2017-12-28 14:53:00

ንበዓለ ልደትሲ ዘይመልክዑ ኣይነልብሶ! ክርስቶስ ዘይብሉ ልደት የለን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ዕለት 27 ጥሪ 2017 ዓምፈ ኣብ ዘቅረብዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ካብ ከባቢ ሮማን ኩሉ ኲርነዓት ዓለምን ትምህርቶም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንምክፋልን ኣብ ኣደራሽ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ተኣኪቦም ዝጽበይዎም ዝነበሩ ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ባሪኾምን መኽፈቲ ጸሎት ምስ ገበሩ ካብ ወንጌል ሉቃስ ‘ኣብቲ ወገንቲ ብለይቲ ማሎም ምእንቲ ኪሕልዉ ኣብ በረኻ ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ናብኦም ቀረበ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር እውን ኣብ ዙርያኦም ኣንጸባረቀ፡ ኣዝዮም ከኣ ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ድማ፡ ኣይትፍርሁ እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ታሕጓስ ኤበስረኩም አሎኹ ፡ ከመይዚ ሎሚ ኣብ ከተማ ዳዊት ሓደ መድሓኒ -ማለት እቲ ክርስቶስ ጐይታ- ተወሊድልኩም ኣሎ፡ ምልክት ከኣ እዚ ይኹንኩም፡ በጭርቅቲ ዝተጠቕለለ ሕጻን ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም’፡ በሎም።’ (2.8-13) ዝብል ብቀንዲ ቋንቋታት ኤውሮጳን ቋንቋ ዓረብን ምስ ተነበ ‘ኢየሱስ ንዓና እግዚኣብሔር ዝዓደለና ዝዓበየ ጸጋ እዩ፣ ነዚ እንተተቀቢልና ንሕናውን ብግደና ንካልኦት ቅድሚ ዝኣገረ ነቶም ዝኾነ ዓይነት ኣተኩሮን ምሕብሓብን ዝተነፍጐም ናኣሽቱን ዝተገለሉን  ውህበት እግዚኣብሔር ክነከውን ንኽእል፣’ እንክብሉ ሓቀኛ ትርጉም ልደት ገሊጾም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ብዓቢ ዓጀም ዝዝከር ዘሎን ነዊሕ ምቅርራባትን ናይ ህያባት ምልውዋጥን ዝግበረሉ በዓል ብምዃኑ ክንዲ ብመንፈስ እምነት ዝኸበር ቊሩብ ናብ ዓለማውነት ገጹ ስለዝዘነበለ ቅዱስነቶም ‘በጃኹም ንበዓለ ልደት ዘይባህርዩ ኣይተልብስዎ` ብማለት ምናዳ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዳርጋ ኢክርስትያናዊ ኣገባብ ኣበዓዕላ ከምዘሎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

‘ብስም ሓደ ዘይክርስትያናዊ ዝኾኑ ግጉይ ኣመላኽታ ብዙሕ ግዜ ካብቲ ሓቀኛ መስመር ናይ ምውጻእ ድሌት ኣብ ውሽጡ ሓቢኡ ንልደት ክርስቶስ ዝምልከት ዘበለ ኩሉ እናጐሰዮ ይረኤ ኣሎ፣ ኮይኑ እቲ እንኮ ፍጻሜ ልደት ክውን  ዝገበሮ ህላዌ ክርስቶስ እዩ፣ ብዘይ ኢየሱስ በዓለ ልደት ዝበሃል የሎን፣ ካልእ በዓል ከምዘሎ ንዕዘብ ኣሎና ኮይኑ ልደት ክንብሎ ኣይንኽእልን፣ ሕመረት ናይዚ በዓል ክርስቶስ እንተዘይኮይኑ ዝተገብረ ይገበር ዝበርሄ መብራህቲ ይብራህ ዝኾነ ሙዚቃን መዝሙርን ይዘመር ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝግበር ባህላዊ ምርኢት ልደት ክሳብ እቲ ምስ ልደት ክርስቶስ ኣተሓሒዞም ኣበው ዘተኣታተውዎ ዝተፈላለየ ባህላዊ ኣመጋግባባ እቲ ኩሉ ናይ ሓጐስን በዓልን መንፈስ ንምልባስ ዝግበር ምሽብሻብ ክርስቶስ ኣብ ማእከሉ እንተዘይ ኣልዩ ኩሉ ከንቱ እዩ፣ ንኣኡ እንተኣሊና እቲ ሓቀኛ መብራህቲ ይጠፍእ ኩሉ ተወዲኡ ከኣ መንፈስን ትሕዝቶን ዘይብሉ ብልጭልጭ ኮይኑ ይተርፍ፣ ብርሃን ክርስቶስ ሓቀኛ ብርሃን ስለዝኾነ ነቲ ተግባራትና የቃልዖ ንሕልናና ኸኣ በቲ ተሓቢኡ ዝሓስቦ ንክጋለጽ ዕድል ይህቦ እሞ እታ ሕልና እንተልያ ወቀሳ ሕልና የኸትል፣’ እንክብሉ መንፈስ ልደት ክንለብስ ቅድሚ ኩሉ ክንደይ ዝዓቢ ጸጋ ምዃኑ ክንፈልጥ እሞ ለውጢ ሕይወት ብምግባር ንካልኦት ብቃልን ብተግባርን ምስክርነት ክንህብ ተላቢዮም፣ ነቲ ሓቀኛ ብርሃን ከመይ ገርካ ከምዝድለን ከምዝርከብን ከኣ ነቲ ኣብ መባእታ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል እቶም ጓሶት በቲ መልኣኽ ዝሃቦም ሓበሬታ ከመይ ገሮም ከዝተዓወቱ ምስትንታን ከምዝከኣል ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም፣

