2018-02-06 09:25:00

ቅዱስ ኣቦና ንኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት፥ ንሃገርኩም ብብርሃነ ክርስቶስ ብትብዓት ዀልዑ


ዕለት 3 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ወሳኒ ድርገት ጳጳሳት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ኣማዞናዊ ሲኖዶስን ከምኡ ኣውን ኣብ መንእሰይን ልልያ ጸዋዕታን ኣተኵይሩ ንኽዝትይ ዝተጸውዔ ሲኖዶስን፡ ናይ ፍቕሪ ሃሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ትግባሬኡን ሓባራውን ግላውን ናይ ሕይወት ምስክርነትን ኣብ ዝብሉ ኣርእታት ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተካየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓትሪሲያ ይነስትሮዛ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ነቶም ብናይ ቡወኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ፖሊ ዝተመርሑ ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ቪሰንተን ኦኼኣ ምኽትል ሊቀ መናብርት ብፁዕ ኣቡነ ማርሰሎ ዳኒኤል ኮሎምቦን ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ማልፋ ተቐቢሎም ድሕሪ ዘካየድዎ ዝርርብ ብፁዕ ኣቡነ ኦኼኣ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ርክብ ፍርያም ምንባሩ ሓቢሮም፡ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ዘለዎም ተኣዝዞነትን ሕብረትን ዝተረጋገጸሉን ንኣብነት እታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ድሕረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ትግባሬኡን ኣብ ኣርጀንቲና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትስዕቦ መገድን ከምኡ እውን ናይ ወንጌል ብርሃን ብሕብረትን ውልቃዊ ሕይወት መስካሪ ምዃን ዘለዎ ኣገዳሰት ሰፊሕ ዝርርብ ከምእተኻየደሎም ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ትግባሬኡ ብቓልን ሕይወትን ዝህብዎ ትምህርቲ ግልጽን ብዙሕ ህዳሴ ከምዘድሊ ዘመላኽት እዩ። ስለዚህ ነዚ ትምህርቶም ስግው ንምግባር ኣብ እዋናዊ ዓለም ወንጌል ምንባር ጥራሕ እዩ መገዱ። ከምዚ ምዃኑ ከኣ ናቶም ማለት ናይ ቅዱስነቶም ሕይወት ምራኣይ እዅል እዩ ምስ በሉ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ትውልዲ ሃገሮም ኣርጀንቲና ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ንኸካይዱ ናይታ ኣብ ኣርጀንቲና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ሕዝብን ድላይ ልዑል ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ንቕዱስነቶም ከምእተገልጸን ቅዱስነቶም ድላዮም እውን እንተዀነ እዋኑ ምቹእ ኣይኰነን ዝብል መልሲ ከምዝሃቡን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣርጀንቲና እቲ ምቹእን ቅኑዕን እዋን እናጸለየት ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ክትዕደል ናይ ምእመናንን ሕዝብን ድላይን ጸሎትን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.