2018-01-02 18:39:00

ንደቂሰባት ምግልጋል ንእግዚአብሔር ምግልጋል እዩ! ር.ሊ.ጳ ኣብ በዓል እመ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም!


ንደቂሰባት ምግልጋል ንእግዚአብሔር ምግልጋል እዩ! ር.ሊ.ጳ ኣብ በዓል እመ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም!

ብመሠረት ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ትማሊ በዓል እመ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል! እንክዝከር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚልካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ ‘ካብቲ ኣብ ከርሲ ኣዲዑ ዘሎ ዕሸል ክሳብ ዝለዓለ ዕድመ ሽምግልና ዝበጽሔ ሽማግለ ትሳቀን ሕምምትን ክሳብታ ዘይትምእምእን ዝተነጽገትን ሃንጐፋይ ኢልካ ብምቅባል ተፍቅራን ትሕግዛን’ ክብሉ በታ ብስም እታ ናይ ደቂሰባት ሥልጣናዊ ማሕተም እግዚአብሔር ቢሎም ዝሰመይዋ እኖና ማርያም ሓዲስ ዓመት ምኽፋቱ ዓቢ ትርጉም ከምዘለዎ ገሊጾም፣ ኣደና ማርያም ነዛ ዓመት እዚኣ ክትሕልዋን ናይ ወዳ ሰላም ናብ ልብታትናን ናብ ዓለም ምሉእን ክተምጻኣልና ከኣ ኣባታዊ ምርቃኦም ሂቦም፣

እዛ ዕለትዚኣ ኣብ ርእሲ ርእሰ ዓመት ጎርጎርያሳዊ መራሕ ዕለት ናይ ዝኽተሉን በዓል እመ ኣምላኽ ቅድስት ድንግልን ምዃኑ መበል 51 ዓለም ለኸ ዕለተሰላም ዝዝከረሉን እውን ስለዝነበረ ቅዱስነቶም `ወልደ እግዚአብሔር ብምሥጢረ ሥጋዌ ካብ ድንግል ማርያም ሥጋ ካብ ዝለበሰሉ ጀሚሩ ክሳብ ንዘለዓለም ነታ ዝጠበቀቶ ሰብአውነትና ተሸኪምዋ ይጐዓዝ፣ ብዘይሰብ እግዚአብሔር የለን! ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ካብ እኖና ድንግል ማርያም ዝወሰዳ ሥጋ ናቱ ገርዋ ናቱ ኰይና ከኣ ንዘለዓለም ክትነብር እያ፣ አደ ኣምላኽ ክንብል ከሎና እግዚኣብሔር ናብ ደቂሰባት ከምቲ ሓደ ሕጻን ናብ ኣዲኡ ዝቀርብ እሞ ኣብ ሕቚፋ ትስከሞ እዩ፣  መወዳእታ ኣልቦ እግዚአብሔር ብወላዲቱ ንእሽቶ ሕጻን ኮይኑ፣ ዘመደ ኣዳምከስ በይኑ ኣይኮነን፣ ዘኽታም ክኸውን ዘይሕሰብ እዩ! ርእሰ ዓመት ከኣ በዚ ሠናይ ብሥራት እዚ ይወግሕ፣ ንሕና ንማርያም ኣደ ኣምላኽ ቢልና ንጽውዓ፣ ዘለዓለማዊ ታሕጓስና ከኣ በይንና ምዃና ወይ ብሕትውናና ተሳዒሩ፣ ፍቑራት ውሉድ ምዃናን እዚ ሕጻንነትና ከኣ ካባና ፈጺሙ ከምዘይውሰድን ምፍላጥ ክንደይ ጥዑም እዩ፣ ሰብአውነት ንእግዚአብሔር ክቡርን ቅዱስን ምዃኑ ኣብቲ ተኣፋፊ ዝኾነ ኣብ ሕቊፉ ኣዲኡ ዝርከብ እግዚብሔር ነጸብራቅና ንርእዮ፣ ስለዝኾነ ከኣ ንሕይወት ደቂሰባት ምግልጋል ንእግዚአብሔር ምግልጋል ኮይኑ ንኩሉ ሕይወት ዘመደ ኣዳም ‘ካብቲ ኣብ ከርሲ ኣዲዑ ዘሎ ዕሸል ክሳብ ዝለዓለ ዕድመ ሽምግልና ዝበጽሔ ሽማግለ ትሳቀን ሕምምትን ክሳብታ ዘይትምእምእን ዝተነጽገትን ሃንጐፋይ ኢልካ ብምቅባል ተፍቅራን ትሕግዛን፣