‘ቤተክርስትያን ልደት ክርስቶስ ክትእውጅ እንከላ ከምቲ ናይ ጓሶት ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ነቲ ሓቀኛ ብርሃን ዓለም ናይቲ ምእንታና ሰብ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ብርሃን ንክንደልዮን ንክንረኽቦን ብቚዕ መምርሒ ንረክብ! እዚ ከኣ ብሓቂ ብዘደንቅ ኣገባብ ይግለጸልና! ካብ ሓንቲ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይብላ ድኻ ድንግል ይውለድ፣ ኣብዚ ናይዚ ዓለም ብርሃን ከኣ በይና ኣብ መብልዕ ማል ብሰብኣያ ጥራይ እናተሓገዘት ትወልዶ፣ እቲ ዘገርም ዓለም ብዓለማ ብዛዕብዚ ምንም ኣይትሰምዕን ኮይኑ ግን እቶም ነዚ ኣጸቢቆም ዝፈልጡ ናይ ሰማያት መላእኽቲ ይሕጐሱ! ይዝምሩ! ከምዚ ኢሉ እምበኣርከስ ወልደ እግዚኣብሔር ከም ዓቢ ህያብ ነቲ ኣብ ድቅድቅ ጸልማትን ዓሚቊ ድቃስን ንዝርከብ ንዘመደ ኣዳም ኩሉ ይውፈ ኣሎ፣ እቲ ዘገርም ከኣ ሎሚውን እንተኾነ ዓለምና ኣብ ክንዲ ብርሃን ጸልማት መሪጻ ከመይ እቲ ጉዳም ዝኾነ ስራሖምን ሓሳቦምን ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ከይርኤን ከይፍለጥን እሞ ብሕፍረት ተዋሒጦም ወቀሳ ሕልና ከይገብረሎም፣ ስለዚ ነቲ ግጉይ ልማዳቶም ፋሕ ከየብለሎም ኣብ ጸልማት ክተርፉ ይመርጹ፣’ እንክብሉ ኩነታትን ይትንትኑ እሞ ኩልና ናብ ሕልናና ተመሊስና ነዚ ዓቢ ህያብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ኢየሱስ ምቅባል ማለት እንታይ ማለት ኮን ይኸውን ዝብል ሓያል ሕቶ የቅርቡ፣

እምበኣርከስ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ነዚ ዓቢ ህያብ እግዚብሔር ዝኾነ ኢየሱስ ምቅባል ማለት እንታይ ማለት ኮን ይኸውን ኢልና ንርእስና ክንሓትት ንኽእል! ከምቲ ንሱ ብሕይወቱ ዝመሃረና  ንሕና እውን ብግደና ዕለት ዕለት ነቶም ኣብ ጎደናታት ንረኽቦም ብነጻ ዝውፈ ህያብ ክንከውን እዩ ትርጉሙ፣ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ በዓለ ልደት ገጸበረኸት ንወሃሃብ፣ እቲ ሓቀኛ ገጸበረኸት ግን ክርስቶስ እዩ ንሕናውን ከምቲ ናቱ ንካልኦት ገጸበረኸት ክንከውን ኣሎና፣ ከመይ እቲ እንወሃሃቦ ገጸበረኸት ክንዲ ርእስና ገርና እነቅርቦ ምልክት እዩ ከምቲ ንሱ በቦኡ ተላኢኹ ንዓና ገጸበረኸት ዝኾነ ንሕናውን ንካልኦት ገጸበረኸት ኢና፣

ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ጉዳይ እዚ ዝኸውን ዓቢ ፍታሕ የቅርበልና፣ ናብ ቲቶስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ‘እታ ንኩሉ ሰብ ድሕነት እተምጽእ ጸጋ እግዚኣብሔር ተገሊጻልና ኣላ፣ ንሳ ናይ’ቲ ብርቱዕ ኣምላኽናን መድሓኒንናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ብሉጽ ተስፋን ዝግለጸሉ እናተጸበና ኣብዚ ዓለም እዚ ንዓመጽን ንናይ’ዚ ዓለም ትምኒትን ነጺግና ብጥንቃቐን ብርትዕን ብጽድቅን ክንነብር ተስተምህረና ኣላ(2,11-12) እንክብል ቅድም ቀዳድም ጸጋ እግዚብሔር በቲ ገጽታ እግዚብሔር ኣብ ዝኾነ ን ከም ማንም ሕጻን ናይ’ዚ ዓለምዚ ግን ናይዚ ዓለም ዘይኮነስ ካብ እግዚብሔር ካብ ሰማይ ዝመጸ እኖና ድንግል ማርያም ዝወለደቶን ብኢየሱስ ተገልጸና ይብል፣ በዚኸስ እግዚብሔር ብናይ ወዱ ምሥጢረ ሥጋዌ ገቢሩ ኣብ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዘይኮነስ ኣብ ፍቅሪ ዝተመስረተ መንገዲ ንሓዲስ ሕይወት ከፊቱልና፣ ልደት ኢየሱስከስ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና ዝዓበየ ናይ ፍቅሪ ምልክት እዩ፣’ ብማለት ኢየሱስ ንዓና ገጸበረኸት ንሕና ከኣ ንኻልኦት ገጸበረኸት ምዃና ምስ ገለጹ በተሓሳስባ ዓለምና ዳርጋ ስግንጢራዊ ክትብሎ ዝከኣል እግዚብሔር ኩሉ ግዜ ነቶም በዚ ዓለምዚ ዝተናዕቁን ዝተገለሉን ትሑታትን ገርሀይናታትን ድኻታትን ከምዝግለጽ ከኣ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም፣

ኣብ መወዳእታ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ንዕዘብ! እዚ ከኣ ታሪኽ ናይቲ ብሓያላን ናይዚ ዓለም ዝሕቈን ታርኽ ወዲሰብ ብታሪኽ ድሕነት እግዚብሔር ምብጻሕ ክግበረሉ ከሎ ከመይ ከም ዝኾነ ክረአ ይከኣል፣ ነዚ ዓቢ ህያብ ብክርስቶስ ዝመጸ ድሕነት ብቀዳምነት ዝቅበሉ ከምቶም ጓሶት ቤተልሔም ኣብ ወሰን ዘለው እዮም፣ ኢየሱስ ምስቶም ናኣሽቱን ዝተገለሉን ዕርክነት ይፈጥር እሞ በብግዜኡ ንዝበለጸ መጻኢ ተስፋ እናስነቀ ይነብር፣ ጓሶት ኢየሩሳሌም ካብቲ ሥልጡን ሕብረተሰብ ዝተገለሉ ክዳውንቶም ዘይጽሩይ ተቀባልነት ዘይነበሮም ክንሶም እቲ ሠናይ ዜና ንመጀመርያ ተቀበልዎ፣ ዓቢ ብርሃን ተራእዮም ብቀጥታ ከኣ ናብ ኢየሱስ ኣብጽሖም፣ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት እግዚኣብሔር ወትሩ ሌላን ጐሌላን ዘይብሉ ሓዲስ ዓለም ክሃንጽ ይደሊ፣

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ዕለታት እዚ ነቲ ዓቢ ጸጋ ንምቅባል ልብናን ኣእምሮናን ንኽፈት፣ ኢየሱስ ብእግዚኣብሔር ዝተዋበና ጸጋ እያ ንኣኡ እንተደኣ ተቀቢና ንሕናውን ንካልኦት ገጸበረኸት እግዚአብሔር ክንከውን ንኽእል፣ ልዕሊ ኩሉ ነቶም ምንም ዓይነት ትዂረትን ሓልዮትን ኣስተማቂሮም ዘይፈልጡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንኽኸውን ከምዚ ብምግባርና ኢየሱስ ኣብ ሕይወት ነፍስወከፍና እንደገና ይውለድ ብኣና ኣቢሉ ኸኣ ነቶም ናኣሽቱን ዝተገለሉን ናይ ድሕነት ገጸበረኸት ምዃኑ ይቅጽሎ፣` እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣         








All the contents on this site are copyrighted ©.