2018-01-02 18:54:00

ቅዱስ ወንጌል ንስድራቤታት ወላውን ነቶም ዝቈሰሉ ከይተረፉ ሓደስቲ መንገድታት ይኸፍት! ር.ሊ.ጳ


ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ሎሚ ብጎርጎርያሳዊ ባሕረ ሓሳብ ርእሰ ዓመት ናይ 2018 ዓም እዩ፣ ዘብዝሕ ክፋል ዓለምና በዚ መራሕ ዕለትዚ ስለዝምራሕ ርሑስ ሓዲስ ዓመት ክበሃሃል ሰናይ ምንዮት እንክገልጽ ብወገን ቤተክርስትያን ድማ ትማሊ ምሸት ድሮ ሓዲስ ዓመት ብዝቀረብ ተ ደዩም ኦ ጐይታ ንኣኻ ክብሪ ነቅርብ ንኣኻ ንውድስ ንኣኻ ነመስግን ብዝብል ጸሎተ ዋዜማ ዝጀምረ ብናይ ሎሚ ናይ ምስጋና ቅዳሴ ይዛዘም፣ እዚ ኣገባብ እዚ ከምቲ ኣብ ሃገርና ብበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ርእሰ ዓመት ሃገርና ዝግበር ኣብ ነፍስ ወከፍ ቊምስናን መንበረ ጵጵስናን ብክብ ዝበለ ድምቀት እንክግበር ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ከኣ ካብ ሮማን ከባቢኣን ብዝመጹ ምእመናንን ካብ ዝተፋላለዩ ክፍላት ዓለምና ንንግደትን ካልእ ጉዳይን ዝመጹ ነጋድያንን ኣብ ቅርዓትን ኣብ ውሽጢ ባዚሊካን ብር.ሊ.ጳ ዝምራሕ ጸሎታት ምስጋናን ኣስተንትኖን ይቀርብ፣

