2018-01-05 16:27:00

ቃል ቅዱስ ኣቦና ንካቶሊካውያን መምሃራን ኣብ ኢጣሊያ


ዕለት 5 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበር ካቶሊካውያን መምሃራን ኢጣሊያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣቐዲሞም ነቶም ብስም ኩሎም ኣባላት ማሕበር ካቶሊካውያን መምሃራን ኢጣሊያ ዘረብ ዘስምዑን ንቕዱስነቶም ኣብቲ ርክብ ዘላለዩን ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበርነት ኣገልግሎቶም ዘብቅዑ ንዘለዉ ፕሮፈሰር ጁዜፐ ደሲደሪ ምስጋናኦም ምስ ኣቕረቡ ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ቢሎም፥ ምሳኹም ሓቢረ ናይ ምርኻብ ባህልን ቃል ኪዳናዊ ርክብ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ትምህርትን ስድራን ስነ ምህዳራዊ ሕንጸትን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት ከስተንትን እፈቱ፡

ኣብቲ ናይ ምርኻብ ባህሊ ንኽሰፍሕ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እተካይዶ ጻዕሪ ሕቡራት ኰይንኵም ንእትፍጽምዎ ኣገልግሎት አመስግን። እዚ ኣገልግሎት’ዚ ድማ ጥልቅን ትኩርን ክኸውን ሓደራ እብል።

ካብቲ ንሕጻናት ዝምልከት መባእታዊ ሕንጸት ኣትሒዙ ሕይወትና ወትሩ ኣብ ሕንጸት እዩ። ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ነዚ ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ ነቲ ካባይ ንዝተፈልየ ካልአ ወጅሂ ክፉት ምዃንን ምቅባልን ዝብል ሰብኣዊ ተራኽቦነት ንዝብል ምዃናዊ ባህርይ ኣቃልቦ ጌርና እቲ ካልእ ከም ሰብ ከም ሓውን ሓብትን ምስ ባህሉን ታሪኹን ምስ ዘለዎ ጉድለታቱን ክእለታቱን ውስንነቱን ብዘይ ቅድመ ፍርዲ ክንፈልጦን ክንቅበሎን ከነኽብሮን ዝመርሕ እዩ። ኣብ ምክንኻንን ሓልዮትን ተግባራት ዘዕብይ። እዚ ባህሊ’ዚ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ከባቢና ጥዑም ንፋስ ይፈጥር፡ ጥዑይ ሕብረተሰብ የቕውም። ስለዚህ ኣብዚ ዓይነት መደብ ሕንጸት’ዚ ምስ ወለድን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ትምህርትን ቃል ኪዳናዊ ምትሕብባር ግንድ ይኸውን፡ እዚ እዩ እቲ ካልኣይ ነጥብ ቃል ኪዳናዊ ርክብ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ትምህርትን ምስ ወለድን፥ ኵሉ ከምዝፈልጦ ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ኣብዚ እዋናዊ ዓለም እዚ ቃል ኪዳናዊ ርክብ’ዚ ኣብ ቅልውላው ይርከብ። ኣብ ገለ ገለ ከባቢ ድማ ብቱኽ ኰይኑ ይርአይ። ኣብ መንጐ መምሃራንን ወለድን ዓሚይቕ ምርድዳእን ርክብ ነይሩ እዩ። እዚ ርክብ’ዚ እናደኸመ ናብ ዘይ ምርኻብ ገጹ ዘበለ ይመስል። ይዅን ደኣ እምበር ኣብ ቀደም ከምዚ ኔሩ ኣብ ዝብል ምንፋቕ ከይወደቕና እዚ ድምር ንጥፈት’ዚ መሊሱ ክስስን እንታይ ምግባር እዩ ክንብል ዝግብኣና፡ ስለዚህ ድምር ንጥፈት ክህሉ ዝድግፍ ሃዋሁ ምፍጣር የድሊ። ኣብዚ መዳይ ዝድግፍ ናይ ስነ ምምሃር ስልቲ ሓገዝ እውን የድሊ። ቅድም ግና ኣብ መንጐ መምሃራንን ወለዲ ተመሃሮን ምትሕብባር ከተባብዕ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ።

