2017-12-26 16:23:00

ስብከት በዓለ ልደት ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ሕጻነ ኢየሱስ ነቶም መዕረፊ ዘይብሎም ኵሎም ነእንግድ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብላቲን ስርዓት ናብ ዕለት 25 ታሕሳስ ኣብ ዘሰጋር ዕለት 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት አቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 09.30 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቝጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ነጋዶን ዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ሓድሽ ቃል ብስራት፥ ብቐዳምነት ነቶም ኣረመን (እምነት ኣልቦ)፡ ሓጥኣንን መጻእተይናታትን ይበጽሕ፡ ናይታ ለይቲ እምነት ማንም ወጻእተይና መጻእይተይናን ኰይኑ ክረኣይን ኣብዛ መሬት መዕረፊ ዘይብሉ ኰይኑ ክተርፍ ዘይገብር ናብ ሓደ ሓድሽ ናይ ፍቕሪ ኣመለኻኽታ ከነብል ይድርኸና።

እግዚኣብሔር በቶም ኣብ መሮር ዝሓድሩ ጓሶት ኣረመንን ሓጥኣተይናታትን ወጻእተይናታን መጻእተይናታትን ብቐዳምነት ኣብ ሕቑፎኡ የእትው፡ ሎሚ ንሕና እውን ልክዕ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ክንገር ይድርኸና። ናይታ ዝኽሪ ምውላድ ክርስቶስ ዝፍጸመላ ለይቲ፡ እምነት ማንም ወጻእተይና መጻእይተይናን ኰይኑ ክረኣይን ኣብዛ መሬት መዕረፊ ዘይብሉ ኰይኑ ክተርፍን ዘይሓድግ ናብ ሓደ ሓድሽ ናይ ፍቕርን ናይ ሰብኣዊ ርክባትን ኣመለኻኽታ ከነብል ይድርኸና። ቅዱስነቶም ኣብታ ናይ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ለይቲ ንዅሉ ክርስቲያን ናብቲ ካብ ናይ ቤተ ልሔም ሕጻን ዝምንጭው የዕንትና ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ክንከፍት ኣብቲ ኣብ ከተማታትና ዝመጽእ መጻእይተናይና ወጅሒ ኢየሱስ ንኸነለልይ ኣብ ዝድርኸና ሓድሽ ናይ ሓልዮት ሰውራ ናብ ዝዀነ ግንዛቤ ከነብል ይዕድመና።

መሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ኣይነበሮምን

ኣብታ ዝተቐደሰት ለይቲ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ማርያም ወለደት፡ እዚ ዅሉ ድማ ምንጪ ተስፋ ኰነ፡ እዚ ቅድሚ ምዃኑ ግና ማርያምን ዮሴፍን ኣብ ግዝኣት ሮማውያን ዝነበረ ሕዝቢ ኩሉ ክጽሓፍ ብዝተሃበ ትእዛዝ መሰረት ንሳቶም እውን ንኽጽሓፉ መሬቶም  ሓዲጎም ንኽጓዓዙ ይግደዱ፡ ኣብ ልባቶም ስለ እቲ ዝመጽእ ሕጻን ምልኣት ተስፋ ነይርዎም። ብዘይ ሓደ ውሕስነት መሬቶም ሓዲጎም ይጓዓዙ፡ ኣብ ናዝሬት ከተማ ቤተ ልሔም ይበጽሑ፡ እታ ከተማ እውን ዘይትጽበዮም መሬት ምንባራ የስተውዕሉ፡ ኣብታ ከተማ ንኣኣቶም ዝኸውን መዕረፊ ኣጋይሽ ድማ ኣይነበረን።

ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮት ብልጭታ

ብትኽክል ኣብኡ ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ኣብ መንጐ መጻእይተይናታትን ወጻእተይናታትንን ካብ ርሑቕ ዝመጸ መዕረፊ ኣጓይሽ ዘይረኽበሉ፡ ነቲ ዝተፈልየን ካልእን ሕቖ ዝወሃበሉ፡ ኣብታ ናይታ ከተማ ጽሉም ኵነት ናይ እግዚኣብሔር ናይ ሓልዮት ሰውራ ብልጭታ ይወርድ፡ ነቶም መሬቶምን ሃገሮም ሓዲጎም ንዝተሰዱን ሕምልታቶምን ንእሽተይ ርህወት ይፍጠር፡ ስለምንታይ ኣብ ናይ ዮሴፍን ማርያምን ጉዕዞ እቶም ፈትዮም ዘይኰነስ ካብ ፍቱዋቶምን ተፈልዮም ክጓዕዙ ዝግደዱ ካብ ገዛእ ሃገሮም ዝስጐጉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተስፋ ሰኒቖም ዝጓዓዙ ወይ ከኣ ካብቶም ብሓይሊ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ በትረ ስልጣኖም ንኸእትዉ ካብ ዝደልዩ ናይ ንጹሓን ደም ካብ ዘፍስሱ ሄረዶሳውያን ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ዝስደዱ፡ ዜጋታት ስጕሚ ንርእይ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት።