ኣብቲ ትማሊ ምሸት ዝቀረበ ጸሎተ ዋዜማ ምስጋና ቅዱስነቶም ነቲ ንዝሓለፈ ዓመት ሂቡ ብጸጋኡን ብፍቅሩን ዝዓቀበና ኣምላኽ ድሕሪ ምምስጋን ነቶም ጻውዒት ኣምላኽ ሰሚዖም ንሠናይ ነገር ናይ መላእ ሕብረተሰብና ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመተ 2017 ኣበርክቶ ንዝገብሩ ኩሎም ኣመስጊኖም፣ ሽሕኳ 2017 ዓመተ ምሕረት ብናይ ሞት መቅዘፍትን ሓሶትን ፍትሒ ምስኣንን እንተቈሰለን በሰላ ሒዙ እንተተረፈን ሎሚ ምሸት ኣብዚ ናይ ምስጋና ግዜ ግን እቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋበና ጸጋን ጽባሕ ልደታ ንእነብዕል እግዚእትነ ማርያም ዝሃቦ ብርሃንን ይዓቢ፣ ዘመደ ኣዳም ንእግዚእብሔር ስለ ኣቲ ዝገበረ መጠን ኣልቦ ውህበት ካብ ውህበት ሕይወት ጀሚርካ ክሳብ ሓልዮት ኣብ ኩሉ ጉዕዞ እታ እንኮ መልሲ  ሃረርታ ምስጋና ኮይና እዚ ሃረርታ ምስጋና ካብቲ ንድሕነትና ዝተዋህበ በጭርቅቲ ተጠቅሊሉ ኣብ ቤተልሔም ኣብ መብልዕ ማል ዝተረኽበ እሞ ንኩሉን ናብ ኩሉ ዓለምን ዝዝርጋሕ ጸጋ  ኢየሱስ ሕጻን ብምስትንታን ጀሚርካ ስለኩሉ ክተመስግን ሃረር ምባል እዩ፣ ድሕሪ ቢሎም ንምንታይ ክነመስግን ከምዝግባእ እንግከልጹ ከኣ! ‘ስለእዚ እንዛዝሞ ዘሎና ዓመት ምስጋና እንክነቅርብ ብቀዳምነት ጸጽቡቁ ኩሉ ናይ እግዚአብሔር ውህበት ምዃኑ ካብ ምዝካር ዓዲ ክንውዕል የብልናን፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ንግዜ ዓለምናን ንታሪኽ ዘመደ ኣዳምን ፍጽምና ሂቡ እዩ፣ ኮይኑ ግን እዚ ውህቦቶ እዚ ብወዲሰብ ክዝረግ ይኽእል፣ ንሕና ደቂ ሰባት ነዚ እግዚአብሔር ብምልኣትን ብጥዕናን ዝሃበና ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ 2017 ብናይ ሞት መቅዘፍትን ሓሶትን ፍትሒ ምስኣንን ኣቊሲልናዮ ዘይሓዊ በሰላ ሒዝ ከምዝተርፍ ከኣ ገርናዮ፣ ውግኣትከስ ናይዚ ኣብ ደም ደቂሰብ ተዘሪኡ ዘሎ ዘደንጹ ትዕቢት ምልክት እዮም፣ ውግእ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት እቶም ኣብ ልዕሊ ሕይወትን ሓቅን ሕውነትን እንፍጽሞም ናኣሽቱን ዓበይትን ግፍዕታትን ዘስዕብዎ ዝተፈላለዩ ተዋርዶ ሰብእዊ ክብረት ከምኡውን ናይ ማይሕበረሰብን ኣከባብን ዕንወት ናይዚ ምልክት እዮም፣ ስለዚ እዚ ኩሉ በደል ኣብ ቅድሚ እግዚብሔርን ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትናን ኣብ ቅድሚ ፍጡር ኩሉን ሓላፍነትና ክንለብስ ክንደሊ ኣሎና ግቡእና ከኣ እዩ፣` እንክብሉ በእከይየ በእከይየ ኢልና በደልና ተኣሚና ንዘፍረስናዮን ዘዕኖናዮን ዘቊሰልናዮን ክንሃንጽን ክንጽግንን ክንፍውስን ምስ ጸውዑ፣ ዓለምና ሳላ ጸጋ እግዚብሔር ብክፍኣት ጥራይ ዝተሸፈነ ዘይኮነት ናይ ኢየሱስ ጸጋ ኢየሱስን ብእኖና እግዚእትነ ማርያም ዝህበና ነጸብራቁን ይሕይል፣ ከምኡ ከኣ ተጻይ እዚ ኩሉ ዝምስገን ጉዳያት ዝዕብልለሉ እውን ኣሎ፣ ስለዝኾነ ከኣ ከም ጳጳስ ሮማ ብክፉት ልቢ ንመልእኽቲ ጐይታ ተቀቢሎም ኣብዚ ከተማ ሠናይ ንዝገብሩ ከመስግን እፈቱ፣  ነቶም ዕለት ዕለት ብናኣሽቱ  ኰይኑ ዓቢ ዋጋ ዘለዎም ነገራት ንከተማ ሮማ ንቅድሚት ክትስጉም ዝተኻእሎም ብምሉእ ዓቅሞም  ዘበርክቱን ከመስግን እፈቱ። እናበሉ ካብ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ጀሚሮም ክሳብ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ንዝርከቡ ኣመስጊኖም፣ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ነቶም ኣብዚ ዘመነ ቅልውላው ስኖም ነኺሶም ደቆም ከዕብዩን ናብራ ስድራቤት ከውሕሱን ዝቃለሱ ዘለው ወለዲ መማህራንን ኩሎም ኣብ ህንጸት ደቂሰባት ዝሰርሑን ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒ ንዝርከቡ ኣመስጊኖም፣

‘እዞም ሰባት እዚኦም ሽሕኳ ኣብ ዜናታት ዘይርእዮም እንተኾና ዝበዝሔ ክፍሊ ነባሪ ሮማ የቊሙ፣  ከም ናይ ኮሚክ ሰባት ንረኣዪለይ ስምዑለይ ኣይብሉ ኣይስሕቊ ኣይበኽዩ ዝንእዶም ዘጣቅዓሎም ዝነፍቅፎም የለን ኮይኑ ግን ዕለት ዕለት ዝተኻእሎም ብዘይተጉላባ እናኣበርክቱ እጃሞም የበርክቱ፣ በዚ ንእግዚእብሔር እነመስግነሉ መዓልቲኸስ ስለዚ ኣዚኦም ሰባት እዚኦም ብዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ፍቅሮም ዝገልጹ ክነመስግኖ ይግባእ` 

