2018-02-03 08:41:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2018 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ


ነቲ ቅዱነቶም ኣብ ወርሒ ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ዝሃብዎ ብምስማዐ-ርእየት ዝተሰነየ ቃል ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ሓልይ ቤት ጽሕፈት ብዝተፈላለየ ስእላዊ መግለጺ ኣሰንዩ ዝተቐርጸ ክሳቲ ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ትርኩሶንን ተሓባበርቶምን ብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብወግዒ ከምዝቐረበ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሚ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ምስ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መረብታዊ ርክብን መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካንን ብምትሕባር ብዝተፈላለዩ ኣሳእል ኣሰንዩ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ ከሳቲ (Video) መልእኽቲ፥ እቶም ኣብ ዓለም ቁሳውን ፖለቲካውን መንፈሳውን ስልጣን ዘለዎም ንምግባረ ብልሽውና ግዙኣት ከይኰኑ ምጽላይ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዘማእከለ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ሓቢሮም፥ ምግባረ ብልሽውና ዓቢይ ሓጢኣት እዩ። ስለዚህ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝወሰንዎ ኣብ ወርሒ ለካቲት ምግባረ ብልሽውና ኣብ ዓለም ማሕብራዊ ፌራ’ዚ ክውገድ ሓደራ ኩሉ ብጸሎት ክተሓባበር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እዚ ዝተቐነባበረ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ www.thepopevideo.org ኣብ ዝብል ኣድራሻን ንምክትታል ከምዝክኣል የመልክት።

እቲ ከሳቲ (Video) ምልስ ቢሉ እቲ ኣብ ዕለት 15 ሰነ 2017 ዓ.ም.  ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ አገልግሎት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ምግባረ ብልሽውና ብዝብል ኣርእስቲ ዝጠለቦ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ሕንጻ ካሲና ፒዮስ ራብዓይ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ጽማሬ መልእኽቱ ዘሳዅዔን፥ ምግባረ ብልሽውና ናይ ዴሞክራሲ ምጽኦታት ምዃኑ ዝሕብርን ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ካምፓኒያ ማእከል ከተማ ናፖሊ ኣብ ዝክረብ ስካምፒያ ክፍለ ከተማ ዕለት 3 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ምግባረ ብልሽውና ናይ ዴሞክራሲ ምጽኦታት ብዝብል ኣርእስቲ ዓውደ ጉባኤ እውን ክካይድ ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ እቲ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ምስ ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መረብታዊ ርክብን መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካንን ብምትሕባር ብዝተፈላለዩ ኣሳእል ኣሰንዩ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብዝብል ኣርእስቲ ንዘዳለዎ ከሳቲ (Video) ከም መቕድም ዓውደ ጉባኤ ክጥቀመሉ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግልጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.