2018-01-30 09:38:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕማም ደዌ ሎሚ እውን ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ የጥቅዕ


ዕለት 29 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማን ደዌ ተዝኪሩ ኣብ ዝወዓለሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ብሕማም ደዌ ዝተጠቕዑ ድጋፍ ከነቕርብን ቅርበትና ክንገልጽ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፡ ጳጳሳዊ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ ኣፒያህ ቱርክሶን፥ ነዚ ማሕበራዊ ቅንዋትን ዝንጽልን ፈላላይ ስርዓት ንምውጋድ ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

መበል 65 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማን ደዌ ምኽንያት፥ ሕማም ደዌ ሎሚ እውን ኣዚዩ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ዜጋታት ዘጥቅዕ ምዃኑ ገሊጾም፥ ነዞም ህሙማን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንተሓባበሮምን ቅርበትናን ከነረጋግጸሎም ከምኡ እውን ስለ እቶም ብሰብኣውን ሕክምናውን ኣገልግሎት ዝድግፍዎም ኵሎም ንጸልይ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፥

እቲ ናይ ለምብዘበን መበል 65 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማን ደዌ፥ ኢፍትሓውነትን  ኣድልዎን ብፍጹም ንሕሙማን ደዌ ኣብ ዓለም  ዝብል ምዃኑ ዘኪሮም፥ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕና ንቕድሚት ዝሰጐመን ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ናይ መወዳእታ ዓመታት ዘርእዮ ዘሎ ምዕባለ ጭቡጥ እውን እንተዀነ ሕማም ደዌ ንምጥፋእ ከምዘይከለ ገሊጾም። እዚ ጥንታዊ ሕማም’ዚ ሎሚ እውን ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ዜጋታት የጥቅዕ ምህላዉን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ደቓይቕ ሓደ ሰብ በዚ ሕማም’ዚ ከምዝጥቓዕን ብፍላይ ኣብቲ ኤኮኖምያውን ማሕበራውን ድኽነት ኣዚዩ ዝረኣየሉ ከባቢ ዓለም ብቐሊሉ ከምዝዛመትን ድኻታትን ዝተነጸሉን ኣብ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ንዝርከቡ ኣዚዩ የጥቅዕ ከምዝበሉን፡ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ኣባላታን መንፈሳውያን ማሕበራትን ኣቢላ ሕክምናውን ሰብኣውን ኤኮኖምያውን ደገፍ ከምእተቕርብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘመልከቱ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዓለም ህንድን ብራዚልን ኣዚየን በዚ ሕማም ዝተጠቕዓ ምዃነን ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ክንክን ጥዕና ኣብ ናይ 2017 ዓ.ም. ሕማም ደዌ ኣብ ዓለም ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ጸውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ጸብጻብ እንከመልክት።  14 ሃገራት ካብ ጠቕላላ ህሙማን ደዌ ኣብ ዓለም 95 ሚእታዊ ዝሽፍና ክዀና እነከልዋ ኣብ ህንዲ 135,485 ኣብ ብራዚል 25,218 ኣብ ኢንዶነዢያ 16,826 ኣብ ኤውሮጳ ኣብ 2016 ዓ.ም. 32 በዚ ህማም ዝተጠቕዑ ኣውን ሓቢሩ፡ ኣብ ዓለም ካብቶም በዚ ሕማም ዝልከፉ 100 እቶም ትሽዓት ትሕቲ 15 ዓመት ዕድመ ምዃኖም ዝገለጸ ጸብጻብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ክንክን ጥዕና ዝጠቐሱ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ መልእኽቶም፡ ቅዱስ ኣቦና ጸረ ሕማም ደዌ ምንቅስቓስ ማለት ጸረ ኣድልዎ ምንቅስቓስ ማለት እዩ ከምዝብልዎ፡ ነዚ ሕማም ንምጥፋእን ዝግበር ጻዕሪ ዓለማዊ ምትእስሳር ኣሰራርሓ ክንክን ጥዕና ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶ ፋንቲ ገሊጾም።

እቶም ብሕማም ደዌ ዝተለክፉ ቅርበት ሰብ የድልዮም እዩ። ኣብ ውሽጦም ናይ ንጹልነትን ተፈሊኻ ናይ ምንባር ስቓይ ዝብድህ ሓይሊ ዘበራብር ቅርበትን ኣሕዋትን ኣሓትን የድልዮም። እቲ ዝሳቐይ ሰብ ኣካለ ክርስቶስ እዩ፡ ድኻታትን ህሙማንን ዝተነጸሉን ክንትንክፍን ኣብ ጐድኖም ክንከውን ኢየሱስ ኣይትፍርሑ ይብለና። ድኻን ዕሩቕን ህሙምን ክንትንክፍ እነከለና ኣካለ ኢየሱስ ኢና እንትንክፍ ዝበሉ ብፁዕነቶም ኣብ መልእኽቶም … ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕሙማን ደዌ ነቶም ሕሙማን ኣብ ዓመት ሓንሳብ ንምትሕብባርን ንምዝካርን ጥራሕ ዘይኰነስ ቀጻሊ ክንክን ክግበረሎም ዘተባብዕን ዝወሃቦም ክንክን ኵለንተናዊ ክኸውን ዝጽውዕ እዩ ምስ በሉ፡ ካብ ሕማም ደዌን ምንጽጻልን ናጻ ዝዀነ ዓለም ንምሕናጽ ኩሎም ማሕበረሰብ ሃይማኖትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዓለም ሓቆፍን ብሔራዊ ለኸ ማሕበራትን መንግስታትን ዘይመንግታውያን ማሕብራት ክተሓባበሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ መወዳእታ፥ ጸረ ሕማም ደዌ ዝግበር ጻዕሪ ብስሩዕ ውዳቤ ምስ ዝቕልጽ ወጽኢት ይህልዎ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.