2018-01-09 16:15:00

በዓለ ልደት ኣብ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን፡ ኣብ ምስሪ ሓድስ ካቴድራል ብብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ተባሪኹ


ዕለት 7 ጥሪ ኣብተን ናይ ዪሊዮስ መርሓ ዕለትን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ከምዝተብዓለ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ምስሪ ናይ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ ካይሮ ናይ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሓዳስ ዝተሃንጸት ካቴድራል ከምዝባረኹ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማርኮ ጉወራ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ጥሪ ብላቲን ስርዓት ዝተኸብረ በዓለ ግልጸት ምኽንያት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልእከ እግዚኣብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ እተረኽቡ በሸሓት ዝቝጸር ምእመን ሓቢሮም መሪሖም ምስ ኣዕረጉ ኣብ ምስሪ ንእትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እናሓሰብ፥

ንግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቅርበተይ እናገለጽኵ ንሓው ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ ከባቢ ካይሮ ንዝተሓንጸት ልደተ ዘእዚኣነ እተሰምየት ሓዳስ ካቴድራል ኣብ ዝባርኽሉ ዕለት ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያኖም ሓጐስ እሓብር፡

ከምዝበሉ ዝገለጹ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ገወራ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ሊጡርጊያዊ ስነ ስርዓት ናይ ምስሪ ርእሰ ብሔር ኣብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ከምእተረኽቡን ናቶም ምስታፍ ድማ ናይቲ ኣብ ምስሪ ዘሎ ናይ ሓባር ናብራ ዝገልጽን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክዕቀብ ሕልና ዝነቓቕሕ ምዃኑ እንክገልጹ።

ዕለት 7 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኦ ሕትመቱ፥ ዕለት 7 ጥሪ ናይ ምስራቕ ስሮዓት ዝኽተላ ግብጽን ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ሩሲያን ኣብ ኡክራይናን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ምስራቕ ኤውሮጳን ዝርከብዎም ብተቕላላ 300 ሚሊዮን ክርስቲያን  ዝሓቝፋ ኣቢያተ ክርስቲያን በዓለ ልደት ከምዘብዓሉላ ከመልክት እንከሎ። ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ብምኽንያት ዕለት 7 ጥሪ ዝተብዓለ በዓለ ልደት ንሕዝቦም ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ፥ ንመላእ አመንቲ ሓሴትን ተስፋን ዝዕደልሉን ሓሴትን ተስፋን ናይ ሩሲያ መንፈሳዊ ባህሊ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ናይ ነዊሕ ዘመናት ናይ ሩሲያ ክርቲያናውን ሕዝባዊ ባህልን መሰረት እዩ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ብዙሃን ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ዝርከብዎ ሃገረ ሰርቢያ  ናይ ቤልግራድ ናይታ ናይ ውሁዳን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ስታኒስላው ሆቸቫር ብምኽንያት በዓለ ልደት ንናይ ስርቢያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኢሪነይ ኣብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያን እውነተይና ሓድነት ከማዕድዋ ዘተሓሳስብን ከምቶም ሰብ ጥበብ ካብ ምስራቕ ብወርሒ ተመሪሖም ናብቲ ብርሃነ ብርሃንን ፍትሕን ሰላምን ሓድነት ዝዀነ ክርስቶስ ከምዘበሉ፡ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ብሓደ ከብላ በዓለ ልደት የተባብዓና ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.