክትርኢ ይሕግዘካ ከምኡ አብ በይንኻ ኮንካ ብፈተና ክትሓልፍ ከሎኻ እቲ ውጽኢት ዘዕግብ እዩ። ሎሚ አብ በርኻ ልብና አቲና መገዲ አምላኽ ክንሕዝ ንዕደም አሎና። ጉዕዞና ምስ ኢየሱስ ንጀምሮ። ንሱ ናይ በረኻ ጉዕዞኡ ፈጺሙ ንአና ኽሕግዝ ኢሉ ምሳና ይጉዓዝ አሎ። ካባና ዝደልዮ ነቲ ንሱ ዝብሎን ዝደልዮን ጽን ኢልና ክንክእል እሞ ጉዕዞ ንስሓን ዕርቅን ቅድስናን ክንጅምር። ጊዜ ጾም ኻብቲ ሓደ ፍሉይ ዝገብሮ ንድምጺ አምላኽ ጽን ኢልካ ምኽአል እዩ። መንፈስ አምላኽ አብ በረኻ ጸሎትን ተጋድሎን ክወስደና አብቲ አብዚ ዓለም ዘድልየና ነገራት ክወስደና ይደሊ አሎ። ሎሚ ንሰይጣን ክንስዕሮ፥ ንመገዱን መንፈሱን ክንሓድግ እሞ መንፈስ አምላኽ ክንለብስ እዩ ዝድለ ዘሎ።

አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ከም አርዊት በረኻ አብ ውሽጥና አሎና። አብ ገለ ጊዜ ብግዳማዊ አፍልጦ ርእስና ነቶም አብ ውሽጥና ዘለዉ አራዊት በረኻ አይነለልዮምን እሞ ሽዑ ናይ ሓሶት፥ ናይ ትዕቢት ናይ ጃህራ ድምጺ ንሰምዕ፥ ነቲ ምሳና አባና ዘሎ መልአኽ አይነለለይን ሽዑ አብ ጽልኢ ርእስናን አብ ግዝአት ሰይጣን ንወድቕ። አብ ጽምዋ ምድረ በዳ ርእስና ምስ እንአቱ ግን ንርእስና ክንርኢ ክነለሊ ንኽእል እሞ ንመጀመርያ ጊዜ ሰላም ቅሳነት ክነስተማቕር ንጅምር። ጊዜ ጾም እምብአር ናይ ምድረበዳ ተመክሮ እንለማመደሉ ቅዱስ እዋን እዩ። ምናልባት ሎሚ ንምድረበዳ ክነቋርጽ አግማል ክንገዝእ ዓቕሚ የብልናን እንተ ኾነ አብዚ ብዝተፈላለየ ጭንቀት መሊእዎ ዘሎ ሕይወትና ናይ በይንና ምድረበድ ክንፈጥር ንኽእል ኢና። መዓልቲ መዓልቲ ንአምላኽ ዝኸውን ቦታን ጊዜን ክንፈሊ ንኽእል፥ ንአምላኽ እንሰምዓሉ ጊዜ ክንፈሊ፥ አብ ቅድሚ አምላኽ ከመይ ዝበልኩ ሰብ ምዃነይ ከለሊ ጊዜ ክፈሊ፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎ ንአምላኽ አብ ኩሉ ሕራይ እሺ ክብሎ ንሰይጣን ከአ እምቢ ክብሎ ጊዜ ክፈሊ የድልየኒ። 

አብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ባህጊ ጥራይ እኹል አይኮነን፥ ተሪር ውሳኔ ክንወስድ እሞ አብ ሕይወትና ምስቲ ካብ አምላኽ ዝፈልየና ነገራት ውግእ ክንእውጅ ክንረባረብ ሽዑ ናይ ዓወት መዝሙር እናዘመርና ክንወጽእ እዩ እቲ ዝድለ ዘሎ። ካብ ጥልላት ካብ ገለ ነገራት ተኸልኪልና ግን ንአምላኽ አብ ልብና ቦታ እንተ ዘይሂብናዮ ጾምና ፈሪሳውነት ዝለበሰ ስለ ዝኸውን ፍሪኡ ውሑድ እዩ። ንሓቀኛ ጾም ክንአቱ እዩ እቲ ድላይ አምላኽና።

መንፈስ አምላኽ ካብቲ ዘሎናዮ ዓዘቕቲ አውጺኡ አብ መአዲ ነጻነትን ሓጎስን ዝመልኦ ሕይወት ክንአቱ ዕድል ይህበና አሎ። ጾም እምብአር ንመንፈስ አምላኽ ጽን ክንብል እሞ ክንምለስ ዕድል ዝኸፍተልና ቅዱስ እዋን እዩ። ሓወይ ሓፍተይ ንመንፈስ አምላኽ መልሲ ክትህብ ስንድው ዘሎኻ ዘሎኺ እናበልና መልሲ ነቲ ዓዳሚ አምላኽ ክንህብ ስንድዋት ንኹን።

እዋናት ጾም እዋናት ንስሓ እዮም። ንኃጢአትና ክንእመን እሞ ብእከየ ወበዓቢ እከየ እናበልና ልብና እናወቓዕና ንስሓ ክንአቱ። አብ መአዲ ንስሓ ክአቱ ፍቓደኛ ዝኾነ ሰብ ዕዉት እዩ። ሎሚ ንሰብ ጸጊምዎ ዘሎ ንኽፍአቱ ክርኢ ዘይምኽአሉ እዩ። አብ ናይ ሓሶት ዓለም እናነበረ ንሕይወቱ ዘይመልክዑ አልቢሱ ምሩኽ ሰይጣን ኮይኑ ድነ ጸልማት ከዲንዎ እንከሎ አብ ብርሃን አሎኹ እናበለ ዝነብር ኮይኑ አሎ። ነዚ ሓሳዊ ሕይወት ክንስዕር ሎሚ ንስሓ አቲና ብኽፍአትና ተአሚና ምስ መድሕና ዕርቂ ክንፍጽም ንሕተት አሎን።

ጾምና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክኸውን እምብአር ነቲ ልሙድ ስርዓት ክንፍጽም አሎና። ጾም ጸሎት፥ ምጽዋት ክነዘውትር ፍቓደኛታት ንኹን። “ክትጾሙ ከሎኹም ንስለ ስርዓት አይትግበርዎ” ይብለና መድኅና። አብ ውሽጥና አቲና ዘተ ምስ ሰማያዊ አቦና ንእቶ። አፍደገታት ሕልናና ንሰይጣንን ተልእኮኡን ዓጺና ምስ አምላኽ ጥራሕ ንራኸብ። እምብአር ሎሚ ሱባኤ ንጅምር አሎና አብ መወዳእታ ነቲ ዝድለ ፍረ ክንጭብጥ ብሓቀኛ መንፈስ ንጀምሮ።

ኢየሱስ ካብ በረኻ ክምለስ እንከሎ “መንግስቲ አምላኽ ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑን ብወንጌል እመኑን” ከም ዝበለ ነንፍስ ወከፍና ነዘን ቃላት ይደግመልና አሎ። ንሓቀኛ መገዲ ክንሕዝ እሞ ሕይወትና ክንሕድስ ንዕደም አሎና። ምስ ኩሉ ግዕዙይ ሕይወተይ አብ ቅድመኻ ቀሪበ አሎኹ ተቐበለኒ እናበልና ነዚ ቅዱስ ጉዕዞ ጾም አርብዓ ንጀምሮ። መሓርን ፈቃርን አምላኽ ብርሃን ጸግኡ ሂቡ አብኡ እንምለሰሉ ጸጋ ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.