2018-01-05 16:31:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኡሩግዋይ ልኡከ መንግስቲ ተራኺቦም


ዕለት 4 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኡሯግዋይ ልኡከ መንግስቲ ንኽዀኑ ካብ መንግስቶም ንዝተላእኩ ሓድሽ ልኡከ መንግስቲ ማሪዮ ኹዋን ቦስኮ ካቮታ ዛፐቲኒ ዘቕረብዎ ናይ መዝነት ደብዳቤ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓድሽ ናይ ሃገረ ኡሯጉዋይ ልኡከ መንስቲ ማሪዮ ኹዋን ቦስኮ ካቮታ ዛፐቲኒ ዕለት 18 ነሓሰ 1936 ዓ.ም. ዝተወልዱን በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ድቅን መባእታውን ካላኣይንላ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ተቛም ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘኣንቲጉዋ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ማሕበር ኢየሱሳውያን  ኣጠናቒቖም ብፍልስፍና ተመሪቖም ቀጺሎም ኣብ ኣርጀንቲና መንበረ ጥበብ ላ ፕላታ ብፍልስፍና ሊቕነት ኣመስኪሮም ኣብ ኡሯጉዋይ ናይ ፍልስፍና ታሪኽ መምህርን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣቢያተ ውሉደ ዘርአ ክህነት ፍልስፍናን ታሪኽ ፍልስፍናን ዝመሃሩን ኣብ ብራዚል እውን መንበረ ጥበብ ፖትሮፖሊስ ናይ ፍልስፍና መምህር ኣብ ቺለን ቀጺሎም እውን ኣብ ኢጣሊያ ትረንቶ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኣብ ናይ ኡሯጉዋይ ርእሰ ከተማ ሞንተቪደኦ ናይ ፍልስፍናን ናይ ፍልስፍና ታሪኽ መምህር ከይኖም ድሕሪ ምግልጋል ካብ 1976 ክሳብ 2006 ዓ.ም. ናይ ደሞክራሲያዊ ክርስቲያን ፖለቲካዊ ውድብ ኣቦ መንበር ኰይኖምን ካብ 2000 ክሳብ 2005 ዓ.ም. ናይ ርእሰ ከተማ ሞንተቪደዮ ምምሕዳር ኣማኻርን ናይ መማኽርቲ ኣቦ መንበርን፡ ካብ 2005 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኡሯጉዋይ ልኡከ መንግስትን ናይ ፍራንቸስካውያን ዓለማውያን ውፉያት ማሕበር ኣባልን ናይ ፍራንቸስካውያን ታሪኽ መጽናዕቲ ክፍሊ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ሓላፍን። ኣብ ኡሯጉዋይ ኣባል ማሕበር ሓቅን ፍትሕን እውን ከምዝዀኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.