2018-02-05 09:31:00

መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሰበኻታት ኢጣሊያ


ዕለት 20 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ፑሊያ ኣብ ዝርከባ ሰበኻ ኣለሳኖን ሞልፈታን ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ዕረፍቲ የኔታ ቶኒኖ በሎ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ካብ ዝሃብዎ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብዚ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስነቶም ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር የኔታ ቶኒኖ በሎ ኣብ ዝዓረፍሉ መቓብር ስፍራ ግላዊ ምብጻሕ ኣካይዶ ጸሎት ከዕርጉን ኣብ ወደብ ሞልፈታ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቁዑ ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምዝምለሱ ቡርከ ሓቢሮም፥ ብምኽንያታ እዚ መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ናይ ሰበኻ ሞልፈታን ጆቪናዞን ተርሊዚን ሩቮን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ኮርናኪያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰምዔ መላእ ሰበኻን ምእመናንን ውሉደ ክህነት ተቐማጦን ዓቢይ ሓጓስ ከምእተሰመዖም ገሊጾም፡ ባዕሎም ብፁዕነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት ቅዱስነቶም ኣብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ በሎ ዝተወለዱላ ሰበኻ ሓውጾተ ኖልዎ ንኸካይዱ ናይ መላእ ሕዝቢ ፑሊያ ሃረርታ ምዃኑ ገሊጾም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፡ ቅዱስነቶም ነዚ ድላይ ሕዝቢ ተቐቢሎም እወታዊ መልሲ ብምሃቦም ብሓቂ ምኽንያት ዓቢይ ሓጐስ ኰይኑ ኣሎ ኢሎም።

ናይ ሕዝቢ ተስፋ ከነቓቕሑን እምነት ከጽንዑን ብፍላይ ኣብ ጸገምን ጸላም ሕይወትን ንዝርከቡ ብርሃን ሓጐስን ናይ ወንጌል ከበስሩ እዮም። መንእሰይ ናይ ሕይወት ሓጐስን ናእምነት ኣብ እግዚኣብሔር ውበትን ውህበትን ኣለልዮም ከስተማቕሩ ዘተባብዕ ምዃኑ ርግጸይን እዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ፥ ዕለት 10 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብኣባ ዘኖ ሳልቲኒ ዝተመስረተ ኣብ ዞባ ግሮሰቶን ሎፒያኖን ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤተ ምንቅስቓስ ዓለም ሓቆፍ መንበር ኣብ ዝርከበሉ ሰበኻ ፊየሶለ ኣብ ዝርከብ ንማሕበረሰብ ኖማደልፊያ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.