2018-01-12 15:59:00

ናይ ዕለት 12 ጥሪ 2018 ዓ.ም. መደብ ርክባት ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ንጐሆ ዕለት 12 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት 11 ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ልክዕ ሰዓት 11 ፈረቓን  ኣብ ኢጣሊያ ናይ ላዚዮ ክፍለ ሃገር መራሔ ዘቦ ኒኮላ ዚንጋረቲን ኣስዒቦም እውን ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ቨርጂኒያ ራጂ ተቐብሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘወጽእ መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.