ኢየሱን ናይ ዜነት መንነት ሰነድ

እቶም ቀዳሞት ዝተነጽጉ ማርያምን ዮሴፍን ቀዳሞት ንኢየሱስ ሓንጐፋይ ቢሎም ዝተቐበልዎ እያቶም እቲ እውነተይ ነቶም ስንክፋንን ድኹማትን ድኻታትን ሓልዮት ዝገልጽ እውነተይና ስልጣን ንዅላትና ናይ ዜግነት መንነት ሰነድ ክጽገወና ዝመጽእ እዩ። እቲ ዝውለደሉ ስፍራ ዘይነበሮ ነቶም ኣብ ማእድን ኣብ ናይ ከተማ ጐደናታት ስፍራ ንዘይነበሮም ነቶም ናይ ሓድሽ ቃል ብስራት ቀዳሞት ተበሰርቲ ንዝዀኑ ጓሶት፡ ብዕዮኦም ምኽንያት ዘይንጹሓን ተባሂሎም ዝሕሰቡ ናይቲ ናይ ሃይማኖት ስርዓተ ደንቢ ዝሓቶ ናይ ምንጻሕ ትእዛዛት ዘየኽብሩ ኣብ መንጐ ኣመንቲ ዝነብሩ ኣረማውያን ኣብ መንጐ ቅኑዓት ሓጥኣን ኣብ መንጐ ዜጋታት ዝነበሩ መጻእተይና ስደተይናታት ተባሂሎም ንዝሕሰቡ የበሰር።

ኣረማውያን ሓጥኣንን መጻእተይና (ወጻእተይና)

ነቶም ኣረማውያንን ሓጥኣንን ወጻእተይናታን እቲ መልኽቲ ምውላድ መድሕን ይብስር። እግዚኣብሔር በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ዝግለጽ እግዚኣብሔር ንኣና ኣረማውያንን ሓጥኣንን ወጻእተይናታትን ኣብ ሕቑፍኡ የንብር እሞ ንሕና እውን ብተራና ከምኡ ንኽንገብር ይድርኽ፡ በዛ ለትይቲ’ዚኣ ኣብቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ስፍራን ኩነትን ቢልና ኣብ እንሓስቦ ኵሉ ህልወቱ የፍልጠና። በዛ ለይቲ’ዚኣ ኣብቲ ዘይልሙድ በጻሒን ጋሻን ውሽጢ ኰይኑ ኣብ ጐደና ከተማታትና ዝጓዓዝን ኣፈት ኣባይትና ይኵሕኩሕ፡ በዓለ ልደት ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ነቲ ናይ ፍርሓት ሓይሊ ናብቲ ሓድሽ ዓይነት ምርኻብ ከነስተማቕር ናብ ዝድርኽ ሓደ’ኳ መጻእተይናን ኣልቦ ስፍራ ከይኑ ንኸይነብር ናብ ዘብል ሓድሽ ናይ ፍቕሪ ኣመለኻኽታ ይልውጥ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣይትፍርሑ (ፍርሒ ኣይሃልዅም)

ዘእንግድ ባይታ ንኽንከውን መታን ኣብ ዘይ ምልምማድ ኢፍትሓውነት ተባዓት ንኹን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና በቲ ብሕጻን ቤተ ልሔም ኢየሱስ ኣቢሉ ነቲ ንኽራኸበናን ናይቲ ዝራኸበና ሕይወት ቀንደይና ተዋሰእቲ ንኽንከውን ቢሉ ናባና ዝመጽእ እግዚኣብሔር ክነእንግድ መታን ነቲ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ፍርሒ ኣይሃልዅም ዝብል ልባትኩም ክፈት በንጻሩ ጋህ ኣቢልኩም ንኽርስቶስ ክፈቱሉ ዝብል ቃለ ምዕዳን ኣተሓሒዞም ብምዝካር፡ እቲ ዝጸምኤ፡ ወጻእተይና ዝጠመየን ዝሓመመን ዝተእስረን ልባትና ከነርህው ኣይንፍራሕ፡ እግዚኣብሔር ንብዙሓት ነቶም ንምእንጋዶም እምቢ ብዝበለ ዕጹው ልቢ ምኽንያት ኣርዑት ጽምዋ ንዝኸበዶም ብሕጻን ኢየሱስ ኣቢሉ ናይ እንገዳ ቀንደይና ተዋሳእቲ ንኽንከውን የብቅዓና ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሶውራዊ ሓልዮት ሕጻነ ኢየሱስ

ቅዱስነቶም ኣስዕቦም፥ ብቐጥታ ናብቲ ናይ ቤተ ልሔም ሕጻን ትእምርቲ ናብ ዝዀነ ናብቲ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ መንበረ ታቦት እግሪ ተነቢሩ ናብ ዘሎ ምስሊ ሕጻን ኢየሱስ እናጠመጡ፡ ንብዓትካን ብኽያትካን ካብቲ ዝተታኸስናሉ ናይ ዘይምግዳስ ሕይወት የበራብረና። የዕይንትና ኣብ ቅድሚ ዝሳቐይ ኩሉ ክፉታት ግበረን። እቲ ሶውራዊ ሓልዮትካ ኣብቶም ኵሎም ናብ ከተማታትና ዝኣትዉ መጻእተይናታት ንኸለልዩኻ ዝተላእኩ ኰይኖም ዝስምዖም ይግበረና ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፥

ቅዱስ ኣቦና ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅድሴ ምስ ኣብቅዑ ነቲ ኣብ እግሪ መንበረ ታቦት ተነቢሩ ዝነበረ ካብ 1985 ክሳብ 1986 ዓ.ም. ብጀርመናዊ ናይ ንድፍን ቅብእን ቀረጻ ሓወልቲ በዓል ሙያ ሃይንሪኽ ዙወተ ረር ዝተቐርጸ ንቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተውሃበ ገጸ በረከት ምስሊ ሕጻነ ኢየሱስ ሓቝይፎም ከምእተሳለሙ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.