2018-02-14 17:49:00

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ንናይ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣልባኒያ ኣብነት ክትከውን ትኽእል


እቲ እምነትን መንፈሳውነትን ኣብ ርክብ ክርስቲያንን እስላምን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ካብ ዕለት 7 ለካቲት ክሳብ ዕለት 9 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ድርገት ኣብ ኣልባኒያ ከተማ ስኩታሪ ኣብ ዘካየዶ ሓምሻይ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣባ ማርክ ሽትጀፍኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዝሓቕፎ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብዘነቓቕሑ ድርገት ኣቢሉ ብፍላይ ከኣ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሓባር ዘተ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ዘካየዶ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እቲ ዓውደ ጉባኤ ከምዝሓብሮ፥

         ዘተ ኣስተንፍሶ ዘይኰነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓጐስን ብድሆታትን ዘለዎ ዕለታዊ ተመክሮ እዩ

ኣብ ዝብል እማኔ ዝተሰርተ እዩ፡ ስለዚህ ዘተ ረቒቕ ሓሳብ ኣይኰነን። ሃይማኖት ምስልምና በቲ ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ብዙህነት ካብ ንገዛእ ርእሱ ወጻኢ ንክርስትና እምነት ኤማሕታ ምዃኑ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘስመረሉ ሓሳብ ምኻኑ ገሊጾም፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ሱናዊ ዒማምን ናይ ከክታሺ ሕውነታዊ ማሕበረ እስላምን ብመፈሳዊ መራሕቱ ኣቢሉ ምስታፉ ብሓቂ ሰናይን ሕይወታዊ ዓውደ ጉባኤ ክኸውን በቒዑ እዩ ኢሎም።

ኣዞም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ኣልባኒያ ብፅዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣፈ ጉባኤ ኣባ ሽቲጀፍኒ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት ቀጺሎም፥ ኣልባኒያ ናይ ተኸባቢርካን ተቐባቢልካም ምንባር ኣብነታዊት ሃገር እያ። እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኣልባኒይ ንኽካየድ ክውሰን እንከሎ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን፡ ንኣስታት 50 ዓመት ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓቢ ዝተሳደላን ዝተሳቐየላን ሃገር እያ። እቲ ንሓምሳ ዓመት ተዓፊኑ ዝነበረ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ተመሊሱ ኩሉ ከከም ሃይማኖት ስግደትን ኣምልዀን ዝፍጽመላ ሃገር ጥራሕ ዘይኰነትሲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝተረጋገጸላ ሃገር ንምዃን በቒዓ እያ። ስለዚህ እዚ እዋናዊ ኣብ ኣልባኒያ ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ንመላእ ኤውሮጳ ኣብነት እዩ ኢሎም።

ስነ ሃይማኖታውነት ርክብን ዘተን ጥራሕ ዘይኰነ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ስነ መንፈሳውነት ዘተን ርክብ ክህሉ ዘተባብዔ እውን እዩ። ሃይማኖታዊ ታሪኽ ምፍላጥ ንበይኑ እኹል ኣይኰነን ማዕረ ማዕሪኡ ስነ መንፈሳዊ ታሪኽን ቲዮሎጊያዊ ሰረተ ሓሳብ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ምፍላጥ እውን የድሊ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመ ክውን ዘሕዝን ታሪኽ ከም ታሪኽ ክውንነቱ ፍሉጥ ኰይኑ ግና ንዝካየዱ ርክባትን ዘተን ከይውስን መታን ካብኡ ሰገር ኣብ ስነ መንፈሳውነት ልልያ ምትኳር የድሊ፡ ኣብ ኩለን ሃይማኖታት ሰብኣዊ ክብርን ዕሴታትን ናብቲ እውነተይና ብርሃን ዝመርሑ እያቶም። ስለዚህ ኣብዚ ጥልቂ መንፍሳዊ ዕሴት’ዚ ምርኻብ የድሊ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ናብቲ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ በቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ምስ ምስልምና ሃይማኖት ንዝግበር ርክብ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ካለድ ኣካሸሕ ምዃኖም ዝዝከር ኰይኑ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ኣብ መልእኽቶም ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣስላምን መለሳ ኣልቦኣውን ቅድመ ፍርድን ክስገር ዘተሓሳስብን ሓቀይና ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ስነ መንፈሳውነት ምፍላጥ የድሊ ዝብል ሓሳብ ኣስሚሮም ሃይማኖት ምስልምናን ዓመጽን ዘመዓራርይ ዘይቅኑዕ ኣመለኻኽታ ምግሳጽን ምውጋድን ግድን እዩ ቢሎም

ሓደ ሃይማኖት ብዛዕባ ካልእ ሃይማኖት ክጽሕፍን ክዛረብን ውድዓውነት ክህልዎን፡ ድማዕን ርህራሄም ምሕረትን ዝብሉ ኣብ ባህሊ ሃይማኖት ምስልምና ማእከል ምዃኑን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ እውን ማእከል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እምነትን መንፈሳውነትን ኣብ ክልቲኣተን ሃይማኖታት ርክብ ዝብል እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝዘተየሉ ሓሳብ ኣድኒቖም ብብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ክህልው ዝገብረኦ ጉጉይ ርድኢትን ከምኡ እውን ካብቶም ውሑዳት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኢና ዝብሉ ዝፍጸም ዓመጽ ንሃይማኖት ምስልምናን ንሰዓብቱን ንመለሳ ኣልቦነትን ንቅድመ ፍርድን ከቃልዕ የብሉን ኣባ ሽቲየፍኒ ኣብ ዘካየድዎቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ብብፁዕ ኣቡነ ካልደ ኣካሸሕ ዝተነበ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን መልእኽቲ እቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ባህሊ ድማ እታ ውድስትን ተደናቒትን ጓል ኣልባኒያ ቅድስቲ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ኣብ ስርወ መበቆላን ኣብ ወንጌልን እምንቲ ኴይና ብፍላይ ንድኻታትን ብዝነበረቶ ኣሓትነትን ኣደነትን ይንጸባረቕ ብዝብል ሓሳብ ከምዘጠቓለሉ ሓቢሮም፥ ካብ ሃይማኖት ምስልምና ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመጽእ ምስጢረ ጥምቀት ክቕበል ዝሓትት ንኡስ ክርስቲያን ዝወሃቦ ትምህርተ ክርስቶስ ብጥልቂ ነቲ ናይ ሃይማኖታት ስነ መንፈሳውነት ሃብታት ግምት ዝህብ ንእትቕበሉ ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ እትሓድጎ ዘሎኻ ሃይማኖት ዓሚይቕ ኣፍልጦ እውን ዘለካ ምኳን የድሊ፡ እንታይ ሓዲግካ እንታይ ትቕበል ምፍልጥ የድሊ ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ክርስቲያን እስላምን ዝፍጸም ሕንፉጽ መርዓ ንዝነብሩ ሰብ ቃል ኪዳን ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኽአለ ትምህርተ ክርስቶስ ምቕራብ የድሊ፡ ስለዚህ እቲ ዓውደ ጉባኤ ነዚ ሓሳብ’ዚ ብዑምቀት ገሊጽዎን ኣብሪህዎን ኣሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.