2017-12-21 16:35:00

ንቅዳሴ እንክትከዱ ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሩ ደኣ ኣባኡ ተረኸቡ እምበር ደንጉኹም ኣይትምጽኡ! ር.ሊ.ጳ


“ንሳቶም ድማ ኣብ ትምህርቲ ሓዋርያትን ሕውነታዊ ሱታፌን ብረትን ብምቚራስ ኅብስትን ጸሎትን ብዘይምቊራጽ ይጽመዱ ነበሩ። ብኢድ ሓዋርያት ብዙኅ ተኣምራትን ትእምርትን ይፍጸም ስለዝነበረ ኣብ ልዕሊ ነፍስ ወከፎም ፍርሃት ሓደረ፣ ኲሎም እቶም ዝኣመኑ ድማ ብሓንሳእ ይቅመጡ ነበሩ፡ ኲሉ ንብረቶም ከኣ ብርኪ ነበረ። ርስቶምን ንብረቶምን ሸይጦም ድማ ንዂሎም ከከም ግድነቶም የካፍልዎ ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ይእከቡን ንእግዚአብሔር እናመስገኑን ኣብ ቅድሚ ኲሉ ሕዝቢ ድማ ሞገስ እናረኸቡን ኣብ ኣባይቶም ኅብስቲ እናቈረሱ ብታሕጓስን ብግሩህ ልብን ብሓንሳብ ይምገቡ ነበሩ፣ እግዚአብሔር ድማ በብመዓልቱ ዚድኅኑ ናብኣቶም ይውስኽ ነበረ” (ግሐ 2.42-47)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣኃትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ኣብቲ ሕያው ሥርዓተ ቅዱስ ቊርባን ክኣቱ እየ፣ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብክልተ ክፍሊ ዝቆመ እዩ፣ እዚ ከኣ ሥርዓተ ቃለ እግዚአብሔርን ክፍሊ ኣኰቴተ ቊርባንን እዩ፣ እዘን ክልተ ክፍልታት እዚአን ኣብ ነንሕድሕድን ብጣዕሚ ዝተጣበቃ ስለዝኾና ሓደ ሥርዓተ ኣምልኾ የቊማ (ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ ጉባኤ ቊ.56)፣ ኣሰናደውቲ ብዝኾነ ሓድ ሓደ ሥርዓታት ጀሚሩ ብካልእ ሥርዓታት ዝፍጸም ሥርዓተ መሥዋዕተ ቅዳሴኸስ ሓደ ኣካል ኮይኑ ነቲ ሓደ ካብቲ ክትፈልዩ ዘይከውን እዩ፣ እንተኾነ ነቲ ዝተፈላለየ ፍጻሜታ በብሓደ ንምግላጽ ዚኣክል በብክፍሎም ክገልጾም እየ! ነፍሲወከፍ ክፍሊ ከኣ ናይ ሰብኣውነትና ታሪኽ በብወገኑ ስለዝትንክፍ ሃምናን ቀልብናን ኣባኡ ክንገብር ንዕደም፣ ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ብምልኣት ንምስታፍን ንጣዕሙ ንምስትምቃርን ነዚ ቅዱስ ምልክታት ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ፣

ሕዝቢ ኩሉ ምስ ተኣከበ ሥርዓተ ቅዳሴ ብመባእታዊ ምልክታት ይጅምር፣ እዚ ከኣ ናይ ቀዳስያን ተሰሪዕካ ንመበረታቦት ምእታውን እግዚአብሔር ምሳኹም ይኹን ወይውን ሰላም ምስ ኲልኻትኩም ይኹን ቢልካ ሰላምታ ምቅራብን! ንሓጢኣትና ምሕረት እንልምነሉ ተኣምኖተ ሓጢኣት ብምድጋምን ክርያ ለይሶን እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ እናበልካ ብሕብረት ዝግበር ጸሎተ ንስሓን ዕብየት እግዚብሔር እንገልጸሉ ስብሓት ለእግዚብሔርን መባእታዊ ጸሎትን ኣሎ፣ እዚ መባእታዊ ጸሎት እዚ ንኩሉ ዝእክብ ንብሎ ከመይ ናይ ኩሎም ልመና ብሕብረት ንሰማይ ክዓርግ ዝቀርብ ጸሎት ስለዝኾነ፣ ናይዚ መባእታዊ ሥርዓታት ዓላማ ከምቲ ናይ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ ሕጊ ዘመልክቶ ‘ምእመናን ብሓባር ተኣኪቦም ሓንቲ ማሕበር ከቊሙን ንቃል ኣምላኽ ንምስማዕን ብግቡእ ምሥጢረ ቅዱስ ቊርባን ንክሰርዑን ንክሰናደው እዩ’(ቊ.46)። ኣብ ግዜ ቅዳሴ ሰዓት እናሳዕ እናረኤኻ ‘ደሓን ድሕሪ ግዜ ኣሎኒ ድሕሪ ስብከት ኤርክብ እኸውን እየ በዚ ከኣ ግድነተይ ፈጺመ’ ምባል ጽቡቅ ኣይኮነን፣ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብትእምርተ መስቀል ጀሚሩ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ መባእታዊ ሥርዓታት  ይጅምር፣ ምኽንያቱ ከኣ ንእግዚኣብሔር ከም ማሕበረ ክርስትያን ክነምልኾ እንጅምሮ ኣብዚ እዩ፣ ስለዚኸስ ንቅዳሴ እንክትከዱ ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሩ ደኣ ኣባኡ ተረኸቡ እምበር ደንጉኹም ኣይትምጽኡ! ኣቀዲምካ ኣብ ቤተክርስትያን እንክትረከብከስ ነዚ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ማሕበረ ክርስትያን ንልብኻ ነቲ ተሰናዱ ማለት እዩ፣