ካብ እኖና እግዚእትነ ማርያም ንመሃሮ ዓቢ ነገር ብሱቚታ ነቲ ዝተዋህበካ ምዕቃብ እዩ፣ ነቲ ዓቢ ምሥጢር ዝኾነ እግዚብሔር ምሽካምን ብሱቚታ ምዕቃቡን ክልተ ዝዓበያ ምሥጢራት ወላዲተ ኣምላክ እየን፣ ነፍስወከፍና ካብኣ ተማሂርና ‘ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ክርስትያን ኣነውን ኣብዚ ዝጅመር ዘሎ ዓመት ናይ ዝሓለፈ ሸኽሚ ንድሕሪት ገዲፍና ነቲ ቀንድን ዘድልየናን ብሓዲሽ ንምጅማር ካብ ማእከል እንደግና ንምብጋስ’ ዝብል መንፈስ ይሰመዓና፣  እዛ ማእከል ዝበልናይ መንቀሊ ባይታና እኖና ማርያም እያ ምኽንያቱ ከኣ እቲ እግዚአብሔር ንሕናን ዝግበኣናን ቤተክርስትያንን ክትኮኖ ዘለዋን ማለት ርሕርሕትን ትሕትን ብናይዚ ዓለምዚ ነገራት ድኻ ብፍቅሪ ግን ሃብታም ካብ ሓጢኣት ናጻ ኮይና ምስ ክርስቶስ ሓደ ዝኾነትን ንእግዚአብሔር ኣብ ልባ ንብጻያ ከኣ ኣብ ሕይወታ እትሕሉ ንክትከውን ዝምነዮ እኖና እግዚእትነ ማርያም ስለዝፈጸመቶ ክንመስላን ኣብነታ ክንክተልን ኣሎና፣ ጉዕዞና እንደግና ክንጅምር እንተደሊና ንማርያም ንጠምት፣ ኣብ ልባ ልቢ ቤተክርስትያን ይሃርም፣ እዚ ሎሚ እነብዕሎ በዓል ንቅድሚት ክንግስግስ እንተኾና ካብቲ ኢየሱስ ዝተወልደሉ መብልዕ ማል ካብታ ንእግዚብሔር ሓቚፋ ዘላ ማርያም ክንጅምር ኣሎና፣  

ነቲ ኢየሱስ ዝተወልደሉ በዓቲ ክንጥምት ከሎና ሱቚታ የድልየና፣ ከመይ ኣብኡ ክሳብ ክንደይ ዝተፈቀርና ምዃና ዳግም ንርዳእ ሓቀኛ ትርጉም ሕይወት ነስተማቅር፣ ሱቚ ኢልና ብጸጥታ እንክንዕዘብ ኢየሱስ ንልብና ክዛረቦ ነፍቅደሉ፣ ትሕትናኡ ንትዕቢትና ይብትኖ! ድኽነቱ ንከንቱነትና ይኣልዮ ለውሃቱ ነቲ ከም ከውሒ ደሪቁ ዘሎ ልብና የንቀሳቅሶ! ዕለት ዕለት ንእሽቶ ግዜ ናይ ሱቚታ ፈሊና ምስ እግዚአብሔር ብምዃን ንነፍስና ንዓቅብ! ንነጻነትና ከኣ ወራሪ ካብ ዝኾነ ከንቱነትን ምውዕዋን ዘየድሊ ከንቱ ዘረባ ካብ ምዝራብን ካብቲ በርቃዊ መጥቃዕቲ ዝኾነ በላበለውን ሕሜታን ንሕሉ፣ ንማርያም እንክንጥምት ከኣ ንከንቱነት ገዲፍና ኣድላዪ ንዝኾነ ነገራት ክንመርጽ ንተባባዕ፣ ናይዛ ሰማያዊት ኣደና ውህበትከስ ከምቲ ውህቦቱ ዝኾነት ኣደን ሰበይትን ነታ ኣደን ሰበይትን ዝኾነት ቤተክርስትያን ብጣዕሚ ክቡር ትዕድልቲ እዩ፣ ኣብ ናብራ ሰብኣይ ክሓስብን ከረጋግጽን ተጽዕኖ እንክገብርን ኣደ ዝኾነት ሰበይቲ ግን ከመይ ገርካ ከምዝዕቀብን ኣብ ልብኻ ከምትትኣሳስሮን ሕይወት ከምትዘርኣሉን ትፈልጥ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

 

 

ኣደና ማርያም ኣብ መጎ ወዳን ኣብ ጸገም ዝርከቡ ደቂሰባትን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ወትሩ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ከምዝገብርዎ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ናይ 2018ዓምፈ ቀዳማይ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚብሔር ‘እኖና እግዚእትነ ማራይማ ንፍጻሜ ልደት ኣብ ልብኻ እምበር ብደጋዊ ረኣዪለይ ስምዑለይ ከምዘይኮነ ትምህረና ነዚ ዓቢይ ህያብ እግዚብሔር ከመይ ገርካ ከምትቅበሎን ኣብ ልብኻ ከም እትዕቅቦን ከም እተስተንትኖን መንገዲ ትሕብረና’ እንክብሉ ቀዳማይ ኣስተምህሮኦም ኣቅሪቦም፣