ቅዱስ ወንጌል ንስድራቤታት ወላውን ነቶም ዝቈሰሉ ከይተረፉ ሓደስቲ መንገድታት ይኸፍት! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰንበት ዕለት 31 ታሕሳስ 2017 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተኣከቡ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም `ቅዱስ ወንጌል ንስድራቤታት ወላውን ነቶም ዝቈሰሉ ከይተረፉ ሓደስቲ መንገድታት ይኸፍት’ እንክብሉ በዓል ቅድስት ሥድራ ቤት ኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ዝምልከት ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም፣

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲስርኩም፣ ኣብዛ ቀዳመይቲ ሰንበት ናይ ልደት በዓለ ቅድስት ሥድራቤት ዘናዝሬት ነብዕል! ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ብዛዕባ ሕይወትን ተመኲሮን ናይ ኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ከምኡውን ኢየሱስ ሕጻን ኣብ ፍቅሪ ስድራቤትን ተኣማንነት እግዚአብሔር እንክዓቢ ዝተመኰሮ ክነስተንትን ይዕድመና፣ እቲ ኣብ እግዚብሔር ዝነበሮም ምትእምማን ንምግላጽ ከኣ ቅዱስ ዮሴፍን ድንግል ማርያምን ንኢየሱስ ሕጻን ወዶም ንእግዚብሔር የወፍይዎ፣ ወንጌል ከኣ ‘ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዝእዝዞ መዓልታት ምንጻሖም ምስ በጽሔ፣ ኣብ ሕጊ እግዚአብሔር ከኣ ‘ማሕጸን ወላዲቱ ዚኸፍት ዘበለ በዅሪ ወዲ ንእግዚአብሔር ዝተወፈየ ይኹን’ ዝብል ተጻሒፉ ከምዘሎን . . . ናብ እግዚብሔር ኔቕርብዎ ንኢየሩሳሌም ወሰድዎ’ (ሉቃ 2.23)ብማለት ከም ወለዲ ኢየሱስ ንእግዚብሔር ከምዝግባእን ንሶም ሓለውቲ ሕይወቱ እምበር ዋናታቱ ከምዘይኮኑ ይገልጽ፣ ነዚ ነስተውዕለሉ! ነስተንትኖ! ምናዳ ወልዲ! ኩሉኹም ወለዲ ሓለውቲ ሕይወት ደቅኹም እምበር ዋናታት ኣይኮንኩምን ንኽዓብዩን ንክበስሉን ክሕገዙ ዘለዎም እዮም፣

እዚ ኣገባብ እዚ እግዚብሔር ጐይታ ታሪኽ ናይ ነፍሲወከፍናን ናይ ኩለን ስድራቤታትን ከምዝኾነን ኩሉ ካብኡ ከምዝውሃበናን የዘኻኽረና፣ ነዚ ቀዳምነት እዚ ነፍሲወከፍ ስድራ ክትፈልጦ ትጽዋዕ! ንደቆም ይሕልውዎም ልቦም ከኣ ነቲ ምንጪ ሕይወትም ዝኾነ ንእግዚብሔር ክኸፍቱ ይኲስኲስዎም፣ ኣብዚ እዩ እምበአር ናይ ወንጌል ውሳጣዊ ጉብዝና ምስጢር ካብ ክልተ ሽማግለታት ማለት ካብ ስምዖንን ሃናን ስግንጢራዊ ብዝኾነ ኣገባብ ይግልጽ፣ ብፍላይ እቲ ሽማግለ ስምዖን  ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ብዛዕባ ኢየሱስ ‘እነሆ እዚ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ናይ ውድቀቶምን ምትንሳኦምን፣ ንዚቃወሙ ድማ ንትእምርቲ ዝተመደበ እዩ፣ ንኣኺውን ሓሳባት ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኪግለጽ ንነፍስኺ ሰይፊ ክስንጥቃ እዩ በላ’ (34-35)፣ እዘን ትንቢታውያን ቃላት ኢየሱስ ነቲ ንሕና ኣብ ኣእምሮና ኣንሓንጾ ጊጉይ ምልስታታ እግዚአብሔር የፍርሶ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እንገብሮ ምስሊውን የዕንዎ፣ ነዚ ከኣ ነቲ ምሉእ ሃምናን ቀልብናን ኣውዲቅና እምንቶና ነውድቀሎምን ንጽጋዓሎምን ዓለማዊ ውሕስነታት ንምቃዋምን በዚ ኣቢሉ ከኣ ኣብ ሓዲስ ሰብአውን ክርስትናውን ጉዕዞ ብሓዲስ ንከተንሰኣና ኣብ ናይ ወንጌል ክብርታት ዝተመስረተ ትኽክለኛን ሓቀኛን ሕይወት ንክነብር እዩ፣ ካብዚ ናይ ዳግመ ልደትን ትንሣኤን ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ዝወጸ ኩነት ስድራቤት የለን፣ ኣብ ዝኾነ ግዜ ስድራቤታት ወላውን እተን ዝቈሰላን ተኣፈፍትን ብውድቀትን ጸገምን ዝተመልከታ ስድራቤታ ከይተረፋ ናብቲ ምንጪ ተስፋ ክርስትያን ይምለሱ እሞ ሓደስቲ መንግድታትን ዘይተሓስባ ተኽእሎታትን ይኽፈተሎም፣

