2018-01-10 17:49:00

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ንሱቊታ ሓራይ ንታህዋኽ ግን ኣይፋል! ር.ሊ.ጳ


 “ቃል ሥጋ ኾነ፡ ኣባና እውን ኃደረ! ክብሩ ኸኣ - ኸምቲ ኽብሪ ናይ ወልድ ዋሕድ ነቦኡ - ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ረኣናዮ፣ ኸኣ ኣባና ሐደረ። . . .ንሕና  ዅልና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡’’ (ዮሓ 1.14.16)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን ኣብ እነካይዶ ዘሎና ትምህርተ ክርስቶስ ሓጢኣተኛታት ምዃና ተረዲእና ንክንመሓር ተስፋ ብምግባር ንዘሎና ናይ ምስትምሳል ጉልባብና ቀሊዕና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከምዘሎና ንኽንቀርብ ናይ ንስሓ ስራሕ ክሳብ ክንደይ ከምዝሕግዘና ርኢና፣

እቲ ኣብ ስብሓት ለእግዚብሔር ዝብል ጸሎት እነቅርቦ ክብሪ እግዚብሔር ካብዚ ናይ ደቂሰባት ውርደትን መለኮታዊ ምሕረትን እዩ ከም ምስጋና ዚጋዋሕ፣ ኣብ ሓፈሻዊ መምርሒ ሮማዊ ቅዳሴ ቁ. 53 ንጸሎት ስብሓተ እግዚብሔር ‘ጥንታውን ክቡርን ማህሌት ኮይኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተጋቢኣ ዘላ ቤተክርስትያን ንእግዚአብሔር ኣቦን ነቲ በጃ ዝኾነ ገንሸልን  በዚ ጸሎት እዚ ተኽብር ተምልኽ ከምኡ ከኣ ትምህለል’’ ኪብል ይገልጾ፣

መባእታ ናይዚ ማህሌት እዚ ካብቲ መላእኽቲ ኣብ ልደት ኢየሱስ ‘ስብሓት ለእግዚአብሔር በሰማያት ንእግዚአብሔር ኣብ ሰማያት ክብሪ` ክብሉ ኣብ ቤተልሔም ዘገሰርዎ ሰማይን ምድርን ዝተሐቋቈፉሉ ሠናይ ብሥራት ዝብል እዩ፣ ስብሓት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ፣ ኣብ ሰማያት ንእግዚብሔር ክብሪ ኣብ መሬት ከኣ ሰላም ንሰብ ጽቡቅ ድላይ፣ ዝብል ጸሎት ንዓና ነዞም ብጸሎት ተጸሚድና ንዘሎና እውን ይምልከት እዩ፣

ብድሕሪ እዚ ጸሎት እዚ ወይውን እዚ ጸሎት’ዚ ኣብ ዘይድገመሉ ግዜ ድሕሪ ጸሎተ ንስሓ ብቀጥታ ናብታ ንኩሉ ትጥርንፍ ጸሎት ንሓልፍ፣ በዚኣ ጸሎት እዚኣ ኩሉ ናይቲ ሥርዓት ይጠቃለል ከከም ዕለቱን ከከም ዘመኑን ከኣ ይቀያየር፣ ንጸሊ ቢሉ እቲ ካህን ንጸሎት ምስ ዓደመ ንቁሩብ ግዝያት ጸጥታ ይሰፍን፣ እዚ ከኣ ሃምናን ቀልብናን ናብ እግዚብሔር ገርና ኣብ ቅድሜኡ ከምዘሎና ብምዝካር ሓሳባትና ጥርንፍ ኣቢልና ብልባትና ምስቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክሕወስ ግላዊ ልመናና ነቅርብ፣ ስለዚ እቲ ካህን ንጸሊ ምስ በለ ዝስዕብ ናይ ጸጥታ ግዜ ነፍስወከፍና ዘድልየና ነገራት ክንሓስብን ንኣምላኽ ንክንልምኖን እዩ፣