መኽፈቲ ቅዳሴ መዝሙር ክዝመር እንከሎ እቲ ቀዳሲ ምስ ካልኦት ኣገልገልቲ ብመስርዕ ናብ መንበረታቦት ቀሪቡ መጀመርያ ይሰግዱ ከም ምልክት ኣኽብሮ ከኣ ነቲ መንበረ ታቦት ይሳለም! ዕጣን እንተልዩ ከኣ ነቲ መንበረ ታቦት ይዓጥን፣ ነዚ ዝገብረሉ ምኽንያት ከኣ መንበረታቦት ናይ ክርስቶስ ስለዝኾነ ኣምሳል ክርስቶስ እዩ፣ መንበረ ታቦት እንክምልከት ክርስቶስ ዝርከቦ ቦታ ኢና ንምልከት፣ መንበረ ታቦት ክርስቶስ እዩ፣ እዘን ምልክታት’ዚኤን ብዙሕ ግዜ ከይነስተውዕለለን ዚከኣል እዩ ኮይኑ ዓሚቊ ትርጉም ኣለወን ከመይ ካብ ብሱሩ ጀሚሩ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስቲ ሕይወቱ ስለና ኣብ ዕጸ መስቀል ብምውፋይ መንበረታቦትን መስዋዕትን ካህንን ምስ ዝኾነ  ፍቅሪ ክርስቶስ ምርኻብ ምዃኑ ይገልጻ፣ መንበረታቦትከስ ብቅዱስ ቊርባን ዝፍጸም ናይዚ ሥራሕ ጸጋ ሕመረት ኮይኑ ብሓቂ ምልክት ክርስቶስ እዩ። ማሕበረ ክርስትያን ከኣ ብኩሎም ነዚ ክርስቶስ ዝኾነ መንበረ ታቦት ከቢቦሞ ንክርስቶስ ንምርኣይ እምበር ንክትጠማመት ኣይኮነን፣ ከመይ ማእከል ናይታ ማሕበረክርስትያን ክርስቶስ ስለዝኾነ! ክርስቶስ ካብኣ ርሑቅ ኣይኮነን፣

ልዕሊ ኩሉ ግን ትእምርተ መስቀል ኣሎ፣ ነዚ ትእምርቲ እዚ እቲ ቀዳሲ ካህን ኣብ ግንባሩ ምስ ዓተቦ ስዒቦም ከኣ ኩሎም ማሕበረ ክርስትያን ‘ብስም ኣብን ወልደን መንፈስ ቅዱስን’ ኢልካ ከምዝግበር ብምስትውዓል ብትእምርተ መስቀል ይዓትቡ፣ ኣብዚ ንእሽቶ ነገር ከዘኻኽረኩም እደሊ! ደቅኹም ንትእምርተ መስቀል ከመይ ገሮም ይገብርዎ!  ሓንሳእ ሓንሳእ ምልክት መስቀል ዘይኮነ ዝኾነ ምልክት ይገብሩ። እሞ ሓደራኹም ኣደስ ይኹን ኣቦ ወይውን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ንሕጻናት ብንእስነቶም ትእምርተ መስቀል ከመይ ገርካ ከምዝግበር መሃርዎም፣ እዚ ከኣ ንመስቀል ክርስቶስ ከም መከላኸሊ ከምዝጠቅሞም ግለጹሎም፣ ከምኡውን መሥዋዕተ ቅዳሴ ብትእምርተ መስቀል ከምዝጅመር ግለጹሎም፣ ኩሉ ጸሎታትና ኣብ ዙርያ ቅድስት ሥላሴ ‘በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ’ እናበለ እዩ ዝፍጸም! እዚ ከኣ መወዳእታ ናይ ዘይብሉ ውህደቶምን ሓድነቶምን ብምግላጽ ናይቲ ሓደን ሠለስተን ዝኾነ ፍቅሪ እግዚብሔር መጀመርታን ፍጻሜን ብምግባር ነቲ ኣብ መስቀል ምእንቲ ድሕነትና ገዛእ ርእሱ ዘወፈየ ክርስቶስ ዝገለጾ ፍቅሪ ሕያው ይገብሮ፣ ስለዝኾነ ከኣ እቲ ካብ ዝቈሰለ ልቡ ዝፍልፍል ቅዱስ ቊርባን ውህበት ቅድስት ሥላሴ ኮይኑ ምሥጢረ ፋሲካ እዩ፣ ብትእምርተ መስቀል ግንባርና ክንዓትብ እንከሎናኸስ ንምሥጢረ ጥምቀትና ንምዝካር ጥራይ ዘይኮነ እቲ እንገብሮ ጸሎትን እንፍጽሞ ሥርዓተ ኣምልኾን ነቲ ምእንታና ሰብ ዝኾነን ኣብ ዕጸ መስቀል መይቱ ካብ ሞት ብኽብሪ ዝተንሠኤን ክርስቶስ እንራኸበሉ እዩ፣

