2018-02-12 16:43:00

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንኣባላት ናይ ግሪካዊ መልኪታ ስርዓት ሲኖዶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ግሪክ መልኪታዊ ስርዓት ንእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንብር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ዝልሰገስዎ ቃአል ምዕዳን

ብማዕርገ ጵጵስና ኣሕዋተይ ብፁዓን ጳጳሳት ብዝብል ቃል ሰላምታ ኣበጊሶም

ክትበጽሑኒ ብምምጻእኩም አመስግን፡ ኣብዚ ምርኻብኩም ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌነት ወግዓዊ ምስክርነት እዩ።  እዚ ሱታፌ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 21 ሰነ 2017 ዓ.ም. እቲ ናይ ግሪክ መልኪታዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብፁዕነቶም ናይ ኣንጽዮኪያን ኢየሩሳሌምን መላእ ምብራቕን ናይ ግሪክ መልኪታዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ንኽዀኑ ሊቀ ጳጳሳት ጆሰፍ ኣብሲ ምስ ሓረዮምን ቅዱስነቶም ዕለት 22 ሰነ 2017 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌ እንክብሉ ሕርየቶም ቅቡል ዝብል ውሳኔ ምስ ሃቡሉ፡ ዕለት 13 ለካክቲት 2018 ዓ.ም. ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሁባሬ ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ብዝድገም ጸሎት ተኣምኖተ ሃይማኖት ዝንበር ክኸውን ምስቲ ናይ ግሪክ መልኪታዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብመደብ ዝተተሓዘ ዝክረ ነገር እውን ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ሎሚ ከም ቀደም ይብሉ ቅዱስነቶም ንብፁዓን ሲኖዶስ ናይ ግሪክ መልኪታዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ቅርበትን ጸሎትን አረጋግጽ፡ ንስኹም ብፁዕነትኩም ፓትሪያርክ ኣብሲ ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ ጉስነትኩም ስለ ዘንበሮ ሲኖዶስን ምእመናን እጽልይ። እቲ ኣብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዘሎና እምነት በታ ኣብታ ፍቕርቲ ሃገረ ሶሪያን መላእ ማእከላይ ምብራቕን ዝተሰረተት ቤተ ክርስቲያንኩም ኣቢልኩም ንሕዝበ እግዚኣብሔር እተቕርብዎ ኣገልግሎትን ስለ ሶሪያን መላእ ከባቢ ማእከላይ ምብርቕ እጽልይ።

ቤተ ክርስቲያንኩም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጥራሕ ዘይትሕጸር ምዃና ድሮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት  ኣብ ዝርከባ ናይ ግሪክ መልኪታዊ ስርዓት ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህልውቲ እያ። ስለዚህ ስለ እቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ናይ ቤተ ክርስቲያንኩም ምእመናን ጸሎተይ አረጋግጽ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ ብዙሓት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኢየሱስ ጐይታ ዘሎና እምነት ብጽንዓት ክነብሩ ኣብ ዝሓትት ታሪኻዊ ኩነት እዮም ዝርከብ፡ ስለዚህ ናይ ግሪክ መልኪታዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናኖምን ብቃልን ሕይወትን ምስክርስነት ኣብ እምነት ከጽንዑ እምሕጸን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ነቲ ናይ ግሪክ መልኪታዊ ስርዓት ንእትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣመሓላሊፈዮ ኣብ ዝነበረ መልእኽቲ፥

ሎሚ ካብ ቀደም ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ከቢድ ስቓይ ናይ ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ጓሶት ጳጳሳትን ካህናትን መሰኻኽር ሱታፌን ውህደትን ቅርበትን ምትሕብባርን ግልጸትን ክዀኑ ይግባእ

እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ኣብ ጐደና ሱታፌን ውህደትን ቅርበትን ምትሕብባርን ግልጸትን ሓደራ ከይትቦኽሩ። ዕለት 23 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ምእንቲ ሰላም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ከምእተወሰነ ድማ ኣዘካኺሮም፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ፍቱው ሕዝቢ ሶሪያ ብፍሉይ ኣግባብ እንዝክረሉ ዕለት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብ ቅዱስ መቓብር ሓዋርያ ጴጥሮስ ንኽትሳለሙን ምስ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ውህደትን ሱታፌን ንኽትምስክሩ ንመንፈሳዊ ንግደት ኣብዚ ትርከቡ .. “… ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ … ኣእምሮኹም ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ” (ቈላ.3, 1-2)  ነዚ እትነብር ቤተ ክርስቲያንን ነዚ ዝነብሩ ጳጳሳትን ካህናት ነዚ ቃል ብግብሪ ብዝነብር ሕይወት ንምእመና ናብዚ ቃለ ሕይወት ዝመርሑ፡ በቲ ንኹል ዝሓቑፍ ልበ እግዚኣብሔር ኣቢሎም ንኹሉ ክሓልዮ ዝተጸውዑ ጓሶት። ካብ ምድራዊ ጣዕሚ ዝተላቁ ናጻን ምስ ሕዝቢ ሓደ ኰይኖም ናይ ፋሲካ ተስፋ ቃልን ሕይወትን ብዘጣመረ ህላዌ ኣብሰርቲ።

ንሕውነታዊ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ምብጻሕኩም ንኣኹም ብፁዕነትኩም ፓትሪያርክን ብፁዓን ጳጳሳትን አመስግን። ናብ ሓዋርያዊ መናብርትኹም ምስ ተመለስኩም ንካህናትኩምን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ጸሎትይ ኣረጋግጽሎም። እታ ኩለመናኣ ቅድስቲ ዝኾነት እኖ ኣምላኽ ንግስተ ሰላም ትዓቅብኩም ዕርዲ ተኹንኩም። ንኣኻትኩም ንምእመናታትኩምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ብሓጐስ አቕርብ። ሓደራ ስለይ ምጽላይኩም ኣይትረስዑ፡ እብክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.