2018-01-06 13:28:00

ማንም ዘይተጸበዮ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ማንም ዘይተጸበዮ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ከምዘካየዱን እዚ ኣብቲ ቤት ሕክምን ሕጻናት ዘካየድዎ ምብጻሕ ከምቲ ኣብ ቅዱስ ፍልዩ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዝፍጽምዎ ዝነበረ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝምስክር ግብረ ኖልዎ ዘዘኻኽር ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ካብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ በጺሖም ኣብ ዝተፈላለዩ ናይቲ ቤት ሕክምና ጨንፈር መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝርከቡ ሕጻናትን ወለዳቶም እናተዘዋወሩ በጺሖምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም፥ ብላቲን ስርዓት ዕለት 6 ጥሪ ዝበዓል እቶም ኮኸቡ ብምብራቕ ርእዮም ነቲ ዝተወልደ ሕጻን ክሰግድሉ ዝመጹ ሰብ ጥበብ ዘርአይዎ ኣምልኾን ስግደት ዘቃልሕ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሰብ ናይ ዘለዎ እምነት መርትዖ  ኣብ ዘረጋግጽ በዓለ  ግልጸት ዋዜማ ዝፈጸምዎ ማንም ዘይተጸበዮ ነቲ ቤት ሕምክናን ኣብኡ ንዝርከቡ ህሙማን ሕጻናትን ወለድን ኣባይቲ ስድራ ህሙማን ሕጻናትን ናይቲ ቤት ሕክምና ኣመሓደርትን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን መላእ ሰራሕተይናታትን ዓቢይ ህያብ ምዃኑ ናይቲ ቤት ሕክምና ኣደ መንበር ማሬላ ኤኖክ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ድሕሪ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይገልጻ።

እዚ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ዓቢይ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣብ 1978 ዓ.ም. ብሓልዮት ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተመስረተን ምዃኑ ኤኖክ ሓቢረን፥ ዝተፈላለዩ ውሽጣዊ ኅብረ ስነ ሕምና ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ሕጻናት ዝእለዩሉ ዝተማልኤ ሕክምና ዝረኽቡሉን ገና መድሃኒት ብዘይተረኸበሎም ዝተፈላለየ ዓይነት ሕማም ዝተጠቕዑ ሕጻናት ዝእለዩሉን ስነ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ምያዊ ብቕዓት ጥራሕ ዝተሓጽረ ዘይኰነ ሰብኣውን መንፈሳውን ባህርይ ዘለዎ ምሉእ ኣገልግሎትን ብሓፈሻኡ ኵለንተናዊ ማለት ሰብኣውነት ዘማእከለ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ እዩ እንክብላ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።








All the contents on this site are copyrighted ©.