ብዛዕባ ማርያምን ዮሴፍን ዝምልከት ናይ ሎሚ ወንጌል ታሪኽ ‘እቲ ሕጊ እግዚብሔር ዝእዝዞ ኩሉ ምስ ፈጸሙ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ፣ እቲ ሕጻን ከኣ እናዓበየ ጥበብ መሊእዎ ድማ እናበርተዔ ከደ። ጸጋ እግዚብሔር እውን ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፡ (39-40) ይብል፣ ኣብ ስድራቤት እቲ ዝዓበየ ሓጐስ ደቅኻ እናዓበዩ ምርኣይ ከምዝኾነ ኩልና ንፈልጦ ጉዳይ እዩ፣ ደቅና ከም ሕጻን ኢየሱስ ክምዕብሉን ክሕይሉን ጥበብ ክቀስሙን ጸጋ እግዚብሔር ክቅበሉን ዝተመደቡ እዮም፣ ኢየሱስ ሓደ ካባና እዩ! ወልደ እግዚብሔር ሕጻን ክኸውን ይፈቅድ ክዓብን ክብርትዕን ብጥበብን ብጸጋ እግዚብሔር ክመልእን ሓራይ ይብል፣ ማርያምን ዮሴፍን ነዙ ኩሉ ኣብ ውሉዶም ናይ ሓጐስ ይመልኦም ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ተልእኮ ዘቅንዖ ዕላማ ከኣ እዚ እዩ ማለት ንዝተወሃሃደን ምሉእ ዕብየትን ውሉድ ዝመቻችእ ኩነት ብምፍጣር ክሳብ ንእግዚብአብሔር ዝግባእን ንዓለም ሓናጺ ዝኸውን ጥዑይ ሕይወት ክነብሩ ዝኽእሉ ምስናዮም እዩ፣ በዚ ዕለት እዚ ንኩሎም ስድራቤታት ኣማላድነት ንግሥቲ ሥድራቤት ዝኮነት እኖና እግዚእትነ ኣሰንይዎም ነዚ ክበቅዑ እዩ፣ ብማለት ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም፣

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ነቲ  ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ግብጺ ብፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ሓደ ድኳንን ኣብ ካይሮ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ንዝተጐድኡ ወገናት ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣  ‘ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ነቶም ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ግብጺ ብፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ሓደ ድኳንን ኣብ ካይሮ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ንዝተጐድኡ ወገናት ቅርበተይ እገልጽ፣ ጐይታ ንዝሞቱ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ይቀበል፣ ንዝቈሰሉን ንስድራቤታቶን ንመላእ ማሕበረሰብን ይደግፍን የጸናንዕን፣ ንልቢ ፈጠርቲ ራዕዲ ከኣይ ይለውጥ እንክብሉ ምንዮቶምን ጸሎቶምን ገሊጾም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.