2018-02-09 16:53:00

በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ብገዛእ ርእሶም ምልቃቕ ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ፍቕሪ ዝምስክር ጅግንነት እዩ


ዕለት 11 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብገዝእ ፍቓዶም ካብ ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርይዊ ስልጣኖም ዝለቐቕሉ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ አልፍረድ ኩረብ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ በነዲክቶስ መበል 16 ብገዛእ ፍቓዶም ዝወሰድዎ ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣን ምልቃቕ ጥልቂ ትርጉሙ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ግልጺ እናዀነ ይኸይድ ምህላዉን እዚ ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣን ምልቃቕ ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ብሉጽ ፍቕሪ ዝምስክር ምዃኑ እቲ ንሶም ባዕሎም ብውሽጦም ዝነብርዎን ዘሰማቕርዎን ሓቂ ኣብ ቤት እምነት ይኹን ወጻኢ ይስትውዓል ምህላዉን እቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 11 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ብገዛእ ፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ክሳብ ዝለቐቑላ ዕለት ኣብ ጐድኖም ከይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ክሩወብ ሓቢሮም፡ 

ብዛዕባ ቅዱስነቶም ልሂቅ በነዲክቶስ መበል 16 ማእለያ ዘይብሉ ተዘክሮታት ከምዘለዎምን ብሕይወት ክሳብ ዘለዉ ድማ እተን ኣብ ጐድኖም ኰይነ ዘሕለፍወን ናይ ኣገልግሎት ዓመታት ህያው ምዃኑ ገሊጾም። ዕለት 5 ለካቲት 2013 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈቶም ጸዊዕም ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥርስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብገዛ ፍቓዶም ክለቁ ድላይ ከምዘለዎም ምስ ሓበርዎም፡ ምልስ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ዘይትሓስብሉ ምስ በልዎም፡ ሽዑ ንሽዕ ከምእተረድኦም ድማ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ከምእንፈልጦም ጸላይን ኣስተንታንን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅነት ካብ ኣብራኽካ ዓጾፍካ ካብ ዝንበር ጸሎት ዝነቐለ እቲ ውሳኔኦም እውን ናይዚ ጸላይ ሕይወቶም ውጽኢት ምዃኑ ብውሽጦም ከምእትሰምዖም ገሊጾም፡ እታ ዕለት እቲኣ ኣብ ሕይወቶም ፈጺሞም ዘይርስዕዋ ኣብ ኣእሮኦም ተሓቲማ ዝተረፈት ዕለት ምዃና ይሕብሩ።

ደሓር ዕለት 11 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝጸውዕዎ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብገዛእ ፍቓዱ ይለቁ ምህላዎም ብወግዒ ነገሩ፡ እቲ ዝገርም ድማ ውሳኔኦም ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ውጽኢት ምንባሩ ካብቲ ነቲ ውስኔኦም ዝገልጽ ዘንብብዎ ዝነበረ ቃሎም ኣብ ገጾም ይረአይ ካብ ዝነበረ መንፈስ ርግኣት ተስተውዕል። ኣብ ኢድ ፍቓድ እግዚኣብሔር ምንባሮም ተረጋግጽ ምስ በሉ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክሳብ ሓድሽ ር..ሊ.ጳ. ዝሕረይ ድማ ኣብ ካስተልጋንዶልፎ ጳጳሳዊ ሕንጻ ክጸንሑ ምስ ወሰኑ ናብ ካስተልጋንዶልፎ ምስኦም ከምዝኸዱን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተሓርዩ በነዲክቶስ መበል 16 ኪድ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግል ቢሎም ምስ ኣሰናበትዎም ድማ እነሆ ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሮም ኣብ ኣገልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተዋፊሮም ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ኤኮኖሚ ጠቅላሊ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ይገልግሉ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝብልዎ ኣቦሓጐ ኣለዉና፡ ዘተኣማምኑ ስለ ኩላትና ስለ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ዝጽልዩ፡ በነዲክቶስ መበል 16 መን ከምእተሓርየ ንምፍላጥ ቴሌቪዥን ኣብ ምክትታል እንከለዉ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልኪ ደዊሎም ሰላም ከምዝበልዎምን ክውን ር.ሊ.ጳ. ምስ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ብስልኪ ዘካየድዎ ርክብ ብሓቂ ሃናጺ ከምዝነበረን፡ በነዲክቶስ መበል 16፡ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስልኪ ቅዱስነቶም ካብዛ ሰዓት’ዚኣ ተኣዛዝነተይን እናገለጽኩ ብጸሎተይ አሰንየኵም ዝብል ዝሃብዎ መልሲ ኣብ ኣእምሮይ ተሓቲሙ ዘሎ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ ኢሎም።

በነዲክቶስ መበል 16 ዕለታዊ መነባብርኦም ጸሎቶምን መንፈሳውነትን ኩሉ ስለ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ባዕሎም ከምዝብልዎ ድማ ብፍቕርን ሓልዮትን ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ነጋዲ እዮም እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.