2017-12-21 17:01:00

ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላ፥ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ናይ ትራምፕ ውሳኔ ሰላም የርሕቕ


ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ እትርከብ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርካዊ ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካይድዎ ርክብ፥ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ውሳኔ ዛዕባ ኢየሩሳሌም፡ እቲ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘሎ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ማሕበረሰብ  ስንኵፍ ውድዓዊ ህላዌ ዝቆጻጸር ስርዓት ዘጥቕዕ እዩ፡ ስለምንታይ ንዅሉ ክፍትቲ ዝብል ናይ ኢየሩሳሌም ከተማ መንፈስ ዝጻረርን ዝነጻጽልን ስለ ዝዀነ እንክብሉ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ዝምልከት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ውሳኔ ዝጻረር ብምስሪ ዝቐረበ ኣብቲ 15 ኣባላት ሃገራት ዝሓቁፍ ማለት ቻይና ሩሲያ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብቐወምቲ ኣባላትን ካልኦት ዓሰርተ ሃገራት ድማ ብተለዋጢ መሰል ዝሓቁፍ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ ብጀካ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብኻልኦት 14 ኣባል ሃገራት ቅቡል ዝተብሃለ ናይ ውሳኔ ሰነድ፡ ኣብ መላእ ሃገራት ውዑይ ርእሰ ጉዳይ ኰይኑ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድምጺ ብድምጺ ውድቂ ናይ ምግባር መሰላ ብምጥቃም እትኽተሎ ዘላ መገዲ ናይ ምንጻል ስግኣት ከቃልዓ ምዃኑ ዘለዋ ስግኣት ግምት ብምሃብ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕቡራት  መንግስታት ኣመሪካ ልኡከ መንግስቲ ኒኪ ሃለይ ነቲ ምስሪ ዘቕረበቶ ናይ ጸረ ትራምፕ ውሳኔ ሰነድ ዝደገፋ ሃገራት ኣስማት ክፍለጥ ኣለዎ ኣንክብላ ናይ መፈራርሒ ቃል ከምዘስምዓ እንክምልከት፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ  መንግስቲ ሩሲያ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጉዳይ ዘተሓሳስቦ ምዃኑ ከመልክት እንከሎ ከም ተዓዛቢ ነቲ ጉድይ ብቕረባ ንምክትታሉ ዝመረጸ እዩ ዝመስል። ናይ ብሪጣንያ መራሔ መግንስቲ ተረዛ መይ ብወገነን ምስ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ብስልኪ ኣብ ዘካየድኦ ርክብ መንግስተን ነቲ ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ውሳኔ ዘይድግፍ ምዃኑ ከምዘፍለጣ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰፒያ ገሊጸን።

ናይ ኢየሩሳሌም ህልዊ ዅኔታ ምዕቃብ

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርካዊ ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ፒየርባቲሳታ ፒዛባላ ዝርከብዎም ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ 13 ኣቢያተ ክርስቲያን መንፍሳውያን መራሕቲ ብሓባር ኢየሩሳሌም ከምቲ ክሳብ ሕጂ ኰይና ዝጸንሓቶ ብዘይ ምንም ለወጢ ትቐጽል-ማለት ናይ ኢየሩሳሌም ህልዊ ዅኔታ ምዕቃብ ዝብል ቀንዲ ሓሳብ ዝተነብሮ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ኣመልኪቶም፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ምኽባር ጥራሕ እዩ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ዝውሕስ፡ ኣብ ርእሲ እዚ  ናይ ክርስትያን ህልውና ኣብ ቅድስት መሬትን ዝህብዎ ምስክርነትን ምስቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ቅዱሳት ቦታትን መካነ ንግደት ኮይነን ንማሕበረ ክርስትያን ዝህብዎ ኣገልግሎትን ናይ ዝተፈላለየ እምነት ዘለዎም ሰባት ንሓድነት ዝራኸቡሉ ቦታ ስለዝኾነ ምስዚ ዝተታሓሓዘ እዩ፣ እዚ ቅዱስ ቦታታት’ዚ ንእምነትን ሃይማኖታትን ትርጉም ዝሃቡ እዮም፣ ካብዚ ወጻኢ ማለት ነዚ ሓቂ እዚ መሠረት ዘይገበረ ብዓይኒ ፖለቲካ ጥራይ ንጉዳይ ኢየሩሳሌም ምርኣይ ነቲ ሓቀይና መንነታን ጠባያታን ጐስዩ ነቲ ንዘመናት ሰላማ ከም እትሕሉ ዝገበራ ጉዕዞ ዘዕንው እዩ፣ ኢየሩሳሌም ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበትና ቅድስት ህያብ እያ፣ ንመላእ ዓለም ቅድስት መሬት መንበረታቦት እያ፣ ነዛ ቅድስት ከተማ ክትዕብልል ምፍታን ወይ ከኣ ብዘይከውን መምዘኒታት ምኽላላ ናብ ደልሃመት ዝመርሕ እምበር ፍታሕ ዝህብ ኣይኰነን ከምዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ፒዛባላ ኣብ ዝሓብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ቃል ብቓል ኣዘኻኺሮም፥

እቲ ናይ ትራምፕ ውሳኔ ንጐደና ሰላም ዝጻረር እዩ

እቲ ናይ ትራምፕ ውሳኔ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ዕለታዊ ህይወት ከምዘይተቐየሮን ገሊጾም፡ እቲ ናቶም ውሳኔ ንናይ ኢየሩሳሌም ህልዊ ዅኔታ ዝቃወም እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ኢየሩሳሌም ናይ እስራኤላውያን ጥራሕ ዘይኰነት ናይ ፍልስእጤማውያን ከተማ እውን እያ፡ ናይ ኣይሁድን ክርስቲያንን እስላምን ከተማ እያ፡ ስለዚህ ኵላዊ ጸዋታ ዘለዋ ማለት ንዅሉ ክፍትቲ ከተማ ስለ ዝዀነት ምስ በሉ፡

በዓለ ልደት ዘእግዚእነ

ነቲ ናይ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ውሳኔ ስዒቡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትኽተሎ ናይ በዓላት ባሕረ ሓሳብ ዝልውጥ ኣይኰነን። ኩሉ ከምቲ ቅድም ክብል ዝተሓስበን ዝተሓንጸጸን እዩ ዝቕጽል። ህላዌና ኣብ ቅድስቲ መሬት ክንምስክር ኢና ከምዝበሉ ሰፒያ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.