2017-12-16 17:07:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሃን ውዕዉዕ ህልውና ውሑስ ምግባር


ዕለት 16 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ መበል 50 ዓመት ምስረታኡ ዘብዕል ዘሎ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካዊ ናይ ዕለታውያን ጋዜጣ ጋዜጠይናታት ማሕበርን ናይ ኢጣሊያ ናይ ሰሙናውያን ጋዜጣታትን መጽሔታትን ፈደርላዊ ማሕበርን ኣባላት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣድሪያና ማሶቲ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ነዞም ዘይመኽሰባውያን ካቶሊካውያን ናይ መራኸቢ ቡዝሃን ማሕበራት፥

ናጻን ሓላፍነትን

ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታት ድምጺ ናይቲ ደሞክራሲያዊ ዝብል ሕብረተሰብ ዕብየት መሠረት እዩ።

ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ኣዋን ትኽክለይናነትን ምሉእነትን መስዋዕቲ ዝገብር በቲ ፈጣን ከይዲ ዓለም ድርኾት ናብ ስምዒታውነት ዘውሕዝን ኣክንዲ ኣብ ዓሚዩቕ ኣስተውዕሎን ኣስተንትኖን ኣብ ሓቂ ዝተመርኰዘ ተኣማኒ ሓበሪታ ካብ ምቕራብ ብምሕዞ ዝተወዓወዔን ዘጐሃህርን ሓበሬታ ዝንዝሓሉ እዋን እዩ። ስለዚህ እዚ ዅሉ ድማ ኣገዳስን ተኣማንን ኣብ ጭብጥታትን ዝተደገፍን ዝተመሳኸረን ዝተረጋገጸን ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ተበዓት ንኽትኰኑ ድፍኢት ይኹን። መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ስምዒታውነትን ርእቶትን ዘይኰነ ተኸታተልቲ መራኸቢ ብዙሃን ብቑዕን ኣገዳስን ሕቶ ዘቕርብ ክኸውንን ናብ ኣመክንዮኣዊ መደምደምታ ክበጽሕ ዘኽእሎ ህየሳዊ ኣቃልቦ ከማዕብል ዝድግፍ ይኹን።

ከምዚ ምስ ዝኽወን ካብቲ ንግዚኡ ዝምስጥ ስምዒት ጥራሕ ዝማርኽ ንሓቅታትን ጭቡጥ ኩነታት ናይ ሕዝቢ ርእይቶን ንሰብ ከይ ተረፈ ዝጠማዝዝን ዝቆጻጸርን ጭርሖታት ካብ ምቕራብ ንኽትጥንቀቕን ዝድግፍ መገዲ ከምዝዀነ ቅዱስ ኣቦና ከምዘረድኡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ኣስዒበን፡ መራኸቢ ብዙሓን ጊዜ ኣምጽኦ ዘስዕብ ዘይኰነስ ብትኽክል ዝሓንጽ ናይ ምስትውዓል ንቕሓት ዘዕብይ ናይ ሕንጸት መጋበርያ እዩ።  መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ናይ ህዝቢ ዕለታዊ ናብራን ኣብ ጭቡጥ ኩነታን ሃገርን ዝተሰርተ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ኣድላይነት ናይ ሰበኻታት ቤት ሕትመን መራኸቢ ብዙሃንን

ናይ ሰበኻታት ኣባይቲ ሕትመትን መራኸቢ ብዙሓን ኣባላት ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ሕትመትን ጋዜጣታትን መጽሔታትን ብሓፈሻኡ ማሕበራት መራኸቢ ብዙሃን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ስሉጥ መጋበርያ ናይ ምዃን ተልእዀኦም ከስተማቕሩን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ሰረተ ትምህርቲ መሰረት ገይሮም ሓቅታት ናይ ምንባብን ምትንታንን ብቓዓት ከማዕብሉ ከምዝግብኦም ድማ ቅዱስነቶም ምዒዶም፥

ኣብ ናይ ሰበኻታት መራኸቢ ብዙሓን ምዕያይን ጋዜጠይና ምዃንን ምስ ናይ ከካቢ ቤተ ክርስቲያን ኰይንካ ንናይ ከባቢ ሕዝቢ ኩነትን ዕለታዊ መነባብሮን ንናይ ከተማን ሃገርን ሓቅታት ቀረባ ምዃንን ነቲ ሓቅታት ድማ ብብርሃነ ወንጌን ብስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ምንባብ ማለት እዩ። ናይ ወንጌል ብርሃንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ፡ ጋዜጠይና ንምዃን ጸዋዕታ ቡሶላ እያቶም፡

ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን።

መራኸቢ ብዙሃን ናይ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ሓበሬታ ብምልኣት ዘመሓላልፉን ንመኽሰብ ዘይቆሙ ግልጽን ቅኑዕን ቃላት ብምጥቃም ሕዝቢ ሓቅታት ብምስትውዓል ልልያ ክገብር ዝድግፉ ክዀኑ ኣለዎም። መራኸቢ ብዙሃን ሓቅታት ንምዕፋን ድዩ ንምጽላው ብዝንዝሑ ብተባህለን ተነግረን ኣብ በለካን ለኻዓካን ወገናውነትን ጉጅላውነትን ስም ምጽላምን ከይተሳሕበ ካብዞም ዓበይቲ ሓጢኣት ናጻ ኰይኑ ሓቅታት ከም ጭቡጥ ኩነታውነቶም ብምንባብ ዝሕብር እምበር ዘደናግር ኣይኰነ፡

ብምኽንያት ኣቶም ኵሎም ዝገለጽክዎም ኣመክንዮታት መሰረት ገይረ፡ መራኸቢ ብዙሃን ዘለዎ ኣገዳስነት እሕብር። ስለዚህ ናይ ጋዜጠይናታትን መራኸቢ ብዙሃንን ነጻነት ክኽበርን ኣገልግሎት ጋዜጠይናታት ክኽበርን ጋዜጠናነት እውን ስራሕ እዩ እሞ እዚ ስራሕ’ዚ ውሑስ ክኸን ሓደራ እብል፡ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሃን ዝምልከቶም ናይ መንግስትን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ተቕዋማትን ካልኦትን ናይ ጋዜጠይናታት ዕዮ ውሑስ ክገብሩን ጋዜጠይናታት ብዘይ ጸቕጢ ብነጻነት ክዓዩን ናይ መራኸቡ ብዙሓብ ናይ ህብረተ-ሰብ መግለጺ ምዃኑ ናይ ዘረጋግጾ ህብረኣውነት ድምጺ ክኸኑ መታን ከተባብዑን ከተሓሳስቡን ይግባእ።

ቢሎም ዝለገስዎ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም ንዅሎም ደጊሞም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ርሑስ በዓለ ልደት ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.