2018-01-02 16:23:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2017 ዓ.ም. ፍጻሜታት


ናይ 2017 ዓ.ም. ፍጻሜታት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሮማን ካባቢኣን ብርእደ መሬት ናይ ንዝተጠቕዓ ከባቢ ሕዝቢ ዘርኣይዎ ቅርበትን ዝለገስዎ ደገፍን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት ሃገራትን ኒክለሳዊ ኣጽዋር ክውገድ ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ጻውዒትን ንኤውሮጳ መራሕቲ ዘስምዕዎ ዘረባን ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራም ብን ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ርእሰ ብሔር ኣቡ ማዘንን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ነቱኖ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ወትሃደራት መቓብር ስፍራ ዝፈጸመዎ ምብጻሕ ኣብ ምያንማርን ባንግላድሽን ዝኣመሰለ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጐሊሒ ዝግለጸሉ  ዓመት ከምዝዀነ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ጋዜጠይና ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ካብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዕለት 5 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ሸውዓተ ሺሕ ናይተን ኣብ 2016 ዓ.ም. ወርሒ ነሓሰን መስከረምን ብርእደ መሬት ዝተጠቕዐ ካብ ላዚዮን ኡምብሪያን ማርከን ክፍለ ሃገራት ከባቢ ዝተዋጽኡ ምእመናን ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ዕለት 14 ጥሪ 2017 ዓ.ም. ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ምሕደራ ርእሰ ብሔር ኣቡ ማዘን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍልስጥኤም ልኡከ መንግስቲ ንፈለማ ጊዜ ከምዝቖመን ዘዘኻኸሩ ጂሲቲ ኣስዒቦም፥ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ዕለት 17 ለካቲት ንፈለማ ጊዜ ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሮማ ሳልሳይ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ተመሃሮን መምሃራንን ተራኺቦም ዛዕባ ተወሃሂድካ ምንባርን ስደተይናታትን ኣደጊፎም ስደተይናታት ሃብቲ እምበር ስግኣት ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን ኣብቲ መንበረ ጥበብ ምብጻሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. እውን ከምዝዀኑ የመልክቱ።

ዕለት 27 ለካቲት እውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣንግሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ኣካይዶም እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝከየድ ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳስነቱ ከምዘቃልሑን ኣብታ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ር.ሊ.ጳ. እውን ምዃኖም ጂሶቲ የዘኻኽሩ።

መጋቢት 2017 ዓ.ም.፥ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቅዋሜ ዘበገሰ ብናይ ሮማ ውዕል ዝፍለጥ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት ዕለት 24 መጋቢት  ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ምብጻሕ ኣካይዶም፥ ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቅዋሜ መሰረት ካብ ሓድነትን ክሳብ ምትሕብባርን ስድራ ቤት ክሳብ ድጋፍ ንመንእሰይ ወለዶን ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ዘዘኻኽር ዘረባ ከምዘስምዑ ዝጠቐሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፥

ኣብ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓ.ም. ድማ እቲ ዕለት 14 ለካቲት 2017 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣደባባይ ኮሎሰዩስ ኣብ ዝተኻየደ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ተሳቲፎም፥ የዕንትና ብግብረ ክፍኣትና ሕፍረት ተመሊኤን ንታሕቲ እናጠመትና ልብና ግና ብተስፋ ተመሊኡ ናባኻ የብል ኣሎ ዝብል ንናይ ሕልና መርመራ ዝዕድም ጸሎት ከምዘስምዑን፡ ብበዓለ ፋሲካ ምኽንያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ናይቲ ዝተናዕቀ ደሓር ናይ ህልውናና ዓንዲ ዝዀነ ምስጢር በዓል ኢዩ እንክብሉ ናይ ኢየሱስ ትንሳኤ ምስጢር ብዕምቆት ከምዝተንተኑ የዘኻኽሩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ካብ ዕለት 28 ክሳብ ዕለት 29 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዘከየዱን ኣብ ውርሒ ግንቦት 2017 ዓ.ም. ዕለት 4 ግንቦት ንፈለማ ጊዜ ናይቲ ዘቖምዎ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ምዕዳን ከምዝለገሱን ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 13 ግንቦት 2017 ዓ.ም. ኣብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ወግዓዊ መበል 19 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዘካየዱን፡  ዕለት 24 ግንቦት ድማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንፈለማ ጊዜ ወግዓዊ ምብጻሕ ንዘካየዱ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናል ትራምፕ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ስደተይናታትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ህልው ኩነትን ስደትን ጸኣትን ማሕበረ ክርስቲያንን ዛዕባ ኣሸበርትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝርርብ ከምዘካየዱ ዘዘኻኸረ ናይ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ጸብጻብ ኣስዒቡ፥  ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም. ድማ ዕለት 3 ሰነ 2017 ዓ.ም. ልዕሊ 50 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ኣባላት ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ናይቲ ካቶሊካዊ ማሕበር ምስረታ ምኽንያት ሮማ ኣብ ዝርከብ ማሲሞ ኣደባባይ (Circo Massimo) ኣብ ዝተኻየደ በዓለ ዋዜማ ተረኺቦም ይቕረ ምባልን ምሕረትን ምምሕሓርን እቲ ዓቢይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ምዃኑ ከምዘረድኡን ዕለት 10 ሰነ 2017 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ኵሪናለ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይ ኢጣሊያ ረፓብሊካዊት ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ከምእተራኸቡን ንዅሉ ዝኽሰትን ዘሎን ቅልውላው ምፍታሕ ብጥምረትን ዓቕምን ሓይልን ብምውህሃድን ንናይ መንእሰይ ወለዶ ሰናይን ክቡርን መጻኢ ዘስተውዕል መደብ ወሳኒ ምዃኑ ከምዝሓበሩ የመልክት።

