2018-01-03 16:47:00

ብፁዕ ኣቡነ ብረጋንቲኒ፥ ግብረ ቀናኢነት ዘይሕለል ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2017 ዓ.ም. መስመር እዩ


ኣብ ኢጣሊያ ናይ ካምፖባሶን ቦያኖን ሰብኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ብረጋንቲኒ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2017 ዓ.ም. እንታይ ተምስሎኡ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቀንዲ ረቛሒ ዓቢይ ቀናእነትን ዘይሕለል ጻዕርን ብዝብል ቃልን ግብርን ዝጠቓለል እዩ ቢሎም፡

ካብ ሮሂንግያ ክሳብ ናይ ኮሎምቢያ ሶውርያዊ ግንባር

ቅዱስ ኣቦና ብተግባሮምን ብዝህብዎ ኣብነትን ዘመሓላልፍዎ ቃልን ናይ ፍጥረት ሰብ ልቢ ዝተንከፉን ኵሉ ናብ ዘተ ከኣምን ዘተባብዕሉን ህላዌኦምን ኣብ ዝልግስዎ ኣስተንትኖን ቃሎም ኩሉ በቲ ዓቢይ ዝዀነ ልዑል መደብ ኣምላኽ ክንበብን ክንበርን ይዕድሙ። ኣብ ኮሎምቢያ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ መሰልን ክብርን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ክኽበርን እቲ ዝጸውዕዎ ናይ ከባቢ ኣማዞን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መደብን ስነ ምግባራውን ግብረ ገባውን ጻውዒት ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ዘቕረብሉ ዓመት እዩ።

ናይ ሓባር ዘተ፡ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታን

ብፁዕ ኣቡነ ብረጋንቲኒ ንዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ሉተራናዊ ሕዳሴ ቅዱስ ኣቦና ብኣካል ኣብ ሽወደን ሉንድ ከተማ ተረኺቦም ምስ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ዘካየድዎ ርክብን ኣብ ንሓድነት ዝኣመተ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ከመይን እንታይን ክኸውን ክምዘለዎ ብትኽክል ብግብርን ቃልን ዘነጽር እዩ። ሉተር ብዙሕ ዘካትዕ ንብዙሕ ሽግር ምኽንያ ዝዀነ ሕቶ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዓዓለ እዩ፡ ነዚ መሰረት ገይርካ መናፍቅ ወይ ሃራጥቀ ምባሉ ዘይኰነስ፡ ዳላዪ እግዚኣብሔር ምዃኑንን ንጽሕቲ ቤተ ክርስቲያን ሃረር ካብ ምባል ዝነቐለ መፈስ ምዃኑ ምርዳእ ከምዘድሊ ኣረዲኦም እዮም። ቅዱስነቶም ኣብ ሉንድ ምስ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነበርዎ ናይ ሓባር ርክብ ናብ ሓድነት ዝኣመተ ከይዲ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዚ ክኸውን ኣለዎን ከይበሉ በቲ ዝነበርዎ ኩነት ብተግባር ዝመስከርሉ ኩነት ምዃኑ ተንቲኖም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምስሪ ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ነቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ኣብነት እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ንናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርተ ክርስቶስ ሓድሽ መሰረት መሰረት ሓቢሮም

ብፁዕ ኣቡነ ብሪጋንቲኒ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ብምኽንያ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መዝገብ፥ ኣብ ክርስቲያናዊ ሕንጸት እቲ ጽዑቕን ዓሚዪቕን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርተ ክርስቶስ መዝገብ እንተድኣ ዘይተሳዅዔ በራሲ እዩ ዝኸው እንክብሉ ትምህተ ክርስቶስ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክርስቲያናውን ክህነታውን ኩሉ ጸዋዕታን ሕንጸት መሰረት ምዃኑ የመልክቱ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.