ሱቅ ምባል ወይ ጸጥታ ናይ ዘረባ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነስ ካልእ ድምጺ ንክትጸምዕ ኣእዛን ልቢ ኩር ኣቢልካ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ምባል እዩ፣ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ባህሪ ናይ ቅዱስ ሱቊታ ከከም ኩነታቱ እዩ ንኣብነት ኣብ ጸሎተ ንስሓ እንተዀይኑ ሓጥያትና ንክንዝክርን ምሕረት ንክንሓትትን እንክሕግዝ ድሕሪ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍን ስብከትን ዝግበር ሱቊታ ከኣ ነቲ ዝሰማዕካዮ ንምስትንታን እንክኸውን ድሕሪ ቅዱስ ቊርባን ዝዝውተር ሱቊታ ከኣ ብውሽጢ ልብኻ ውዳሴን ምስጋናን ናብ ኣምላኽ ንኽተቅርብን ስለ ገዛእ ርእስኻን ስለካልኦትን ነቲ ሽዑ ዝተቀበልካዮ ክርስቶስ ክትልምንን እዩ፣ በዚ ከምዚኸስ ኣብቲ መባእታዊ ጸሎት ካህን ንጸሊ ኢሉ ሱቊታ ምስ ሰዓበ ብቀዳምነት ናብ ሕልናና ተመሊስና ስለምንታይ ኣብቲ ቦታ እቲ ከምዘሎና ነስተንትን፣ ንልብና ጽን ምባልን ንጐይታ ጋህ ኣቢልካ ምኽፋትን ጥቅሙ እዚ እዩ፣ ከከም ኩነታት ካብ ዘሐጒስ ፍጻሜ ካብ ድኻም ካብ ስቃይ ካልእ ፍጻሜታትን ዝመጻእና ንኸውን እቲ ቀንዲ ከኣ ነዚ ነገራት እዚ ንእግዚአብሔር ክነግሮ ሓገዙ ክንልምን ምሳና ኣብ ጥቃና ክኸውን ንልምኖ፣ ከምኡ እውን ዝሓመሙ ወይ ኣብ ብርቱዕ ፈተነ ዝርከቡ ቤተሰብ ኣዝማድ ወይውን ኣዕሩኽቲ ክህልውና ይኽእሉ፣ ነዚኦም እውን ናብኡ ነቅርቦም፣ ናይ መላእ ቤተክርስትያንን ዓለምን ኩነታትን ዕጫን ናብ እግዚብሔር ነማሕጽኖ፣ እቲ ካህን ንጸሊ ምስ በለ ዝስዕብ ሓጺር ናይ ሱቊታ ግዜኸስ ናይ ነፍሲወከፍ ሓሳብ ጸሎት ኣኻኺቡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ብስም ኩሎም ነታ ናይ ኩሎም ሓሳብ ጸሎት ዝኣኻከበት ጸሎት ናብ እግዚብሔር የቅርብ፣ ንካህናት ኩሎም እዛ ሓጻር ናይ ሱቊታ ግዜ ክከታተልዋ ሓደራ እብል፣ ዘሀውኽ የብልኩምን ኣይትህጸጹ፣ ንጸሊ ምስ በልኩም ግዜ ሱቊታ ይተሓሎ፣ ሓደራ ካህናት ነዚ እንተዘይገበርና ንድላይን ሃረርታን ናይ ነፍሳትናን ልብናን ዋጋ ኣይንህቦን ማለት እዩ፣

እቲ ካህን ነዚ ናይ ልመና ጸሎት ክደግም እንከሎ ኣእዳው ዘርጊሑ ነቲ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ቤተክርስትያን ክትልምን እንከላ እተዘውትሩ ብናይ ልመና ምልክት ይገብሮ፣ ኣብ ብዙሕ ናይ ሮማ ስእልታት ካብ መጀመርያ ጀሚራ ቤተ ክርስትያን ነቲ ንዓለም ከድሕን ኣእዳው ኣብ መስቀል ዝዘርሔ ክርስቶስ ኣብነት ንምኽታል ኣእዳዋ ዘርጊሓ ትጽሊ፣ እቲ ክትመስሎ ትጽዕሮ ዘላ ክርስቶስ ከኣ ኣብኡ ኣብ ማእከላ ኣሎ፣ ኣብ መስቀል ክርስቶስ እቲ ሊቀካህናት ዝኾነ ክርስቶስ መስዋዕቲ ናብ ኣቦኡ ከቅርብ ውሉዳዊ ትእዛዝ ከኽብር ንዕዘቦ፣

ኣብ ሮማዊ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እዘን ጸሎታት እዚኤን ሓጸርቲ እየን ግን ኩሉ ዝሓዛ እየን፣ ነዘን ጸሎታት እዚኤን እናስተንተንካ ብዙሕ መንፈሳዊ መኽሰብ ክትእክብ ይከኣል፣ ዋላ ቅዳሴ ኣብ ዘይብሉ ግዜ እውን ነቲ ዝተነበ ቃል ኣምላኽ እንደገና ምንባቡን ምስትንታኑን ንእግዚአብሔር ከመይ ገርካ ንክትልምኖን ኣየኖት ቃላት ከምትጥቀመን ይሕገዝ፣ ሥርዓተ ኣምልኾ ንኩልና ቤትትምህርቲ ጸሎት ትኹነና፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.