ካብዚ ብምቅጻል እቲ ካህን ‘እግዚአብሔር ምሳኹም ይኹን’ ወይውን ካብቲ ብዙሕ ተመሳሳሊ ናይ ሰላምታ ሓረጋት ንማሕበረ ክርስትያን ሰላምታ ምስ ኣቅረበ ማሕበረክርስትያን ከኣ ብወገኖም ‘ምስ መንፈስካ’ ክብሉ ይምልሹ፣ ኣብዚ ኣብ ዘተ እሂን ምሂን ከምዘሎና ንርኢ፣ ኣብ ምጅማር ቅዳሴ ኢና ዘሎና ናይዚ ቃላትን ምልክታትን ትርጉም ብዝግባእ ክንርዳእ ኣሎና፣ ብዙሕ ድምጽታት ኣብ ዝስማዓሉ ውህደት ሙዚቃ ከም እንኣቱ እዩ፣ ድምጺ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ኩሎም ተሳተፍቲ ስምምዕ ንምፍጣር እውን ናይ ሱቊታ ግዝያት ኣሎ፣ እዚ ከኣ ብሓደ መንፈስ ተዀስኲስካ ንሓደ ዕላማ ከምዝኾንካ ንምርዳእ እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ እቲ ሰላምታ ናይ ካህንን መልሲ ናይ ሕዝብን ኣብ ጉባኤ መንፈስ ቅዱስ ናይ ዘላ ቤተ ክርስትያን መግለጺ እዩ፣ ምስ ጐይታ ብሓባር ብእምነት ምትእስሳርን ሓቢርካ ምሳኡ ናይ ምዃንን ኩላ እታ ማሕበር ብሓድነት ንክትነብርን ዘሎ ሓባራዊ እምነት በዚ ይግለጽ፣

እዚ ከኣ ናይ ዝጽልዩ ውህደት ሙዚቃ እዩ! ዓቢ መንፈሳዊ ስምዒት ዝቅስቅስ ኩነት ብምፍጣር በቲ ቀዳሲ ዘቅርቦ ዕድመ ኩልና ሓሓጢኣትና ክንዝክር ንጽዋዕ፣ ከመይ ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና፣ እንዲዒኸ ምናልባት ሓደ ካባኹም ሓጢኣት ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል! እስኪ ካባኹም ሓጢኣት ዘይብሉ እንተሎ ኢዱ ሓፍ የብል! በጃኹም! ኩልና ሓደ ጻድቅ ኣብ ማእከልና ከምዘሎ ክንርኢ ንኽእል! ሓፍ ዝበለ ኢድ እርኢ የሎኹን! ሓራይ እምበኣር! ጽቡቅ እምነት ኣሎኩም! ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና! ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ምጅማር ቅዳሴ ምሕረት ንምህለል፣ እዚ ከኣ ናይ ተኣምኖተ ሓጢኣትን ንስሓን ግዜ እዩ፣ ንዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ጥራይ ክንዝክር እኹል ኣይኮነን እንታይ ደኣ እቲ ዝቀርበልና ዕድመ ከምቲ መጸባሓዊ ኣብ ቤተጸሎት ዝገበሮ ሓጢኣትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ ቅድሚ ማሕበርን ማለት ኣሕዋትን ኣሓትን ብትሕትናን ቅንዕናን ክንእመን እዩ፣ እንተደኣ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ነቲ ምሥጢረ ፋሲካ ማለት ነቲ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሰጋገሮ ምሥጢር ክውን ዝገብር ኮይኑ ብቀዳምነት ክንገብሮ ዘሎና እቲ ሞት ነፍሲ ዘኸትል ኩነታትና ኣጸቢቅና ክንምርምር እሞ ተነሲሕና ናብ ሓዲስ ሕይወት ምስ ክርስቶስ ንክንትስእ የኽእለና፣ እዚ ትምህርቲ እዚ ምስጢረ ንስሓ ክሳብ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ይገልጸልና፣ ስለዚኸስ ብዛዕባዚ ኣብ ዝመጽእ መደብ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ክንዛረብ ኢና፣ ከመይ ቀስ ብቀስ ንምሥጢረ ቅዳሴ ክንገልጽ ኢና፣ ኮይኑ ግን ሓደራ ንሕጻናት ትእምርተ መስቀል ከመይ ከምዝግበር መሃርዎም፣ በጃኹም’ እንክብሉ ትምህርቶም ፈጸሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.