2018-01-03 16:51:00

ብፁዕ ኣቡነ ካማራ ኣብ ብራዚል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓላዊ


እቶም መላእ ሕይወቶም ንድኻታን ብምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ንዝሳቐዩን ዝሳደዱን ንዝነበሩ ዜጋታት ጠበቓን ድምጽን ብምዃን ወንጌላዊ ኣገልግሎቶም፥ እዞም ሕዝቢ እዚኣቶም ምሳይ ካብ ዚቕንዩ ሰለስተ መዓቲ ዀይኑ ኢዩ። ዚብላዕ ከኣ የብሎምን እሞ የደንግጹኒ ኣለዉ” (ማር. 8 2) ዝብል ቃል ኢየሱስ ክርስቶን ሕያዋይ ጓሳ ምዃን ስግው ገይሮም ብቓልን ሕይወትን ዝመስከሩ ኣብ ብራዚል ፎርታለዛ ከተማ ዕለት 7 ለካቲት 1909 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 27 ነሓሰ 1999 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ረሲፍ ዝዓረፉ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ  ሀደር ፐዛው ካማራ ዕለት 27 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ናይ ብራዚል ሕዝባዊ ባይቶ ናይ ባህሊ ጉዳይ ድርገት ብራዚሊያዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓላዊ እንክብሉ ከምዝሰመዮም ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ካብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ድኽነት ዝመረጹ

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሀልደር ፐዛው ካማራ ናይ ድኻታት ጳጳስ ዝብል መጸውዒ ገና ኣብ ምድራዊ ሕይወቶም እንከለዉ ዝተውሃቦም ስም ከምዝነበረን ኣብቶም ዝሳቐዩን ድኻታትን ናይ ክርስቶስ ኣካል ኣስተውዒሎም ኩሉ እዚ ምስትውዓል ክህልዎ ብቓልን ተግባርን ዝህብዎ ዝነበሩ ምስክርነት ነቲ ኣብ ብራዚል ካብ 1965 ክሳብ 1985 ዓ.ም. ዝነበረ መላኺ ወተሃደራዊ ስርዓት ድቃስ ዝኸልኡን ናይ ጐድኒ እሾዀ ኰይኖም ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብፍላ ድማ ናይ ድኻታትን ዝተናዕቁን እሱራትን ኵሎም ብዘይ ቅድመ ኵነት ክኽበር ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ብዓውታ ዘስተምሃሩ ብምዃኖም ድማ እቲ ወሃደራዊ ስርዓት ንነዊሕ 16 ዓመታት ካብ ምጥቃም መራኸቢ ብዙሃን ተኣጊዶም ብዙሓት ተሓባበርቶምን ቀረባኦምን ዝነበሩን እንክቕተሉን እንክሳቐይን ንሶም ግና ስለ ድኻታት ምስዋዕ ጽዋዕታና ኢዩ ቢሎም ስለ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝጣበቑን ድኻ ምስ ድኻታት ኰይኖም ኣብ ሰበኻኦም ዝግብኦም መንበር ጳጳሳዊ ሕንጻ ንግዳም ሓደር ድኻታት ሂቦም ኣብ ንእሽተይ ድኻ ቤት ምንባር ዝመረጹ፡ ድኽነት ብምንባር ኵለንተናኦም ንኽርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን ዘወፈዩ ምዃኖም ካምፓኒለ የዘኻኽራ።

ሕርኩት ኣገልግሎትን ምኹናት ጸረ ሰብኣዊ ተግባራን

ኣብ ሰብዓታት ብፁዕ ኣቡነ ሀልደር ካማራ እቲ ወትሃደራዊ ስርዓት ኣብ ብራዚል ኣብ ልዕሊ ኵሎም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ ውድባት ኣባላት ብስሩዕ ኣገባብ ጥሕሰት መሰንል ክብርን ዝፍጽሞ ዝነረ ግብረ ቅትለን ምስቃይን ጸቕጥን መግረፍትን ብግልጺ ብምዅናን ዝፍጽምዎ ዝነበረ ወንጌላዊ ተግባር ምኽንያት እቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ዴሳዊ ኣቡን ብዝብል መጸውዕ ስም ስሞም ኣብ ዘጸልመሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቶም መግቢ ዘይብሎም ድኻታት ዝብላዕ ከቕርብ እንከለዅ ቅዱስ ይብሉኒ፡ ድኻታት ስለምንታዩ ዝብላዕ ዘይብሎም ቢለ ሕቶ ምስ ዘቕርብ ግና ዴሳዊ ይብሉኒ፡ ንዝጠመየ መግቢ ምቕራብ ቅዱስ የብል፡ ስለንታይ ወዲ ሰብ ዝብላዕ ዝስእን ቢለ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ፍትሒ ምስ ዝጣበቕ ዴሳዊ ይብሉኒ ቢሎም ይምልሱ ከምዝነበሩ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ካምፓኒለ ኣስዒበን፥ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣባ ማያ፥ ነቢይን እውነተይና ወንጌላዊ ጓሳ ቢሎም ብምግላጽ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብፁዕ ደሓር ቅዱስ ቢላ ንኽትእውጀሎም ዘብቅዕ ከይዲ ብዕሊ ብፍቓድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተበገሰ ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺረን ዘመሓላለፍ ጸብጻብ የጠቓልላ።








All the contents on this site are copyrighted ©.