2018-02-03 08:48:00

ቅዱስ ኣቦና፥ እግዚኣብሔር ከም ናይ ገበናትካ ዋሕስ ምጽዋዕ ስም እግዚኣብሔር ምርካስ ማለት እዩ


ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ዝተፈላለየ ዓመጽ ንምዕጋት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝዝትይ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ዕለት 2 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፥ እግዚኣብሔር ንገበናትካ ከም ዋሕስ ምጽዋዕ ጸረ እግዝኣብሔርን ስም እግዚኣብሔርን ምርካስ ማለት ምዃኑ ዘረድእ ሓሳብ ዘማእከለ ቃል ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ብስም ሃይማኖት ዝንዛሕን ዝፍጸምን ዓመጽ ንገዛእ ርእሱ ናይ ሃይማኖት ተኣማንነቱ ዘሕስር ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብስም ሃይማኖት ወይ ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ዓመጽ ጸረ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ምልስ ቢሎም ደጊሞም ብኣጽንዖት ገሊጾም። ኣብቲ ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝለገስዎ ሓጺርን ጽዑቕን ምዕዳኖም፥ ሃይማኖተይና ሰብ እግዚኣብሔር ንጸረ ሰብኣዊ ተግባራትካን ገበናትካን ሓጢኣትካን ዋሕስን ከዋልን ገርካ እግዚኣብሔር ምጽዋዕ ስም እግዚኣብሔር ምርካስ ማለት ምዃኑ ኣነጺሩ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ንዝፍጸም ቅትለትን ግብረ ዕንወትን ሰብ ንጊልያነት ምውራድን ብጠቕላላ ኣብ ልዕሊ ሰብ ምዝመዛ ምፍጻምን ኣዳስዶን ኵሉ ብስም እግዚኣብሔር ምኽንያታዊ ገርካ ምቕራብ ስም እግዚኣብሔር ምርካስን ጸረ እግዚኣብሔርን ምቛም ማለት እዩ። እቲ እውነተይና ሃይማኖታዊ ሰብ እግዚኣብሔር ሰናይን ፍቕርን ሓልዮትን ምዃኑን ኣብ እግዚኣብሔር ንጽልእን ምቕርሓም ኣስናንን ሕነ ምፍዳይን ስፍራ የልቦን።

ኣብዚ ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ጽንኩርን ዝዀነ እዋናዊ ኩነት ዝዀነ ናይ ሃይማኖት መራሒ እግዚኣብሔርን ናይ እግዚኣብሔር ክብርን ንምቁጽጻርን ከም ዝደለኻዮ ንናይ ውልቃዊ ረብሓ መዓላ ንምግባር ዝውሰድ ስጉምቲ ከቃልዑ ትሑዛት እያቶም። ብዘይ ምስልካይን ደኺመ ከየበልካን ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ንገዛእ ርእሱን ኣብ ገዛእ ርእሱን ዝተባርከን ዝተቐደሰን ብምዃኑ ኣባል ናይ ዝዀነ ይኹን ዓሌትን ባህልን ሃይማኖትን ሰዓቢ ናይ ዝዀነ ርእየት ዓለምን ፖለቲካን ይኹን ክኽበርን ግምት ክወሃቦን ክሕለየሉን ንምትሕብባርን ብቑዕ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ንዘተን ንሰላምን ዝተመስረቐ ከምዚ ዓይነት  ዓውደ መጽናዕቲ ምንቕቓሕን ምክያድን ናይ ፖለቲካን ናይ ሃይማኖትን መራሕትን መምሃራንን ናይ ሕንጸት ሰብ ሙያን ሕንጸትን ሓበሬታን ኩሉ ነቲ ካብቲ ሃይማኖት ንመጋበሪያ ዓመጽን ቅትለትን ዝጥቀመሉ ሃልከይናን ብልሽውን ሃይማኖት ናብ ትኽክለይና መገዲ ንኽምለስን ምሕጋዝን ምድጋፍን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽት እዩ ከምዝበሉዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ካስተሊ ኣስዒበን፥ ናይ ሰላም ባህሊ ወትሩ ኣብ ሓቂን ፍቕርን ዝቖመ እዩ፡ ስለምንታይ እግዝኣብሔር ካብ ፍርሕን ጽልእን ዓመጽን ናጻ ዘውጽእን ነቲ ናይ ፍቕርን ሰላምን ንኹሉ ዘርኢ ሰብ ዝብል መደቡ ንምስፋሕ ኩሉ ዓቕሙን ሓይሉን መታን ከዋድድ እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.