2017-12-29 13:57:00

ብምኽንያት በዓለ ልደት ቅዱስ ኣቦና ምስ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦም


ዕለት 21 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ለምዘበን ኣውን ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ንቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ በመበል 16 ንምብጻሕ ናብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅድም ክብል ዕለት 18 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ብቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትውልዲ ስም ራትዚንገር ዝጽዋዕ በቢ ዓመቱ ዝወሃብ ፍሉዩ ናይ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ስነ ቤተ ክርስቲያናውን ስነ ምርምር መጽናዕቲ ንዘካየዱ ብሉጻት ምሁራት ስልማት ኣብ ዝተውሃበሉ ዕለት እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝነብርሉ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ንኽብሮም ምብጻሕ ኣካይዶም፥  ኣብ ህይወቶምን ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞኦምን ብጸሎት ከምዘሰንይዎም ብምርግጋጽ፥ እቲ መድብላዊ ወይ ተኸታታሊ ናይ ቲዮሎጊያ ስነ ምርምራዊ ድርሰታት ራትዚንገር ንቤተ ክርስቲያንን ነገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝድግፍ ዓቢይ ኵላዊ ውርሻ እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ጆሰፍ ራትዚንገር ነቶም ናይ ስነ ምርምርን ፍልዩ መጽናዕትን ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎም ፍሉይ ናይ ኣመክንዮ ብቕዓት ንዝተዓደሉ ሓቂ ኣብ ምድላይ ጸዋዕታ ንዝተዋፈሩ መምሃራንር ሓውን መዛተይን መምህርን ናይ ምዃን ዝተዓደለዎ ጸጋ ሎሚ ከም ቀደም ብዘይምቁራጽ ይፍጽምዎ ኣለዉ ኣንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.