መምሃራንን ወለዲ ተመሃሮን ተጻባእትን ተኻሰስትን ክዀኑ ኣይግባእን። በንጻሩ ነቲ ዘለዎም ናይ ሕድሕዶም ሓላፍነት ኣፍልጦ ብምሃብን ብምኽባርን ኣብ እንነብረሉ ዓለም ሕንጸት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑን ጸረ ሕንጸት ዝዀኑ ልምድታትን ባህልታትን ዝፈጥሮ መሰናኽል እውን ብምልላይ ካብ ሕድ ሕዳዊ ተጻባኦነት ተላቒቖም ብሉጽ ምትሕብባር ምስ ዘቑሙ ነቲ ናይ ሕንጸት ቅልውላው ብዙሕ ጻዕሪ እውን ዝሓትት እንተዀነ በዲሆም ክእለይ ከምዝገብሩ ዝተረጋገጸ እዩ።

እቲ ሳልሳይ ነጥቢ እምበኣር ከስ፥ ስነ ምህዳራዊ ሕንጸት እዩ (ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ፥ ካብ ፍቕዲ 209-219 ረአ) ገዛእ ርእስኻ ካብ ምኽባር ዝነቐለ ከባቢኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ምክንኻን። እዚ ናይ ኣነባብራ ኣገባብ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ ዓለም ንናይ ዘይምህላው ማለት ናይ ምንጻት ሓደጋ ዝተቓልዑ ዓይነት ነፍሳት ዝግበር ክንክን ክነቓቓሕ ንርእይ ሰናይ እዩ፡ ምዝባዕ ተፈጥሮ ከይህሉ ዝድግፍ እውን እዩ። እዚ ክግበር እናተራእየ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ተዘክሮ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘለዎ ጸገም ኣቃልቦ ምንፋግን ናይ ኣማዞን ከባቢ ዓለም ክንከናኸን ናይ ሰራሕተይናታት መሰልን ክብርን ጸገም ናይ ቀዳሞት ተወለድቲ ዜጋታት ዕሽሽ ምባል ጌጋ እዩ። ስነ ምህዳር ብሓላፍነት ኣገባብ ክፍጸም ኣለዎ። እዚ ምስ ፈጣሪ እግዚኣብሔርን መድሕን እግዚኣብሔር ኣብቲ ናይ ቆስሞስን ታሪኽን ማእከል ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ መንፈስ ቅዱስ ጥዑም ውሁድ ቅንይት ናይ ተፈጥሮን ፍጥረትን ምስ ዝዀነ እግዚኣብሔር ዘሎ ርክብ ናይ ሓደ ክርስቲያን ናይ ሕይወት ኣገባብ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ክርስቲያናዊ ኣገባብ’ዚ ንክንክን ስነ ምህዳር ዓንዲ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃል፥ ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን፥ ማሕበራውነት ዓቢይ ዕሴት እዩ፡ ክዅስኮስን ክተባባዕን ኣለዎ። እቲ ናይ ጊዜ ምልክታ ብምንባብ ማሕበራውን ባህላውን ራእይ ዘለዎ  ኰይኑ ዝቖመ ማሕበርኩም ዝህቦ ኣገልግሎት ዓቢይ እዩ፡ ፍልልያትን ናይ ሓሳብ ምስሕሓባትን ኣይትፍርሑ። ማሕበራውነት ነዚ ዘነብርን ዝፈትሕን ይኹን። እዚ ግና ብወንጌላውነት ኣገባብ ፈጽምዎ። ማሕበራውነት ምዃን ዕሴት እዩ ሓላፍነት ድማ እዩ። ብሓልዮት እግዚኣብሔርን ብድጋፍ ጓሶት ቤተ ክርስቲያንን እቲ ኣብ ኢድኩም ዝተነብረ ሓላፍነት ፍርያም ይኹን፡ እዚ ርክብ ንኸነካይድ ብምፍቃድኩም ብልቢ አመስግን ነገልግሎትኵምን ንማሕበራውነትኩምን ንነፍሲ ወከፍኩምን ሓዋርያዊ ቡራኬይ እህብ። ሓደራ ስለይ ጸልዩ፡ የቐንየለይ ቢሎም ከምእተፋነዉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.