2018-01-03 16:58:00

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ፥ ዓመጽ ዳግም ብምልዕዓሉ ዓቢይ ሓዘን ይስምዓና


ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ክቡር ኣባ ዶናታይን ንሾለ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገሮም ኣማእኪሎም ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ ኣቢያተ ክርስቲያን ድሕሪ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ምኽንያት ከም ብሓድሽ ዝረአይ ዘሎ ውጥረን ቅልውላውን ዘሕዝንን ዘሰክፍን ኢዩ እንክብሉ ገሊጾም።

ሓይሊ ጸጥታ ዕለት 31 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብ ኪንሻሳ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያ ክርስቲያን ብምእታው ብዝፈነውዎ ዘንብዕ ጋዝ ምኽንያት ዝካየድ ዝነበረ ስርዓት ሊጡርጊያን ዝዓርግ ዝነበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ክቋረጽ ከምዝገበሩን ሓቢሮም፡ ነዚ ክፍጽሙ ዘለዓዓሎም ምኽንያት ግና ክሳብ ሕጂ ዘይተፈለጠ ምዃኑ ናይታ ሃገር ዕለታዊ ጋዜጣታት እንክሕብራ፡ በንጻሩ ናይ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ቀረባ መዓልታት ብምኽንያት ዝኽሪ ሓደ ዓመት ኣብታ ሃገር ኣብ 2017 ዓ.ም. መወዳእታ ወርሒ ብስም ቅዱስ ሲልቨስትሪ ዝጽዋዕ ስምምዕ መሰረት ቅድሚ ሓደ ዓመት ንኽካየድ ተሓቂኑ ዝነበረ ናጻን ዴሞክራሲያውን ሕዝባዊ ምርጫ ንምዝኽኻር ኣብ ቀረባ መዓልታት ውሽጢ ከምዝካየድ ዝተነግረ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ መርሐ ግብር ንምድንቓፍ ዝኣመተ ምዃኑ ኣመልኪተን ኣስታት 12 ዝግመቱ ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ኣውን ብሓይሊ ጸጥታ ተታሒዞም ንቤት ማእሰርቲ ከምእተዳረጉ ይገልጻ።

ኣባ ዶናታይን ንሾለ ይብሉ፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብምእታው ስርዓተ ቅዳሴን ስርዓት ሊጡርጊያን ምህዋኽን ክቋረጽ ምግባር ብሃቂ ዘሕዝን ጥራሕ ዘይኰነስ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ዓቢይ ስግዓት ዝዳጐነ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ናጻን ደሞክራሲያውን ሕዝባዊ ምርጫ ንኽካየድ ተሓቂኑ ሰላማዊ ኵነት ንምፍጣር ዝተኻየደ ጻዕሪ ከምዚ ዓይነት ምስሕሓብን ውጥረትን ከይህሉ ንምግባር ዘይምኽኣሉ ብሓቂ የሕዝን ቢሎም፡ እቲ ዘድልይ ናጻን ዴሞክራሲያውን ምርጫ ምክያድ እዩ፡ ምእመናን ኣብ እምነት ጸኒዖም እምንቲ ሰላም ክጽልዩን ቅዋም ሃገር ብዘኽብር ኣገባብ ሰላማዊ መገዲ ዝኽተል ኣገባብ ገይሮም ሓሳቦም ክገልጹን ንዓመጽን ዕግርግርን ክዳርግ ካብ ዝኽእል ተግባራት ኩሉ ክቑጠቡ ሓደራ ናይ እምነትን ተስፋን ሰባት ምዃንና ንመስክር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.