ቀዳመይቲ ሓዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃና ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነዚ ዘብቅዓ እምነታ ስለዝኾነ እዚ ከኣ ነቲ ኣደነታ የስፍሖ፣ ብመሠረቱ ኣብ ቃና ዘገሊላ ነቲ ቀዳማይ ምልክት ዝኾነ ቀዳማይ ተኣምር ከምዝፍጸም ዝገበረውን እዚ እምነታ እዩ፣ ከምቲ ወንጌላዊ ኣንከሩ ሚሆሮቱ ጣዕመ ነገሩ ወኣምኑ ቦቱ ኣርዳኢሁ፣ ኣርድእቱ ጣዕሚ ነገሩን ትምህርቱን ኣድነቑ ብኣኡ ከኣ ኣመኑ ከምዝብሎ እዚ እምነት ማርያም እዚ ናብ ሓዋርያት እውን ሰፍሔ፣ ልክዕ በዚ እምነት እዚ ከኣ ኣብ እግሪ መስቀል ወዳ ኮይና ንሓዋርያ ዮሓንስ ወዳ ክኸውን ትቅበሎ ኣብ ምወዳእታ ከኣ ድሕሪ ትንሥኤ ጸላዪት ኣደ ቤተ ክርስትያን ኮይና ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ኣብ ርእሶም ከምዝወርድ ትገብር፣ ስለዚ ኩልና ኣተናናን ጠመተናን ናብኣ ገርና ኣብ እናታዊ ምክልኻላ ኰና ኣብ እንገብሮ ዝኾነ ጉዕዞ ብሓዲስ ምስኣ እንደገና ንጀምር፣’ እንክብሉ ከምቲ ዮሓንስ ሓዋርያ ዝገበሮ ወትሩ ምሳና ሒዝና ንገዛና ክነእትዋን ምስኣ ክንጐዓዝ ድሕሪ ኣዘኻኺሮም ፍሉይ እጃም ሥራሓ  ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

ቀንዲ እጃም ሥራሕ ማርያም ኣብ መንጎ ወዳ ኢየሱስን ምስ ገበታ ጸገሞም ዘለው ደቂሰብን ኰይና መንጎኛ ትኸውን፣ ክእለት ኣደ መጠን ክሳብ ዘፍቀደላ ከኣ ተማልድ ንኩሉ ጸገማት ደቂ ሰባት ናብ ወዳ ተቅርብ ምናዳ ከኣ ናይቶም ድኹማትን ጽጉማትን ጸገም ተቅርብ፣ ኣብቲ ሎሚ ዝዝከር ዓለምለኸ ዕለተ ሰላም ቀንዲ ንዝክሮም ከኣ እዚኦም ድኹማትን ጽጉማትን ንብሎ ኮይኑ ከም መሪሕ ሓሳብ ‘ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን፣ ኣብ ምድላይ ሰላም ዝርከቡ ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን` ይብል፣ ኣብዚ እውን ሎሚ ደጊመ ናይዞም መጻኢኦም ሰላም ክኸውን ሃንቀው ዝብሉን ዝምህለሉን ኣሕዋትን ኣሓትን ድምጺ ኮይነ እዛ ዝደልይዋ ዘለው ሰላም መሰል ናይ ኩልና እዩ እብል ኣሎኹ፣ ብዙሓት ካብዚኦም ኣብቲ ነዊሕን ሓደገኛን ዝኾነ ጉዕዞ ንሰላም ክደልዩ ሕይወቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረዱ ክንደይ ድኻምን ስቃይን ዝተቀበሉ እዮም፣ ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት ንስለሰላም ብልግሲ ክትሰርሑን ዓለምና ተሓጋጋዝን ተቀባልን ከምዝኸውን ክትገብሩ በዓል ተስፋ እየ፣ ሓደራ ነዛ ተስፋ እዚኣ ከይተጸልምትዋ፣   ነቲ እዞም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ክረኽብዋ ሃረር ዝበልዋን ብሰላም ክነብሩ ተስፋ ዝገበርዎን ንከይጽልምት ኩሎም ብሓባር ሲቪላውያን ተቅዋማትን ናይ ኲስኰሳ ትካላትን ናይ ቤተክርስትያን ግብረሰናይ ኣገልግሎታትን ስለሰላም ክሰርሑን ክቃለሱን ሓደራ እብል፣ ንዚ ሓዲስ ዓመት ከኣ ናብ ሓለዋ እመ ኣምላክ ነማዕቊብ ንሳ ከኣ ወዳ ነዛ ዓለምና ሰብ ዝነብረላን ምትሕግጋዝን ምቅባል ሰባትን ዝመለለዪኣ ክገብረልና ተማልደልና እንክብሉ ኣስተምህሮም ኣቅረቡ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.