ዕለት 17 ሰነ 2017 ዓ.ም.  ናይ ጀርመን ርእሰ ብሔር ኣንገላ መርከል ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ኣብ ዓለም ድኽነት ንምውጋድ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጻዕርን ምትሕብባርን ብዛዕባ ኣሸባርነትን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ምዝባዕን ብከላን ኣብ ዝብሉ ኣርእስተ ጉዳያት ናይ ሓሳብ ልውውጥ ከምዘካየዱን ዕለት 28 ሰነ 2017 ዓ.ም. ብዓመታዊ በዓለ ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስን ምኽንያት ንመጀመሪያ ጊዜ ናይ ላኦስን ናይ ኤል ሳልቫዶርን ቀዳሞት ካርዲናላት ዝተሾሙሉ ብሐቕላላ ንሓሙሽተ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ካርዲናል ማዕርግ ከምዝሃቡ ጸብጻብ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ የዘኻኽር።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም. ብትኽክል ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 11 መስከረም 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ኮሎምቢያ መበል 20 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱን። ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ብትኽክል ዕለት 11 ጥቅምቲ ቅዱስ ኣቦና ንዝኽሪ መበል 25 ዓመት ቅዋሜ costituzione apostolica  Fidei Depositum- ሓዋርያዊ እምነት ዕቃቤ ቅዋም ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉብኤ እቲ ካብ ሓዋርያትን ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ዝተመሓላለፈልና ጠመቕ ናይ እምነት ትምህርቲ ዕቃቤ ሓዋርያዊ ቅዋም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፈውሲ ሓሳዅ ነጺግካ ከይትንከፍ እተንብሮ ከምዘይኰነ ኣመልኪቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ እምነት ባህልን ትውፊትን ጭቡጥ ህያውነት ለበስ ምዃኑ ዝምዕብልን ዝዓብን ክምዝዀነ ዘተሓሳስብ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ጂሶቲ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ሓቢሮም፥  ሕዳር 2017 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓት ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ኵሎም ሙታን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ሮማ ኣብ ዝክረብ ናይ መቓብር ስፍራ በጺሖም ቀጺኦም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ከባቢ ኢጣሊያ ምስ ናዚ ኣብ ዝተኸየደ ውግእ ዝተሰውኡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወትሃደራት ዝተቕብርሉ ኣብ ከተማ ነቱኖ ኣብ ዝርከብ ናይ መቓብር ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም፥ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከይፍጸም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 ዘቕረብዎ ጻውዒት ተወኪሶም ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝከየዱ ውግእን ግጭትን ኩሉ ደው ክብልን ኩሉ ናብ ናይ ዘተ ባህሊ ከብል ሓደራ ከምዝበሉን ደሓር እውን ናብቲ 335 ብስርዓት ናዚ ዝተቐትሉ ናይ ነጻነት ሓይልታት ኣባላት ወትሃደራትን ተራ ዜጋታትን ኢጣሊያ ናብ ዝተቕብርሉ ሮማ ከባቢ ኣርደኣቲነ ናብ ዝርከብ ናይ መቓብር ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ጸሎት ከምዘዕረጉ የዘኻኽሩ።

ዕለት 10 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ብሓድልዮት ቅድሱነቶም እቲ ዘቖምዎ ሓድሽ  ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘነቃቕሕ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝጠለቦ ዛዕባ ምርጋፍ ኑክለሳዉ ኣጻዋር ኣብ ዝዝትይ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ናይ ፍርሕን ሞትን ባህሊ ምስናፍ ከምዘድሊ ዘተሓሳብ ዘረባ ከምዘስምዑን፡ ካብ ዕለት 26 ሕዳር ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ኣብ ምያንማርን ሃገረ ባንግላደሽን ወግዓዊ መበል 21 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዘካየዱን ጠቒሶም ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዝሃብዎ ጸብጻብ ኣጠቓሊሎም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.